Fana: At a Speed of Life!

ስፓርት

ኣብ ፕሪሚየር ሊግ ኢትዮጵያ ሃድያ ሆሳእና ንመቐለ 70 እንደርታ ብምስዓር ተዓዊታ

ኣዲስ ኣበባ፣ 10 መስከረም፣ 2017 (ኤፍ ቢ ሲ)መርሃ ግብሪ ፕሪሚየር ሊግ 2017 ኢትዮጵያ ሎሚ መዓልቲ ኣብ ስታዲየም ድሬዳዋ ተጀሚሩ፡፡ ቀትሪ ሰዓት 10 ኣብ ዝተኻየደ መኽፈቲ ፀወታ÷ ጋንታ ሃድያ ሆሳእና ንጋንታ መቐለ 70 እንደርታ 1 ን 0 ብዝኾነ ውፅኢት ብምስዓር ዓወት ኣመዝጊባ፡፡ ሃድያ ሆሳእና  ዝተዓወተትላ ብሕታዊት ሸቶ ሄኖክ ኣርፍጮ ብፍፁም ቅላዕ ኣመዝጊቡዋ፡፡ መርሃ ግብሪ እቲ ሊግ እንትቕፅል ምሸት ሰዓት 1 ጋንታ ኣርባ ምንጭ ከተማ ምስ ጋንታ ድሬዳዋ ከተማ ክራኸባ ኢየን፡፡
Read More...

መቐለ 70 እንደርታን ሃዲያ ሆሳእናን ፈላማይ ፀወታ ፕሪሚየር ሊግ ኢትዮጵያ 2017 ክገብራ ኢየን

ኣዲስ ኣበባ፣ 10 መስከረም፣ 2017 (ኤፍ ቢ ሲ)መርሃግብሪ ዘበነ ውድድር 2017 ዓ.ም ፕሪሚየር ሊግ ኢትዮጵያ መቐለ 70 እንደርታን ሃዲያ ሆሳእናን ብዝገብረኦ ፀወታ ሎሚ መዓልቲ ኣብ ስታዲየም ድሬዳዋ ክጅመር ኢዩ። ብመሰረት እዚ ንኣርባዕተ ዓመታት ኣብቲ ሊግ ዘይነበረት ጋንታ መቐለ 70 እንደርታ ምስ ሃዲያ ሆሳእና ድሕሪ ቀትሪ ሰዓት 10 ኣብ ስታዲየም ድሬዳዋ ብዘካይደኦ…

ጋንታ ሮማ ንኣሰልጣኒ ዳንኤል ዲ ሮሲን ኣሰናቢታ

ኣዲስ ኣበባ፣ 8 መስከረም፣ 2017 (ኤፍ ቢ ሲ)ጣሊያናዊት ጋንታ ሮማ ንኣሰልጣኒ ዳንኤል ዲ ሮሲን ካበ ሓላፍነቱ ከምዘሰናበተቶ ኣፍሊጣ። እቲ ኣሰልጣኒ ካብ ሓላፍነቱ ዝተልዓለ ንጋንታ ሮማ ዕውትቲ ክገብራ ኣይከኣለን ብዝብል ኢዩ፡፡ ሮማ ካብ ዘካየደተን ኣርባዕተ ፀወታታት እተን ሰለስተ ፀወታታት ብማዕረ ውፅኢት ሓደ ስዕረት ምዝዛማ ዳኒኤል ዲ ሮሲ ንኽሰናበት ምኽንያት…

ካልኣይ መዓልቲ ፀወታታት ሻምፒየንስ ሊግ ኣውሮፓ ሎሚ መዓልቲ ክካየዱ ኢዮም

ኣዲስ ኣበባ፣ 8 መስከረም፣ 2017 (ኤፍ ቢ ሲ)ካልኣይ መዓልቲ ፀወታታት ሻምፒየንስ ሊግ ኣውሮፓ ሎሚ መዓልቲ እንትቕፅሉ ማንቼስተር ሲቲን ምስ ኢንተርሚላን ዝገብረኦ ፀወታ ትፅቢት ይግበረሉ፡፡ ምሸት ሰዓት 1፡45 ጣሊያናዊት ጋንታ ቦሎኛ ምስ ዩክሬናዊት ጋንታ ሻካታር ዶኔስክ ከምኡ እውን ጋንታ ቼክ ሪፐብሊክ ስፓርታ ፕራግ ምስ ኦስትሪያዊት ጋንታ ሬድቡል ሳልዝበርግ ክራኸባ…

ጋንታ ስፖርት መቻል ናብ ነባር ክብሩ ንምምላስ ይስራሕ ኣሎ ተባሂሉ

ኣዲስ ኣበባ፣ 7 መስከረም፣ 2017 (ኤፍ ቢ ሲ)ጋንታ ስፖርት መቻል ናብ ነባር ክብሩ ንምምላስ ይስራሕ ኣሎ ክብሉ ዋና ዳይሬክተር ህንፀት ስነ ልቦና ሰራዊት ምክልኻል ሜጄር ጄኔራል እንዳልካቸው ወልደኪዳን ገሊፆም። ታሪክ እቲ ጋንታ ብምፍታሽ ኣመራርሓ እቲ ቦርድ ብምውዳብን ኣንፈት ብምሃብን ናብ ስራሕ ንክእቶ ብምግባር ሰፊሕ ስራሕ ከምዝተሰርሐ ሓቢሮም። ከም ፖርቹጋላዊ…

ብምኽንያት በዓል መስቀል ኣብ ዝተኻየደ ውድድር ብሽክሌታ ፀብለልታ ንዘርኣዩ ተወዳደርቲ ሜዳሊያ ተበርኪቱሎም

ኣዲስ ኣበባ፣ 7 መስከረም፣ 2017 (ኤፍ ቢ ሲ)ብምኽንያት በዓል መስቀል ኣብ ከተማ ዓዲግራት ውድድር ብሽክሌታ ብክልቲኡ ፆታ ተኻይዱ። ኣብ ዝተኻየደ ውድድር ብሽክሌታ ፀብለልታ ብምርኣይ ካብ ቀዳማይ ክሳብ ሳልሳይ ደረጃ ብምሓዝ ውድድሮም ንዝዛዘሙ ተወዳደርቲ ሜዳሊያ ተበርኪቱሎም። ብመሰረት እዚ፦ ማውንቴይን ደቂ ተባዕትዮ 1ይ ናሆም መዝገቦ፦ ራይት ማይ ሜዳሊያ…

ብምኽንያት በዓል መስቀል ኣብ ከተማ ዓዲግራት ውድድር ብሽክሌታ ብክልቲኡ ፆታ ይካየድ ኣሎ

ኣዲስ ኣበባ፣ 7 መስከረም፣ 2017 (ኤፍ ቢ ሲ)ብምኽንያት በዓል መስቀል ኣብ ከተማ ዓዲግራት ውድድር ብሽክሌታ ብክልቲኡ ፆታ ይካየድ ኣሎ። እቲ ውድድር፥ ኮርሶ ደቂ ኣንስትዮን ማውቴን ደቂ ተባዕትዮን ከምዝኾነ ኣብ ቤት ፅሕፈት ኮሚኒኬሽን እታ ከተማ ዝረኸብናዮ ሓበሬታ የረድእ።