ህዝቢ ኢትዮጵያ ብኣንኣሽቱ ፕሮፖጋንዳ ክስኮን ኣይኽእልን – ቀዳማይ ሚኒስትር ኣቢይ (ዶ/ር)
ኣዲስ ኣበባ፣ 24 ግንቦት፣ 2018 (ኤፍ ኤም ሲ) ስርዓትን መንግስትን እትፈልጥ ጥንታዊት ሃገር ኢትዮጵያ ህዝባ ብኣንኣሽቱ ፕሮፖጋንዳ ክስኮን ኣይኽእልን ኢሎም ቀዳማይ ሚኒስትር ኣቢይ ኣሕመድ (ዶ/ር)።
እቶም ቀዳማይ ሚኒስትር ኣብ 7ይ ሓፈሻዊ መረፃ ድምፂ ኣብ ዝሃቡሉ እዋን፤ ህዝቢ እታ ሃገር ካብ ንግሆ ጀሚሩ ንዘርአዩ ልዑል መንፈስ ጅግንነት ዝነኣድ እዩ፡፡
እዚ ህዝቢ ዝወሰዶ ስጉምቲ ዲሞክራስያዊ ስርዓትን መንግስትን ንምህናፅ ዘለዎ ሓያል ድሌት ዘርኢ ምዃኑን ህዝቢ ኢትዮጵያ ናይ ገዛእ ርእሱ ውሳነ ንኽወስድ ኣማኸርቲ ከምዘየድልዮ ብተግባር ተረጋግፅ ኣላ ኢሎም፡፡
ህዝቢ ብቆራፅት ብዲሞክራሲያዊ መገዲ ዝመርፆም ኣካላት እምነት ዓበይቲ ህዝቢ ከይጠለሙ ተኣሚኖም፣ ብፅሩይ ኢድን ልብን ከምኡ እውን ድኽመት ወይ ድኻም ከይበሉ ታሪኽ ንምቕያር ክሳብ ክንደይ ድሉው ምዃኑ ኣመልኪቱ።
እቲ ውድድር ናይ ምዕዋት ወይ ምኽሳር ዘይኮነስ ናይቶም ገዛእ ርእሶም ዝሃቡና እሙናት ሰባት ኣገልግሎትን ህይወትን ብኸመይ ንቕይር ዝብል ክኸውን ከም ዘለዎ ገሊፆም።
ኣብ ዝቕፅሉ ሓሙሽተ ዓመታት ካብቲ ክሳብ ሕፅ ዝተሰርሑ ሰናይ ስራሕ፣ ፃዕሪ፣ኣተሓሳስባን ውህደትን ከም ዝሓትት ገሊፆም።
ብዮናስ ጌትነት