Fana: At a Speed of Life!
Browsing Tag

ዝተመረፁ

ኢትዮጵያ ብሰላማዊ መገዲ ዘተኣማምን በሪ ባሕሪ ንምርካብ እትገብሮ ፃዕሪ ክትቅፅል ኢያ-ሚኒስቴር ጉዳያት ወፃኢ

ኣዲስ ኣበባ፣ 9 ነሓሰ፣ 2016 (ኤፍ ቢ ሲ)ኢትዮጵያ ብሰላማዊ መገዲ ኣማራፂ በሪ ባሕሪ ንምርካብ እትገብሮ ዲፕሎማሲያዊ ፃዕሪ ኣጠናኺራ ክትቅፅል ኢያ ክብል ሚኒስቴር ጉዳያት ወፃኢ ገሊፁ። ኣቐባሊ ቃል እቲ ሚኒስቴር ኣምባሳደር ነብዩ ተድላ ኣብ ዝሃብዎ መግለፂ፥ ኢትዮጵያ ነቲ ሕጋዊንሰላማዊን…

ኣብ ናይ ሎሚ ዘበን ሓምለዋይ ኣሰር ኣስታት 40 ሚኢታዊ ኣብ ከባቢ ተፋሰስ ዓብዪ ህዳሰ ዝትከል ኢዩ- ም/ቀ/ሚ ተመስገን

ኣዲስ ኣበባ፣ 9 ነሓሰ፣ 2016 (ኤፍ ቢ ሲ)ኣብ ናይ ሎሚ ዘበን ሓምለዋይ ኣሰር ኣስታት 40 ሚኢታዊ ኣብ ከባቢ ተፋሰስ ዓብዪ ህዳሰ ዝትከል ኢዩ ክብሉ ምክትል ቀዳማይ ሚኒስትር ተመስገን ጥሩነህ ገሊፆም። እቶም ምክትል ቀዳማይ ሚኒስትር ሎሚ ኣብ ድሬዳዋ ፓርክ ኣሊ ቢራ መርሃ ግብሪ ሓምለዋይ…

ኣይተ ኣሕመድ ሺዴ ኣብ ጅቡቲ ብሚኒስትር ኢነርጂ ምስ ዝተመርሐ ልኡኽ ተዛቲዮም

ኣዲስ ኣበባ፣ 8 ነሓሰ፣ 2016 (ኤፍ ቢ ሲ)ሚኒስትር ገንዘብ ኣይተ ኣሕመድ ሺዴ ኣብ ጅቡቲ ብሚኒስትር ኢነርጂ እታ ሃገር ዮኒስ አሊ ገዲ ምስ ዝተመርሐ ልኡኽ ተዛቲዮም። ኣበረ ዘተኦም÷ ኣብ ጅቡቲ ዝርከብ ሆራይዘን ተርሚናል ንኢትዮጵያ ነዳዲ ናይ ምሃብ ኣገልግሎት ኣብ ዘጠናኽሉ ጉዳይ ትኹረት…

መርሃ ግብሪ መጀመሪ ህንፀት ፉሉይ ዞባ ኢኮኖሚ ኣዲስ ቱሞሮ ተኻይዱ

ኣዲስ ኣበባ፣ 8 ነሓሰ፣ 2016 (ኤፍ ቢ ሲ)መርሃ ግብሪ መጀመሪ ህንፀት ፉሉይ ዞባ ኢኮኖሚ ኣዲስ ቱሞሮ ቀዳማይ ሚኒስትር ኣቢይ ኣሕመድ (ዶ/ር) ኣብ ዝተረኸቡሉ ተኻይዱ። ኣብ 35 ሄክታር መሬት ምስ ኩባኒያ ቻይና "ሲሲሲሲ" ብምትሕብባር ዝህነፅ እቲ ፍሉይ ዞባ ኢኮኖሚ ኣብ ውሽጢ ከተማ ሓዱሽ…

ኣገልግሎት ምሃብ ሓዱሽ ፓስፖርት ኣብ መቐለ ክጅመር እዩ

ኣዲስ ኣበባ፣ 8 ነሓሰ፣ 2016 (ኤፍ ቢ ሲ)ኣብ መቐለ ኣገልግሎት ሓዱሽ ፓስፖርት ብኦንላይን ምሃብ ከምዝጅምር ኣገልግሎት ኢሚግሬሽንን ዜግነትን ኢትዮጵያ ኣፍሊጡ። ብሰንኪ ኲናት ኣገልግሎት ፓስፖርት ጠጠው ኣቢሉ ዝፀነሐ ግልጋሎት ኢሚግሬሽንን ዜግነትን ኢትዮጵያ ጨንፈር ቤትፅሕፈት መቐለ÷ ካብ…

