Fana: At a Speed of Life!

መገዲ ኣየር ኢትዮጵያ ኣብ በጀት ዓመት 2018 9 ነጥቢ 1 ቢልዮን ዶላር ኣታዊ ረኺቡ

ኣዲስ ኣበባ፣ ሓምለ 22፣ 2018 (ኤፍ ኤም ሲ)ግሩፕ መገዲ ኣየር ኢትዮጵያ ኣብ በጀት ዓመት 2018 9 ነጥቢ 1 ቢልዮን ዶላር ኣታዊ ረኺቡ፡፡

ዋና ስራሕ ፈፃሚ ግሩፍ መገዲ ኣየር ኢትዮጵያ ኣይተ መስፍን ጣሰው፤ ኣፈፃፅማ በጀት ዓመት 2018 ኣመልኪቶም መግለፂ ሂቦም።

ኣቶ መስፍን ኣብ መግለፂኦም፤ በጀት ዓመት 2018 ነቲ መገዲ ኣየር ናይ ዓወት ዓመት ከም ነይሩ ኢሎም።

ብፍላይ ድማ መብፅሒ ቦታታት ኣብ ምስፍሕፋሕ ብብርኪ ዓለም ኣርባዕተ ሓደሽቲ መብፅሒታት፤ ኣብ ውሽጢ ሃገር ድማ ሰለስተ ሓደሽቲ መብፅሒታት ስራሕ ከም ዘጀመረ ገሊፆም።

ኣብ ማእከላይ ምብራቕ ዝተኻየደ ኲናት ንስራሕቲ እቲ መገዲ ኣየር ፈታኒ ከምዝነበረ ብምሕባር፤ እቲ መገዲ ኣየር ብዝተፈላለዩ ፅዕንቶታት እንተይተበደሀ ዕዉት ዓመት አሕሊፉ ኢሎም።

በዚ ድማ እቲ መገዲ ኣየር ኣብ በጀት ዓመት 2018 ዓ.ም 9 ነጥቢ 1 ቢልዮን ዶላር ኣታዊ ከምዝረኸበ ብምሕባር፤ እዚ ኣፈፃፅማ ምስ ዝሓለፈ ዓመት እንትነፃፀር 20 ሚእታዊ ሓለፋ ከምዘርአየ ኣመልኪቶም።

ብእመቤት ሲሳይ

You might also like

Leave A Reply

Your email address will not be published.