Fana: At a Speed of Life!
Browsing Tag

ዝተመረፁ

ኣይተ ደመቀ መኮንን ምስ ሚኒስትር ጉዳያት ወፃኢን ዓለምለኸ ምትሕብባርን ሩዋንዳ ተዛቲዮም

ኣዲስ ኣበባ፣ 5 ነሓሰ፣ 2015 (ኤፍ ቢ ሲ)ምክትል ቀዳማይ ሚኒስትርን ሚኒስትር ጉዳያት ወፃኢን ኣይተ ደመቀ መኮንን ምስ ሚኒስትር ጉዳያት ወፃኢን ዓለምለኸ ምትሕብባርን ሩዋንዳ ቪንሰንት ቢሩታን ተዛቲዮም። ኣብ ዘተኦም ድማ ኣብ ሞንጎ ክልቲአን ሃገራት ዘሎ ክልተኣዊን በዓል ብዙሕ ወገን ርክብን…

ፀገም ፀፅታ ኣብ ዘጋጠመሎም ከባቢታት ክልል ኣምሓራ ምንቅስቓስ ትካላት ናብ ንቡር ኩነታት ይምለስ ኣሎ – ግልጋሎት ኮሙኒኬሽን መንግስቲ

ኣዲስ ኣበባ፣ 5 ነሓሰ፣ 2015 (ኤፍ ቢ ሲ)ፀገም ፀፅታ ኣብ ዘጋጠመሎም ከባቢታት ክልል ኣምሓራ ምንቅስቓስ ግልጋሎት ወሃብቲ ትካላት ናብ ዝነበሮ እናተመለሰ ምዃኑ ሚኒስትር ግልጋሎት ኮሙኒኬሽን መንግስቲ ለገሰ ቱሉ (ዶ/ር) ገሊፆም። እቶም ሚኒስትር ኣብ እዋናዊ ኩነታት ኣድሂቦም ኣብ ዝሃቡዎ…

ቀዳማይ ሚኒስትር ኣቢይ ኣሕመድ(ዶ/ር) ምስ ሚኒስትር ጉዳያት ወፃኢን ዓለም ለኸ ምትሕብባርን ሪፐብሊክ ሩዋንዳ ዘቲዮም

ኣዲስ ኣበባ፣ 5 ነሓሰ፣ 2015 (ኤፍ ቢ ሲ)ቀዳማይ ሚኒስትር ኣቢይ ኣሕመድ(ዶ/ር) ምስ ሚኒስትር ጉዳያት ወፃኢን ዓለም ለኸ ምትሕብባርን ሪፐብሊክ ሩዋንዳ ቪንሴንት ቢሩታን ዘቲዮም። እቲ ዘተ ቀፃሊ ዘሎ ዲፕሎማሲያዊ ርክብ ኢትዮጵያ ነምጥንኻር ዝዓለመ ኢዩ ተባሂሉ። ስለዝኾነ ኢትዮጵያን…

መንግስቲ ፌዴራል ኣብ ትግራይ ኣጋጢሙ ንዘሎ ሰፊሕ ዕስለ ኣንበጣ ኣብ ምክልኻል ዝተጠናኸረ ሓገዝ ንክገብር ተሓቲቱ

መንግስቲ ፌዴራል ኣብ ትግራይ ኣጋጢሙ ንዘሎ ሰፊሕ ዕስለ ኣንበጣ ኣብ ምክልኻል ዝተጠናኸረ ሓገዝ ንክገብር ተሓቲቱ ኣዲስ ኣበባ፣ 5 ነሓሰ፣ 2015 (ኤፍ ቢ ሲ)ኣብ ክልል ትግራይ ብሰንኪ ዘሎ ምቁርራፅ ዝናብ ስዒቡ ዘጋጠመ ሙቐትን ካብ ጎረባብቲ ክልላት ብዝመፅእ ዕስለ ኣንበጣን ሰፊሕ ክስተት…

ናህሪ ዋጋ ንምህዳእ ዘኽእል ምምሕያሽ ፖሊሲ ገንዘብ ክግበር ኢዩ

ኣዲስ ኣበባ፣ 5 ነሓሰ፣ 2015 (ኤፍ ቢ ሲ)ናህሪ ዋጋ ንምህዳእ ዘኽእል ምምሕያሽ ፖሊሲ ገንዘብ ንምግባር ከምዝወሰነ ብሄራዊ ባንኪ ኢትዮጵያ ኣፍሊጡ። ገዛኢ ብሄራዊ ባንኪ ኢትዮጵያ ማሞ ምህረቱ÷ እቲ ጉዳይ ኣመልኪቶም መግለፂ ሂቦም፡፡ እቲ መመሓየሺ ፖሊሲ ገንዘብ÷ ካብ ቀረባ እዋን ንደሓር…