ሪፎርም ዓውዲ ሕርሻ ውሕና ምግቢ ዘረጋግፅ ለውጢ ከምዘምፀአ ተገሊፁ

ኣዲስ ኣበባ፣ 8 ነሓሰ፣ 2016 (ኤፍ ቢ ሲ)ኣብ ዓውዲ ሕርሻ ብዝተገበረ ሪፎርም ውሕስና ምግቢ ዘረጋግፁ ጭቡጣት ስራሕቲ ጭቡጥ ለውጢ ከምዘምፅኡ ምክትል ቀዳማይ ሚኒስትር ተመስገን ጥሩነህ ገሊፆም። ኣይተ ተመስገን “ዓሚቕ ዓቕሚ ዓውዲ ሕርሻ ንጠቐም” ብዝብል መሪሕ ሓሳብ ሎሚ መዓልቲ ዝጀመረ ሃገር…

እዚ ኮማንዶን ኣየር ወለድን ፍሉይ ሓይሊ ፀረ ሓይሊታት ግብረ ራዕዲ ኣመሪቑ

ኣዲስ ኣበባ፣ 7 ነሓሰ፣ 2016 (ኤፍ ቢ ሲ)ኣብ ትሕቲ እዚ ኮማንዶን ኣየር ወለድን ዝርከብ መሰልጠኒ ቤት ትምህርቲ ፍሉይ ሓይሊ ፀረ ሓይሊታት ግብረ ራዕዲ “ሃደንቲ” ብዝብል መፀውዒ ዘሰልጠኖም መበል 12 ዙር ፍሉይ ሓይሊታት ፀረ ግብረ ራዕዲ ሓይሊታት ኣመሪቑ። ኣብቲ ስነ-ስርዓት ምረቓ ላዕለዋይ…

ንህዝባዊ ወያነ ሓርነት ትግራይ (ህወሓት)

ብሄራዊ ቦርድ ምርጫ ኢትዮጵያ ህዝባዊ ወያነ ሓርነት ትግራይ(ህ.ወ.ሓ.ት) ሓፈሻዊ ግባኤኡ ክገብር ከምዝኾነ ንመራኽብቲ ሓፋሽ ምዝራቡ ስዒቡ እቲ ቦርድ ነቲ ፓርቲ ዝፀሓፎ ደብዳበ ከምዝስዕብ ቀሪቡ ኣሎ። ንህዝባዊ ወያነ ሓርነት ትግራይ (ህወሓት) መቐለ ጉዳዩ…

ኣብ እዋናዊ ጉዳያት ብዝምልከት ካብ ኣገልግሎት ኮሙኒኬሽን መንግስቲ ዝተውሃበ መግለፂ፦

ስምምዕነት ፕሪቶሪያ መበገሲኡን መብፅሒኡን ሕገ-መንግስቲን ሕገ-መንግስዊ ትካላትን ምኽባር ኢዩ! ቦርድ መረፃ ኢትዮጵያ ኣብ ቀረባ እዋን ብዝተመሓየሸ ኣዋጅ መረፃ ቁፅሪ 1332/2016 ዓንቀፅ 2 (1) መሰረት ንህወሓት ምስክር ወረቐት ምዝገባ ከምዝሃበ ገሊፁ ኣሎ። መንግስቲ ሕገ መንግስታዊ…

ቀ/ሚ ኣቢይ (ዶ/ር) ምስ ፕሬዚዳንት ቱርኪ ረሲፕ ጣይብ ኤርዶኻን ዘቲዮም

ኣዲስ ኣበባ፣ 5 ነሓሰ፣ 2016 (ኤፍ ቢ ሲ)ቀዳማይ ሚኒስትር ኣቢይ ኣሕመድ(ዶ/ር) ምስ ፕሬዚዳንት ቱርኪ ረሲፕ ጣይብ ኤርዶኻን ዘቲዮም። እቲ ዘተ፥ ክልቲኣዊ ርክብ ክብ ብምባል ብፍላይ ልውውጥ ንግዲ ብዕፅፊ ንምዕባይ ጠመተ ዝገበረ ኢዩ። ብተወሳኺ ዞባዊ ምትሕብባር ንምጥናኻር…