Fana: At a Speed of Life!

ኣብ ዞባ ጎፋ ብሓደጋ ጋህሲ መሬት ጉድኣት ንዝበጽሖም 14 ሚሊየን ብር ዋጋ ዘለዎ ሓገዝ ተገይሩ

ኣዲስ ኣበባ፣ 23 ሓምለ፣ 2016 (ኤፍ ቢ ሲ)ኮሚሽን ጉምሩክ ኣብ ዞባ ጎፋ ወረዳ ገዜ ጎፋ ቀበሌ ኬንቾ ሻቻ ጎዝዲ ብሓደጋ ጋህሲ መሬት ጉድኣት ንዝበፅሖም ወገናት 14 ሚሊየን ብር ዋጋ ዘለዎ ሓገዝ ገንዘብን ዓይነትን ገይሩ። ኮሚሽነር ኮሚሽን ጉምሩክ ደበሌ ቃበታ በቲ ጉድኣት ዝተሰመዖም ሓዘን…

ኣብ 14 ውድድራት ኦሊምፒክ 58 ሜዳሊያታት ዝኣከበት – ኢትዮጵያ

ኣዲስ ኣበባ፣ 23 ሓምለ፣ 2016 (ኤፍ ቢ ሲ)ኢትዮጵያ ንፈለማ እዋን ኣብ ውድድር ኦሊምፒክ ዝተሳተፈት ኣብ 1956 ዓ.ም.ፈ ኣብ ኣውስትራሊያ ሜልቦርን ኣብ ዝተኻየደ መበል 16 ኦሊምፒክ ኢያ ተሳቲፋ። እዚ ማለት እቲ ውድድር ኣብ 1896 ዓ.ም.ፈ ዝተጀመረ ዋላ ይኹን፥ ኢትዮጵያ ድሕሪ 60…

ኣሸንዳ፤ ፍቕሪ፣ ሓድነት፣ ምትሕግጋዝ፣ ስልጡን ዴሞክራሲያዊ ነቐፌታን ሓሳብካ ብጥበብ ትገልፀሉን መዓልቲ ናፃነት ከምዝኾነ ተገሊፁ

ኣዲስ ኣበባ፣ 23 ሓምለ፣ 2016 (ኤፍ ቢ ሲ)ኣሸንዳ፤ ፍቕሪ፣ ሓድነት፣ ምትሕግጋዝ፣ ስልጡን ዴሞክራሲያዊ ነቐፌታን ሓሳብካ ብጥበብ ትገልፀሉን መዓልቲ ናፃነት ከምዝኾነ ምክትል ሓላፊ ቢሮ ባህልን ቱሪዝምን ግዚያዊ ምምሕዳር ክልል ትግራይ ኣይተ ሃይላይ በየነ ገሊፆም። ዓበይቲ ዓድን ዝተፈላለዩ…

ኣብ ህንዲ ብዘጋጠመ ሓደጋ ጋህሲ መሬት ህይወት 24 ሰባት ሓሊፉ

ኣዲስ ኣበባ፣ 23 ሓምለ፣ 2016 (ኤፍ ቢ ሲ)ኣብ ህንዲ ደቡባዊ ግዝኣት ኬራላ ዝወቕዐ ከቢድ ዝናብ ብዘስዐቦ ሓደጋ ጋህሲ መሬት ህይወት 24 ሰባት እንትሓልፍ ኣብ ልዕሊ 66 ሰባት ጉድኣት ከምዝበፅሐ ተሓቢሩ፡፡ እናተሰርሐ ንዘሎ ስራሕ መድሕን ህይወት ብምኽንያት ምድርማስ ድልድል እያናተኣጓጎሎ…

ሕድሳት ቤተ መንግስቲ ፋሲል ተጀሚሩ – ቀ/ሚኒስትር ኣቢይ ኣሕመድ (ዶ/ር)

ኣዲስ ኣበባ፣ 23 ሓምለ፣ 2016 (ኤፍ ቢ ሲ)ኣብ ከተማ ጎንደር ዝርከብ ቤተ መንግስቲ ፋሲል ሕድሳት ከምዝተጀመረ ቀዳማይ ሚኒስትር ኣቢይ ኣሕመድ (ዶ/ር) ኣፍሊጦም። እቶም ቀዳማይ ሚኒስትር ኣብ ማሕበራዊ ሚዲያ ገፆም ኣብ ዘመሓላለፉዎ መልእኽቲ ከምዝገለፁዎ÷ ኣብ ከተማ ጎንደር ሕድሳት ቤተ…

