Fana: At a Speed of Life!

መረፃን መሰል ዜጋታትን

ሕገ መንግስቲ ኢትዮጵያ ዜጋታት እታ ሃገር ኣብ ከይዲ ዴሞክራሲያዊ መረፃ ዘለዎም መሰል ኣብ ዓንቀፅ 38 ብዝርዝር ኣቐሚጡ ኢዩ፡፡

ፈላማይን ዋናን መሰል መሰል ክትመርፅን ክትምረፅን ምኽኣል ኢዩ፡፡

ብመሰረት እዚ ዝኾነ ይኹን ኢትዮጵያዊ ዜጋ ብቐለም፣ ብዓሌት፣ ብብሄር፣ ብብሄረሰብ፣ ብፆታ፣ ብቋንቋ፣ ብሃይማኖት፣ ብፖለቲካ ወይ እውን ብኻሊእ ኣመለኻኽታ ወይ እውን ብኻሊእ ቅዋም ዝተደረኸ ኣፈላላይ ኣይግበረሉን፡፡

እዚ መሰል ሓደ ኢትዮጵያዊ ኣብ ዝኾነ ይኹን ክፋል እዛ ሃገር ኣብ ኣድልዎ ዝተመስረተ ኣፈላላይ እንተይተገበረሉ መሰል ክምረፅን ክመርፅን ዘለዎ ከምዝኾነ የረጋግፅ፡፡

ብሕገ መንግስቲ ኢትዮጵያ ዝተረጋገፀ መሰል ክትምረፅን ክትመርፅን ሓደ መራፂ ዝመርፆ ፓርቲ ወይ እውን ሕፁይ ብምስጢር ናይ ምምራፅ መሰል ዘለዎ ምዃኑ ይድንግግ፡፡

እዚ መሰል ብቦርድ መረፃ ኢትዮጵያን (ብመንግስቲ)ን ብምትሕብባር መራፂ ድምፂ ብምስጢር ንመሃብ ዘኽእሎ ከባቢያዊን ቴክኒካዊን ኩነታት ናይ ምምላእ ግቡእ ይህብ፡፡

ኣብ ከይዲ ዴሞክራሲያዊ መረፃ ዜጋታት ብመራፅነትን ብተመራፃይነትን ካብ ምስታፍ ብተወሳኺ ተሳትፎ ዝገብሩሎም ብዙሓት ናይ ሓላፍነት መድረኻት ኣለዉ፡፡ ካብ ሞንጎ እዚኣቶም ድማ ኣብ ምዕዛብ መረፃን ኣፈፃሚ መረፃን ምስታፍ እቶም ቀንዲ ቀንዲ ኢዮም፡፡

ኢትዮጵያ ክትመርፅ ኢያ

You might also like

Leave A Reply

Your email address will not be published.