መፃኢ ዕድል ኢትዮጵያ ኣንፈት ዝውስኑ ኣጀንዳታት ዝህብዎ ትርጉም
ኣዲስ ኣበባ፣ 3 ሓምለ፣ 2018 (ኤፍ ኤም ሲ) ኮሚሽን ሃገራዊ ምኽክር ኢትዮጵያ ዕላዊ ዝገበሮም ሸሞንተ ኣጀንዳታት ንዘመናት ኣብታ ሃገር ዝነበሩን ሱር ዝሰደዱን መሓውራዊ፣ ኢኮኖሚያዊ፣ ፖለቲካዊን ማሕበራዊን ቅርሕንቲታት ብሰላማዊ መንገዲ ንምፍታሕ ታሪኻዊ መሰረት ዘንብሩ እዮም።
ኣብቲ ጉባኤ ምኽክር ዝቐርቡ ሸሞንተ ኣጀንዳታት ካብ ቅርታ፣ ድሌት፣ ተስፋን ስግኣትን ህዝቢ ዝተረኽቡ ስለ ዝኾኑ፣ ባህሊ ፖለቲካ ኢትዮጵያ ካብ ኣሸናፊን ተሸናፊን ኣተሓሳስባ ናብ ሓባራዊ ስምምዕ ንምስግጋር ዓብዩ ፖለቲካዊን ታሪኻዊን ትርጉም ኣለዎም።
ሸሞንተ ኣጀንዳታት ዋና ዋና ዝርዝር ዝህብዎ ትርጉም ንርአ፡-
- ጉዳይ ህንፀት ሃገር
ንኡሳን ርእሰ ጉዳያት፦ መንነትን ባለቤትነት ሃገርን፣ ትርጉም ታሪኽን መንነትን፣ ሓባራዊ ሃገራዊ ክብርታት፣ ሓለዋ ቋንቋ፣ ባህልን ቅርስታትን።
ትርጉሙ፦ ኣብ ታሪኽን መንነትን ዘለዉ ፍልልያት ብምቕናስ፣ ብዙሕነት ብግቡእ ዘካትትን ኩሉ ዜጋ ብማዕረ ዘሳትፍን ሓባራዊ ሃገራዊ መንነት ንምህናፅ መሰረት የንብር።
- ኣወዳድባ ቅርፂ መንግስቲ፣ ፖለቲካን ስርዓት መረፃን
ንኡሳን ርእሰ ጉዳያት፦ ዓይነት ቅርፂ መንግስቲ፣ መሰል ዕድል ርእሰ ውሳነ (ዓንቀፅ 39 ሕገ-መንግስቲ)፣ ምክፍፋል ስልጣንን ሃብትን ኣብ መንጎ ፌዴራልን ክልላትን።
ትርጉሙ፦ ኣብ ፌዴራሊዝም ኢትዮጵያ መሓውር ምክፍፋል ስልጣንን ዘሎ መሰረታዊ ፖለቲካዊ ፍልልይ ብምፍታሕ፣ ዝያዳ ፍትሓዊን ህዝባዊ ተሳትፎ ዘለዎን ዲሞክራስያዊ ስርዓት ንምህናፅ ይሕግዝ።
- ጉዳይ ፌዴራል ከተማታት (ኣዲስ ኣበባን ድሬዳዋን)
ንኡሳን ርእሰ ጉዳያት፦ ኩነታት ምምሕዳር ከተማታት፣ ጉዳይ ሕቶ በዓል ዋናነት፤
ትርጉሙ፦ ኣብ ዙርያ ኣዲስ ኣበባን ድሬዳዋን ዝለዓሉ ፖለቲካዊን ማሕበራዊን ውጥረታት ብህዝባዊ ስምምዕ ብምፍታሕ፣ ሰላምን ሓባራዊ ተጠቃምነትን የረጋግፅ።
- ጉዳያት ሃይማኖት
ንኡሳን ርእሰ ጉዳያት፦ ርክብ ትካላት ሃይማኖት፣ኢድ ኣታውነትን ናፅነት እምነትን መንግስትን ሃይማኖትን፤
ትርጉሙ፦ ምስ እምነት ተተሓሒዙ ዝፍጠሩ ጎንፂታት ብምቕናስ፣ ኣብ ሞንጎ ሃይማኖትዝነበረ ንዘበናት ሓቢርካ ናይ ምንባር ባህሊ የጠናኽር።
