Fana: At a Speed of Life!

ካብ ዓመት ናብ ዓመት ኣብ ሓምለዋይ ኣሰርና ቆላሕታ ብምግባር ክንሰርሕ ኢና-ቀዳማይ ሚኒስትር ኣቢይ(ዶ/ር)

ኣዲስ ኣበባ፣ 9 ታሕሳስ፣ 2016 (ኤፍ ቢ ሲ)ካብ ዓመት ናብ ዓመት ኣብ ሓምለዋይ ኣሰርማ ቆላሕታ ብምግባር ክንሰርሕ ኢና ክብሉ ቀዳማይ ሚኒስትር ኣቢይ ኣሕመድ(ዶ/ር) ገሊፆም። እቶም ቀዳማይ ሚኒስትር ኣብ ማሕበራዊ ሚዲየኦም ኣብ ዘመሓላለፍዎ መልእኽቲ፥ ንእዋን ተኸላ ቐፃሊ ዓመት ምድላው ፈልሲ…

ዪንሴፍ 16 ሚልየን ብር ዝግመት ሓገዝ መድሓኒትን ናውቲ ሕክምናን ንቢሮ ጥዕና ትግራይ ሂቡ

ኣዲስ ኣበባ፣ 9 ታሕሳስ፣ 2016 (ኤፍ ቢ ሲ)ዪንሴፍ  16 ሚልየን ብር ዝግመት ሓገዝ መድሓኒትን ናውቲ ሕክምናን ንቢሮ ጥዕና ግዚያዊ ምምሕዳር ክልል ትግራይ ኣበርኪቱ። እቶም ሓገዛት፥ ተወካሊት ዪንሴፍ ጨንፈር ትግራይ ኤልዛቤት ኦሜኬ ንሓላፊ ቢሮ ጥዕና ክልል ትግራይ ዶክተር ኣማኒኤል ሃይለ…

ኣብ ክልል ሶማሊ መጥቃዕቲ ግብረ ራዕዲ ንምፍፃም እናተንቀሳቐሱ ዝነበሩ 14 ኣባላት ጉጅለ ግብረ ራዕዲ ኣልሸባብ ኣብ ትሕቲ ቁፅፅር ውዒሎም – ሓበራዊ…

ኣዲስ ኣበባ፣ 9 ታሕሳስ፣ 2016 (ኤፍ ቢ ሲ)ኣብ ክልል ሶማሊ ጅግጅጋ ሓዊሱ ኣብ ዝተፈላለዩ ከባቢታት መጥቃዕቲ ግብረ ራዕዲ ንምፍፃም እናተንቀሳቐሱ ዝነበሩ 14 ኣባላት ጉጅለ ግብረ ራዕዲ ኣልሸባብ ኣብ ትሕቲ ቁፅፅር ከምዝወዓሉ ሓበራዊ ግብረ ሓይሊ ፀፅታን ድሕንነትን ኣፍሊጡ። ኣብ ሶማሊያ…

ኢትዮጵያን ኔዘርላንድስን ስምምዕነት ሓገዝ 45 ሚሊየን ዩሮ ከቲመን

ኣዲስ ኣበባ ፣ 9 ታሕሳስ፣ 2016 (ኤፍ ቢ ሲ)ኢትዮጵያን ኔዘርላንድስን ስምምዕነት ሓገዝ 45 ሚሊየን ዩሮ ከቲመን። እቲ ስምምዕነት ኣብ ኢትዮጵያ ምምሕዳር ተፋሰስ ንምድጋፍ ዝውዕል ፕሮጀከት መፈፀሚ ከምዝኾነ ኣብ ሚኒስቴር ገንዘብ ዝረኸብናዮ ሓበሬታ የረድእ። ኣብ ከባቢ ወሓዝቲ ሩባታት…

ቤት ምኽሪ ክልል ዓፋር ስሩዕ ጉባኤኡ ምክያድ ጀሚሩ

ኣዲስ ኣበባ፣ 9 ታሕሳስ፣ 2016 (ኤፍ ቢ ሲ)ቤት ምኽሪ ክልል ዓፋር 6ይ ዘበን መረፃ 3ይ ዓመት ዘበን ስራሕ 5ይ ስሩዕ ጉባኤኡ ምክያድ ጀሚሩ። ኣፈ-ጉባኤ እቲ ቤት ምኽሪ ኣሲያ ከማል÷ ነቲ ጉባኤ ብመደረ ከፊተን፡፡ ርእሰ ምምሕዳር እቲ ክልል ኣወል ኣርባ ድማ ፀብፃብ ኣፈፃፅማ ስራሕ…

