Fana: At a Speed of Life!

ሼኽ ሓጂ ኢብራሂም ቱፋ ድምፂ ሂቦም

ኣዲስ ኣበባ፣ 24 ግንቦት፣ 2018 (ኤፍ ኤም ሲ)ፕሬዚዳንት ላዕለዋይ ቤት ምኽሪ ጉዳያት እስልምና ኢትዮጵያ  ሼኽ ሓጂ ኢብራሂም ቱፋ ኣብ 7ይ ሓፈሻዊ መረፃ ድምፂ ሂቦም፡፡

ሼኽ ሓጂ ኢብራሂም ቱፋ ሕገ መንግስታዊን ዴሞክራሲያዊን መሰሎም ተጠቒሞም ንዝደልዩዎ ፓርቲ ድምፂ ከምዝሃቡ ገሊፆም።

ኣብ ከይዲ መረፃ ድምፂ ብመሃብ መፃኢ ዕድል ሃገር ንምውሳንን ዴሞክራሲያዊ ስርዓት ንምህናፅን ዘኽእል መሰረታዊ መሰል ከምዝኾነ ኣዘኻኺሮም።

መሰሎም ብምጥቃም ንሃገር ይጠቅም ዝበሉዎ ሕፁይ ብናፅነት ከምዝመረፁ ገሊፆም፤ ሃገርና ትደልዮ ብሰላማዊ መገዲ ዝተመረፀ መራሒ ኢዩ እውን ኢሎም።

#ኢትዮጵያ #ኢትዮጵያትመርፅኣላ #ብመረፃጥራሕ #ፋናዲጂታል #Election #fanadigital #Ethiopia #Ethiopiavotes #Democracy #fanatelevision

You might also like

Leave A Reply

Your email address will not be published.