ስፓርት
ሻምፒዮና ኣትሌቲክስ ኣፍሪካ ትሕቲ 18ን 20 ን ዓመት ሎሚ ክዛዘም እዩ
ኣዲስ ኣበባ፣ 25 ሚያዝያ፣ 2015 (ኤፍ ቢ ሲ)ኣብ ዛምቢያ ንዶላ እናተኻየደ ዝፀንሐ 2ይ ሻምፒዮና ኣትሌቲክስ ኣፍሪካ ትሕቲ 18ን 20 ን ዓመት ሎሚ መዓልቲ ክዛዘም እዩ።
ኣብ መዕፀዊ እቲ ሻምፒዮና÷ ሓሙሽተ ኢትዮጵያውያን ኣትሌታት ብክልቲኡ ፆታ ብዝተፈላለዩ ርሕቐታት ክሳተፉ ኢዮም፡፡
ሎሚ ኣብ ዝተኻየደ ውድድር ፍፃመ ስጉሚ 5 ሺሕ ሜትሮ ትሕቲ 18 ዓመት ደቂ ኣንስትዮ ኣበቡ ኣያሌው ካአይቲ ብምውፃእ ንሃገራ ሜዳሊያ ብሩር ኣምፂኣ፡፡
ኢትዮጵያ ኣብቲ ሻምፒዮና ክሳብ ሕዚ÷ 6 ሜዳሊያ ወርቂ፣ 8 ሜዳሊያ ብሩርን 3 ሜዳሊያ ነሓስን ኣኪባ…
Read More...
ተወዳዳሪ ስጉሚ ኣትሌት ምስጋና ዋቁማ ንሃገሩ ወርቂ ኣምፂኡ
ኣዲስ ኣበባ፣ 24 ሚያዝያ፣ 2015 (ኤፍ ቢ ሲ)ኣብ ዛምቢያ እናተኻየደ ኣብ ዝርከብ ውድድር ስጉሚ ትሕቲ 20 ዓመት ኢትዮጵያ ብኣትሌት ምስጋና ዋቁማ ወርቂ ረኺባ፡፡
ኣትሌት ምስጋና ዋቁማ ብ10 ሺህ ሜትሮ ውድድር ስጉሚ ቀዳማይ ብምውፃእ ንሃገሩ ሜዳሊያ ወርቂ ኣምፂኡ፡፡
ኣብ ዛምቢያ ንዶላ÷ ሻምፒዮና ኣትሌቲክስ ኣፍሪካ ትሕቲ 20 ን 18ን ዓመት እናተኻየደ ይርከብ፡፡…
ኢትዮጵያ ቡና ንድሬዳዋ ከተማ 4 ን 1 ስዒራ
ኣዲስ ኣበባ፣ 20 ሚያዝያ፣ 2015 (ኤፍ ቢ ሲ)ኣብ ቤትኪንግ ፕሪሚየር ሊግ ኢትዮጵያ ጋንታ ኢትዮጵያ ቡና ንድሬዳዋ ከተማ 4 ን 1 ስዒራ።
ጋንታ ኢትዮጵያ ቡና ንኽትዕወት መስፍን ታፈሰ፣ ሮቤል ተክለሚካኤል፣ ኣንተነህ ተፈራን ኣማኑኤል ዮሃንስን ሸቶታት እንተመዝግቡ ብሕታዊት ሸቶ ጋንታ ድሬዳዋ ከተማ ያሲን ጀማል ኣመዝጊቡዋ፡፡
ኢትዮጵያ ቡና ነጥባ 30 ብምብፃሕ ምስ…
ተናሓናሕቲ ፅዋዕ ፕሪሚየር ሊግ እንግሊዝ ሎሚ ምሸት ኣብ ኢትሃድ ክራኸባ ኢየን