ሚኒስትር ጉዳያት ወፃኢ ሩዋንዳ ናብ ኣዲስ ኣበባ ኣቲዮም

ኣዲስ ኣበባ ፣ 5 ነሓሰ፣ 2015 (ኤፍ ቢ ሲ)ሚኒስትር ጉዳያት ወፃኢ ሩዋንዳ ቪንሰት ብሩታ ዕላዊ ዑደት ስራሕ ንምግባር ናብ ኣዲስ ኣበባ ኣቲዮም። እቶም ሚኒስትር ጉዳያት ወፃኢ ኣብ ዓለም ለኸ መዕርፎ ነፈርቲ ቦሌ እንትበፅሑ÷ ሚኒስትር ዴኤታ ሚኒስቴር ጉዳያት ወፃኢ ኣምባሳደር ብርቱካን ኣያኖ…

ፕሮግራም ብሄራዊ ተሃድሶ ውፅኢታዊ ኣብ ምግባር ዘፈር ውልቀ ብንቕሓት ንኽሳተፍ ተሓቲቱ

ኣዲስ ኣበባ፣ 5 ነሓሰ፣ 2015 (ኤፍ ቢ ሲ)ፕሮግራም ብሄራዊ ተሃድሶ ውፅኢታዊ ኣብ ምግባር ዘፈር ውልቀ ተሳትፎ ንኽገብር ኮሚሽን ብሄራዊ ተሃድሶ ፃውዒት ኣቕሪቡ፡፡ ኮሚሽን ብሄራዊ ተሃድሶ ምስ መዳርግቲ ኣካላት ዘፈር ውልቀ ኣብ ዝተፈላለዩ ዛዕባታት ይዛተ ኣሎ። ኮሚሽነር እቲ ኮሚሽን…

ኣብ ቀርኒ ኣፍሪካ ዝረኣዩ ስግኣታት ግብረ ራዕዲ ኣብ ምክልኻልን ምቁፅፃርን ሃገራት እቲ ቀጣና ብምትሕብባር ክሰርሓ ይግባእ

ኣዲስ ኣበባ፣ 4 ነሓሰ፣ 2015 (ኤፍ ቢ ሲ)ኣብ ቀርኒ ኣፍሪካ ዝረኣዩ ስግኣታት ግብረ ራዕዲን ዶብ ተሻገርቲ ዝተወደቡ ገበናተን ንምክልኻልን ንምቁፅፃርን ሃገራት እቲ ቀጣና ብምትሕብባር ክሰርሓ ከምዝግባእ ተገሊፁ። ኢትዮጵያን ፣ ኬኒያ፣ ሶማሊያ ፣ ጅቡቲን ሲሼልስን ዘካተተን ላዕለዎት ሓለፍቲ…

ፀብፃባት መራኸብቲ ሓፋሽ ብሄራዊ ረብሓ ዘቐድሙን ሓድነት ህዝቢ ዘጠናኽሩን ክኾኑ ይግባእ- ለገሰ ቱሉ (ዶ/ር)

ኣዲስ ኣበባ፣ 4 ነሓሰ፣ 2015 (ኤፍ ቢ ሲ)ፀብፃባት መራኸብቲ ሓፋሽ ብሄራዊ ረብሓ ዘቐድሙን ሓድነት ህዝቢ ዘጠናኽሩን ክኾኑ ይግባእ ክብሉ ሚኒስትር ኣገልግሎት ኮሚኒኬሽን መንግስቲ ለገሰ ቱሉ (ዶ/ር) ገሊፆም። ብኣገልግሎት ኮሚኒኬሽን መንግስቲን በዓል መዚ መራኸብቲ ሓፋሽ ኢትዮጵያን ኣቢሉ…

ኣምባሳደር ኤል ኣሚን ሱውፍ ኣብ ሶማሊያ ንዝርከቡ ወተሃደራት ዓቃቢ ሰላም ኢትዮጵያ አመስጊኖም

ኣዲስ ኣበባ፣ 4 ነሓሰ፣ 2015 (ኤፍ ቢ ሲ)ፍሉይ ወኪል ሕብረት ኣፍሪካ ኣብ ሶ0ማሊያ ኣምባሳደር ኤል ኣሚን ሱውፍ ኣብ ሶማሊያ ዝርከቡ ወተሃደራት ዓቃቢ ሰላም ኢትዮጵያ እታ ሃገር ንምርግጋዕ ዓሊሞም ንዝገበርዎ ኣስተዋፅኦ አመስጊኖም። ኣብ ሶማሊያ ባይደዋ ልኡኽ ዓቃቢ ሰላም ብምዃን ግቡኦም…