ኣይተ ኣሻድሊ ሓሰን ርእሰ ምምሕዳር ክልል ቤኒሻንጉል ጉሙዝ ብምዃን ዳግም ተሸይሞም

ኣዲስ ኣበባ፣ 23 ሓምለ፣ 2016 (ኤፍ ቢ ሲ)ኣይተ ኣሻድሊ ሓሰን ርእሰ ምምሕዳር ክልል ቤኒሻንጉል ጉሙዝ ብምዃን ብቤት ምኽሪ እቲ ክልል ዳግም ተሸይሞም። እቲ ቤት ምኽሪ የካይዶ ኣብ ዘሎ መበል ሻድሻይ ዙር ቀዳማይ ዘበን ስራሕ ቀዳማይ ስሩዕ ጉባኤ ኣይተ ኣሻድሊ ሓሰን ርእሰ ምምሕዳር ክልል…

ምምሕዳር ከተማ ድሬዳዋ ንዞባ ጎፋ 5 ሚሊየን ብር ደገፍ ገይሩ

ኣዲስ ኣበባ፣ 23 ሓምለ፣ 2016 (ኤፍ ቢ ሲ)ምምሕዳር ከተማ ድሬዳዋ ኣብ ዞባ ጎፋ ብዘጋጠመ ሓደጋ ጋህሲ መሬት ጉድኣት ንዘጋጠሞም ወገናት ደገፍ ዝኸውን 5 ሚሊየን ብር ለጊሱ። ርእሰ ምምሕዳር ክልል ደቡብ ኢትዮጵያ ጥላሁን ከበደ ነቲ ዝተገበረ ደገፍ አመስጊኖም። ኢትዮጵያውያን እቲ ክልል…

ገፀር ጥራሕ ዘይኮነስ ከተማታትና ሓምለዋይ ዘልበስናሉ ሓምለዋይ ኣሰር ዓለም ለኸ መፍለዪና ኢዩ-ም/ቀ/ሚ ተመስገን ጥሩነህ

ኣዲስ ኣበባ፣ 23 ሓምለ፣ 2016 (ኤፍ ቢ ሲ)ገፀር ጥራሕ ዘይኮነስ ከተማታትና ሓምለዋይ ዘልበስናሉ ሓምለዋይ ኣሰር ዓለም ለኸ መፍለዪና ኢዩ ክብሉ መክትል ቀዳማይ ሚኒስትር ተመስገን ጥሩነህ ገሊፆም። እቶም ምክትል ቀዳማይ ሚኒስትር ሓዊሱ ላዕለዎት ኣመራርሓ ፌዴራልን ክልል ኦሮሚያን ኣብ ከተማ…

ኣብ ኣዲስ ኣበባ ብሰንኪ ሓደጋ ትራፊክ 3 ሰባት ህይወቶም ስኢኖም

ኣዲስ ኣበባ፣ 23 ሓምለ፣ 2016 (ኤፍ ቢ ሲ)ኣብ ኣዲስ ኣበባ ሎሚ ንጎሆ ሰዓት 11 ፡ 14  ኣብ ክፍለ ከተማ ንፋስ ስልክ ላፍቶ ወረዳ 14 ብሰንኪ ዘጋጠመ ሓደጋ ትራፊክ ሰለስተ ሰባት ህይወቶም ከምዝሰኣኑ ተገሊፁ። ካልኦት ኣርባዕተ ሰባት ድማ ከቢድ ጉድኣት ኣካል ከምዘጋጠሞም ተሓቢሩ።…

ኬሚካል ነፀግቲ ኣውሮፕላናት ተወሳኺ ኣገልግሎት ንኽህባ ዘኽእል ስምምዕነት ተኸቲሙ

ኣዲስ ኣበባ፣ 22 ሓምለ፣ 2016 (ኤፍ ቢ ሲ)ብሚኒስቴር ሕርሻ ንነፀጋ ኬሚካል ክውዕላ ዝተዓደጋ 5 ኣውሮፕላናት ተወሳኺ ኣገልግሎት ምሃብ ንኽኽእላ ኮርፖሬሽን ስራሕቲ ሕርሻን ናሽናል ኤርዌይስን ስምምዕነት ተፈራሪሞም፡፡ እተን ኣውሮፕላናት ካብ ዘለወን ልዑል ዓቕሚ ኣብ ዝህልወን ትርፊ እዋን…