ኣዲስ ኣበባ፣ 18 ሚያዝያ፣ 2015 (ኤፍ ቢ ሲ)ተናሓናሕቲ ፅዋዕ ፕሪሚየር ሊግ እንግሊዝ ጋንታታት ማንቼስተር ሲቲን ኣርሰናልን ሎሚ ምሸት ኣብ ስታዲየም ኢትሃድ ክራኸባ ኢየን።
ኣብቲ ፀወታ ጋንታ ኣርሴናል ካብ ተኸታሊታ ማንቼስተር ሲቲ ዘለዋ ኣፈላላይ ነጥቢ ንምስፋሕን ድሕሪ 19 ዓመት ፅዋዕ እቲ ሊግ ንምዕታርን ፀወታኣ ክተካይድ ኢያ፡፡
ንሰለስተ ፅዋዕ እናተነሓነሐት…
ኣትሌት ሲፈን ሓሰንን ኣትሌት ኬልቪስ ኪፕተምን ተዓወትቲ ማራቶን ለንደን 2023 ኮይኖም
ኣዲስ ኣበባ፣ 15 ሚያዝያ፣ 2015 (ኤፍ ቢ ሲ)ሎሚ መዓልቲ ኣብ ዝተኻየደ ማራቶን ለንደን 2023 ትውልደ ኢትዮጵያ ኔዘርላንዳዊት ኣትሌት ሲፈን ሓሰንን ኬንያዊ ኣትሌት ኬልቪስ ኪፕተምን ተዓዊቶም።
ኣብ ውድድር ደቂ ኣንስትዮ ኢትዮጵያዊት ኣትሌት መገርቱ ዓለሙ ካልአይቲ እንትትወፅእ÷ ኬንያዊት ኣትሌት ፔሬስ ጄፕቺርቺር ሳልሰይቲ ወፂኣ፡፡
ብደቂ ተባዕትዮ ድማ ኢትዮጵያዊ…
ኣትሌት ቀነኒሳ በቀለን ኣልማዝ ኣያናን ዝሳተፉሉ ማራቶን ለንደን ዝቕፅል ሰንበት ካካየድ ኢዩ
ኣዲስ ኣበባ፣ 13 ሚያዝያ፣ 2015 (ኤፍ ቢ ሲ)ዓበይቲ ኣትሌታት ዝነሓንሑሉ ማራቶን ለንደን 2023 ዝቕፅል ሰንበት 15 ሚያዚያ 2015 ዓ.ም ክካየድ ኢዩ።
ኣብቲ ውድድር ብደቂ ተባዕትዮ ቀነኒሳ በቀለ ዝካፈል እንትኸውን÷ ክዕወቱ ኢዮም ዝብል ግምት ካብ ሞንጎ ዝተውሃቦም ሓደ ኢዩ፡፡
ቀነኒሳ በቀለ ኣብቲ ርሕቐት 2 ሰዓት 1 ደቒቓን 41 ሰከንድን ብምጉያይ ካልኣይ…
ሳዲዮ ማኔ 350 ሺሕ ዩሮ ገንዘባዊ ቅፅዓት ተመሓላሊፉዎ
ኣዲስ ኣበባ፣ 11 ሚያዝያ፣ 2015 (ኤፍ ቢ ሲ)ነበር ኮኾብ ተፃዋታይ ሊቨርፑል ሳዲዮ ማኔ 350 ሺሕ ዩሮ ገንዘባዊ ቅፅዓት ከምዝተመሓላለፎ ጋንታ ባየርሙኒክ ኣፍሊጣ፡፡
ማኔ ናይ ጋንታ መሓዝኡ ንዝኾነ ሌሮይ ሳኔ ኣብ መቐየሪ ክዳን ክፍሉ ብጉስጢት ብምድብዳቡ ኢዩ እቲ ገንዘባዊ ቅፅዓት ተመሓላሊፉዎ፡፡
እቲ ዝተመሓላለፎ ቅፅዓት ገንዘብ ኣብ ታሪኽ እታ ጋንታ ዝለዓለ…