- ህንፀት ትካላት፣ ልዕልና ሕግን ሰብኣዊ መሰላትን
ንኡሳን ርእሰ ጉዳያት፦ ናፅነት ትካላት ፍትሒ፣ ድሕንነትን ዲሞክራሲን፣ ኢድ ኣታውነት ሰብኣዊ መሰላት፤
ትርጉሙ፦ ካብ ውልቀሰባት ወይ ጉጅለታት ድልየት ናፃ ዝኾኑ ብርቱዓትን ዝእመኑን ትካላት ብምህናፅ፣ ልዕልና ሕግን ድሕንነት ዜጋታትን ንምርግጋፅ ይሕግዝ፤
- ማሕበራዊን ኢኮኖሚያዊን ጉዳያት (ሓረስቶትን ሰበኽ ሳግምን ሓዊሱ)
ንኡሳን ርእሰ ጉዳያት፦ በዓል ዋናነት መሬት፣ ምክፍፋል ሃብቲ፣ ናህሪ ዋጋ ዕዳጋ፣ ሓርስቶትን ሰበኽ ሳግምን መሰላት መሬትን ልምዓትን፤
ትርጉሙ፦ ኣብ ፖሊሲ ኢኮኖሚን ምክፍፋል ሃብትን ዝለዓሉ ቅርሕንቲታት ብምፍታሕ፣ ፍትሓዊ ተጠቃምነት ኢኮኖሚ ንኹሉ ክፍሊ ሕብረተሰብ የስፋሕ፤
- ግዕዝይናን ሰናይ ምምሕዳርን
ንኡሳን ርእሰ ጉዳያት፦ ኣጠቓቕማ ስልጣን፣ ሕፅረት ፍትሒ፣ ፀገም ኪራይ ኣካቢነት፤
ትርጉሙ፦ እምነት ህዝቢ ዘጥፍእ ፀገማት ሰናይ ምምሕዳር ብምእላይ፣ ግልፅነትን ተሓታትነትን ዘለዎ ቀልጢፉ ዝሰርሕ መንግስታዊ ኣገልግሎት ንምዝርጋሕ መንገዲ ይኸፍት፤
- ጉዳያት ህንፀት ሰላም
ንኡሳን ርእሰ ጉዳያት፦ መንቀሊ ጎንፂ መፍትሒኡን፣ ጉዳይ ዕጡቓት ኣካላት፣ ስምምዓት ምቁራፅ ተኹሲን ሽግግር ፍትሕን፤
ትርጉሙ፦ ጎንፂታት ሃገር ዘላቒ ፍታሕ ብምሃብ፣ ዕጡቓት ኣካላት ናብ ሰላማዊ መንገዲ ንኽኣትዉ ይሕግዝን ቀፃሊ ሰላም ዘረጋግፅ ስትራተጂ ንምቕራፅ ይረድእ፤
ሓፈሻዊ ሃገራዊ ትርጉሙ
ካብ ሓይሊ ናብ ዘተ ምስግጋር፦ ፍልልያት ብኹናት ዘይኮነስ ብዘተ ንምፍታሕ ሓድሽ ባህሊ ፖለቲካ የተኣታቱ።
ምርግጋእ ፖለቲካዊ ሃዋህው፦ ኣብ መንጎ ፓርቲታት፣ ዕጡቓት ሓይልታትን መንግስትን ዘሎ ፍልልይ ዝፍታሓሉ ሓባራዊ መድረኽ ይፈጥር።
ምሕዳስ ስነ ልቦናሓድነት ዜጋታት፦ ህዝቢ ኣብ መፃኢ ዕድል ሃገሩ ባለቤትነት ክስምዖ ይሕግዝ።
ብሓፈሻ እዞም ሸሞንተ ኣጀንዳታት ብሓባር ክርአዩ ከለዉ ኣንፈት መፃኢ ዕድል ኢትዮጵያ ዝውስኑ መሰረታውያን ጉዳያት እዮም። እቲ ከይዲ ዕጡቓት ሓይልታትን ፖለቲካውያን ልሂቃንን ሰፊሕ ክፍሊ ህዝብን ስለ ዘሳትፍ፣ ዝብፃሕ ስምምዓት ኣብ ህዝቢ ልዑል ተቐባልነትን ተግባራውነትን ክህልዎም ይሕግዝ። እዚ ድማ ሃገር ብፅኑዕ መሰረት ንምህናፅን ናብ ዝማዕበለ ባህሊ ፖለቲካ ንምስግጋርን ዓብዩ ዕድል ዝሓዘ እዩ