Fana: At a Speed of Life!

ምክትል ቀዳማይ ሚኒስትር ተመስገን ጥሩነህ ንበዓል ዒድ ኣል ኣድሓ ናይ እንዃዕ ኣብፅሐኩም መልእኽቲ ኣሕሊፎም

ኣዲስ ኣበባ፣ 18 ግንቦት፣ 2018 (ኤፍ ኤም ሲ) ምክትል ቀዳማይ ሚኒስትር ተመስገን ጥሩነህ ንመበል 1ሺሕን447 በዓል ዒድ ኣልኣድሓ (ዓረፋ) ናይ እንዃዕ ኣብፅሐኩም መልእኽቲ ኣሕሊፎም፡፡
ነብዩ ኢብራሂም ብትእዛዝ ኣላህ ንወዶም መስዋእቲ ዘዳለዉሉን ፅንዓቶም ተፈቲኑ ዝተዓወተሉን ናይ ምእዛዝን መስዋእትን ዝኾነ ዓብዩ በዓል እዩ ኢሎም።
እቲ በዓል ክንብዕል ከለና ብቅንዕና፣ ሰናይነት፣ ምእዛዝን፣ ግብረ ሰናይን ትሕትናን ኣብ ህይወትና ብምትግባር ክኸውን ይግባእ ኢሎም።
ብተመሳሳሊ ሃገር እትፀንዕ ብመስዋእቲን ብወለዶታት ዝተኸፍለላ ዋጋን ምዃኑ ብምግንዛብ ኩሉ ዜጋ ብቕንዕና ፍቕሪ ንሃገርና ዘድሊ ዋጋ ብምኽፋል ከጠናኽራን ይግባእ ኢሎም፡፡
You might also like

Leave A Reply

Your email address will not be published.