ልኡኽ ኢንቨስትመንት ቻይና ኣብ ፓርክ ኢንዱስትሪ ቦሌ ለሚ ዑደት ኣሳሊጦም

ኣዲስ ኣበባ፣ 9 ታሕሳስ፣ 2016 (ኤፍ ቢ ሲ)ልኡኽ ኢንቨስትመንት ቻይና ኣብ ፓርክ ኢንዱስትሪ ቦሌ ለሚ ዑደት ኣሳሊጦም። እቲ ልኡኽ፥ ብምክትል ፀሓፊ ቀዋሚ ኮሚቴ ግዝኣት ጂሊ፣ ምክትል ሴክሬታሪ ጄኔራል ምምሕዳር ፉያንግ ዋንግ ፈሂሁ፣ ኣዶ መንበር ኮሚቴ ምትሕብባርን ሕውነትን ኢትዮጵያ ቻይና ቤቲ…

መድረኽ ዘተ ምምሕዳር ኤሌክትሮኒክስን ኣገልግሎት ዲጂታላይዜሽንን ሃገራት ኣፍሪካ ኣብ ሩሲያ ይሳለጥ ኣሎ

ኣዲስ ኣበባ፣ 9 ታሕሳስ፣ 2016 (ኤፍ ቢ ሲ)መድረኽ ዘተ ምምሕዳር ኤሌክትሮኒክስን ኣገልግሎት ዲጂታላይዜሽንን ሃገራት ኣፍሪካ ኣብ ሩሲያ ይሳለጥ ኣሎ። ኣብ ሞስኮ ኣብ ዝሳለጥ ዘሎ እቲ መድረኽ ዘተ፥ ሃገራት ኣፍሪካ ቴክኖሎጂ ብምጥቃም ዝካየድ ዘሎ ስርዓት ኢኮኖሚ ንምዝማን ዝኸድኡ ጉዕዞ…

ኣይተ ደመቀ መኮንን ኢትዮጵያ ምስ ስፔን ዘለዋ ምትሕብባር ናብ ስትራቴጂካዊ ብርኪ ንምድንፋዕ ድሌት ከምዘለዋ ገሊፆም

ኣዲስ ኣበባ፣ 9 ታሕሳስ፣ 2016 (ኤፍ ቢ ሲ)ኢትዮጵያ ምስ ስፔን ዘለዋ ታሪኻዊን ሰፊሕን ምትሕብባር ናብ ስትራቴጂካዊ ብርኪ ንምድንፋዕ ድሌት ከምዘለዋ ምክትል ቀዳማይ ሚኒስትርን ሚኒስትር ጉዳያት ወፃኢን ኣይተ ደመቀ መኮንን ገሊፆም፡፡ ኣይተ ደመቀ መኮንን ኣብ ኢትዮጵያ ፃንሒት ስረሖም ዝዛዘሙ…

ቦርድ መረፃ ዘይሻራውነቱ ሓሊዩ ልኡኽትኡ ንኽፍፅም ክሰርሕ ኢየ – ወ/ሮ ሜላተወርቅ

ኣዲስ ኣበባ፣ 9 ታሕሳስ፣ 2016 (ኤፍ ቢ ሲ)ብሄራዊ ቦርድ መረፃ ኢትዮጵያ ናፅነቱን ዘይሻራውነቱን ሓሊዩ ልኡኽትኡ ንኽፍፅም ብቖራፅነት ንምስራሕ ከምዝተዳለዋ ኣካቢት እቲ ቦርድ ብምዃን ዝተሸማ ወይዘሮ ሜላተወርቅ ሃይሉ ገሊፀን። ባይቶ ወከልቲ ህዝቢ ሎሚ መዓልቲ ኣብ ዘካየዶ 9ይ ስሩዕ ኣኼባ÷…

ኢትዮጵያ ኣብ 2ይ ዓለም ለኸ ጉባኤ ስደተኛታት ዕዉት ተሳትፎ ምግባራ ተገሊፁ

ኣዲስ ኣበባ፣ 9 ታሕሳስ፣ 2016 (ኤፍ ቢ ሲ)ኢትዮጵያ ኣብ ዝሓለፈ ሰሙን ኣብ ስዊዘርላንድ ጄኔቫ ኣብ ዝተኻየደ መበል 2ይ ዓለም ለኸ ጉባኤ ስደተኛታት ዕዉት ተሳትፎ ምግባራ ግልጋሎት ስደተኛታትን ተመለስቲን ገሊፁ፡፡ ኢትዮጵያ ኣብቲ ጉባኤ ዝነበራ ተሳትፎ ብዝምልከት ምክትል ዋና ዳይሬክተር እቲ…