Fana: At a Speed of Life!

ስፓርት

ፌዴሬሽን ኩዕሶ እግሪ ኢትዮጵያ ስሩዕ ሓፈሻዊ ጉባኤ የሳልጥ ኣሎ

ኣዲስ ኣበባ፣ 28 መስከረም፣ 2017 (ኤፍ ቢ ሲ)ፌዴሬሽን ኩዕሶ እግሪ ኢትዮጵያ ስሩዕ ሓፈሻዊ ጉባኤ ኣብ ኣዳራሽ ሕብረት ኣፍሪካ የሳልጥ ኣሎ። ኣብቲ ጉባኤ፥ ፕሬዚዳንት ፌዴሬሽን ኩዕሶ እግሪ ኢትዮጵያ ኢሳያስ ጅራን ሚኒስትር ዴኤታ ባህልን ስፖርትን ኣምባሳደር መስፍን ቸርነት መደረ ገይሮም። ቆፀራ ደምፂ ዝገብሩን ቃለ ጉባኤ ዘሕዙን ወልቀ ሰባት ድሕሪ ምምራፆም፥ ፀብፃብ ኣፈፃፅማ 2016 ዓ.ም ብምቕራብ ዘተ ይግበረሎም ከምዘሎ ኣብቲ ፌዴሬሽን ዝረኸብናዮ ሓበሬታ የረድእ።
Read More...

ሃገራዊ ጋንታታት ኢትዮጵያን ዑጋንዳን ሎሚ መዓልቲ ፀወተአን ከካይዳ ኢየን

ኣዲስ ኣበባ፣ 27 መስከረም፣ 2017 (ኤፍ ቢ ሲ)ትሕቲ 20 ዓመት ሃገራዊት ጋንታ ኢትዮጵያ ኣብ ውድድር ሴካፋ ትሕቲ 20 ዓመት ሎሚ መዓልቲ ምስ ኡጋንዳ ክትፃወት ኢያ፡፡ ምድላው እናገበረት ዝፀንሐት ሃገራዊት ጋንታ ኢትዮጵያ ብቕድሚ ትማሊን ትማሊን ኣብ ማእኸል መሰልጠኒ ፌዴሬሽን ኩዕሾ እግሪ ታንዛኒያ ስታዲየም ኬ ኤም ሲ ልምምድ ገይራ፡፡ ሎሚ መዓልቲ ድማ ኣብ…

ኪሊያን ምባፔ ብጉድኣት ካብ ሃገራዊት ጋንታ ፈረንሳይ ወፃእ ኮይኑ

ኣዲስ ኣበባ፣ 24 መስከረም፣ 2017 (ኤፍ ቢ ሲ)ፈረንሳይ ኣብ ወርሒ ጥቅምቲ ምስ እስራኤልን ቤልጂየምን ኣብ ትገብሮም ፀወታታት ሃገራት ኣውሮፓ ንኪሊያን ኤምባፔ ኣብ ስብስባ ኣየካተተቶን፡፡ ኣሰልጣኒ ሃገራዊት ጋንታ ፈረንሳይ ዲዲየር ዴሾ እታ ጋንታ ኣብዚ ወርሒ ንዝህልዉ ክልተ ፀወታታት ዝካተቱ ዝርዝር ተፃወትቲ ዕላዊ ገይሮም። ኣብቲ ዝርዝር ኪሊያን ኤምባፔ ብጉድኣት…

ፌዴሬሽን ኣትሌቲክስ ኢትዮጵያ ንክልል ትግራይ ዓመታዊ ደገፍ ዕጥቂ ስፖርት ገይሩ

ኣዲስ ኣበባ፣ 24 መስከረም፣ 2017 (ኤፍ ቢ ሲ)ፌዴሬሽን ኣትሌቲክስ ኢትዮጵያ ንፌዴሬሸን ኣትሌቲክስ  ክልል ትግራይ ዓመታዊ ደገፍ ዕጥቂ ስፖርት ኣበርኪቱ። ኣባል ኮሚቴ ፈፃሚ ስራሕ ፌዴሬሽን ኣትሌቲክስ ኢትዮጵያ ተስፋይ አስገዶም(ዶክተር)ን በዓል ሞያ እቲ ፌዴሬሽን ኣይተ ተስፋዬ ይፍሩን ብሓባር ብምዃን ኣብ ከተማ መቐለ እቲ ዕጥቂ ኣረኪቦም። ሓላፊ ቤት ፅሕፈት…

ኣትሌት ትእግስት ኣሰፋ ኣብ ውድድር ማራቶን ዘመዝገበቶ ሰዓት ኣብ ጊነስ ወርልድ ተመዝጊቡ

ኣዲስ ኣበባ፣ 23 መስከረም፣ 2017 (ኤፍ ቢ ሲ)ኣትሌት ትእግስት ኣሰፋ ኣብ ውድድር ማራቶን ዘመዝገበቶ ሰዓት ኣብ ጊነስ ወርልድ ተመዝጊቡ። እታ ኣትሌት ኣብ በርሊን ውድድር ጒያ ማራቶን ደቂ ኣኒስቲዮ፥  2 ሰዓትን 11 ደቒቓን 53 ሰከንድን ብምእታው ሓዱሽ ከብረ ወሰን ምምዝጋባ ይዝከር። ብመሰረት እዚ ኣብ ጊነስ ወርልድ ሪከርድ ምምዝጋባ ዝገለፅ ሰርተፊኬ ምቕባላ ኣብ…

ትሕቲ 20 ዓመት ሃገራዊት ጋንታ ኢትዮጵያ ንጅቡቲ መዘናኣ 5 ን 0 ብምስዓር ተዓዊታ

ኣዲስ ኣበባ፣ 22 መስከረም፣ 2017 (ኤፍ ቢ ሲ)ትሕቲ 20 ዓመት ደቂ ተባዕትዮ ሃገራዊት ጋንታ ኢትዮጵያ ምስ ሃገራዊት ጋንታ ጅቡቲ ኣብ ዘካየደቶ መለክዒ ቁመና ፀወታ 5 ን 0 ብምስዓር ተዓዊታ። ትሕቲ 20 ዓመት ሃገራዊት ጋንታ ኢትዮጵያ ሎሚ መዓልቲ ካልኣይ መለክዒ ቁመና ፀወታ ኣብ ኣዲስ ኣበባ ስታዲየም ኣበበ ቢቂላ ምስ ጅቡቲ መዘናኣ ኣካይዳ፡፡ ኣብቲ ፀወታ፤…

ኣንቶዋን ግሬዝማን ንባዕሉ ካብ ዓለም ለኸ ፀወታታት ኣግሊሉ

ኣዲስ ኣበባ፣ 30 መስከረም፣ 2017 (ኤፍ ቢ ሲ)ፈረንሳዊ ተፃዋቲ ኣንቶዋን ግሬዝማን ንባዕሉ ካብ ዓለም ለኸ ፀወታታት ከምዘግለለ ዕላዊ ገይሩ። እቲ ተፃዋቲ ካብ ሃገራዊት ጋንትኡ ከምዘግለለ ብምግላፅ ኣብ ዝተረፈ ህይወት ኩዕሾ እግሪ ፀወትኡ ምስ ጋንትኡ ኣትሌቲኮ ማድሪድ ትኹረት ከምዝገብር ኣፍሊጡ። ከም ኣቆፃፅራ ኣውሮፓውያን ካብ 2014 ጀሚሩ ነሃገሩ ፈረንሳይ ምፅዋት…