ቀዳማይ ሚኒስትር ኣቢይ ኣሕመድ (ዶ/ር) ንበዓል ዒድ ኣልኣድሓ (ዓረፋ) ናይ እንዃዕ ኣብፀሐኩም መልእኽቲ ኣመሓላሊፎም
አዲስ አበባ፣ ግንቦት 18፣ 2018 (ኤፍ ኤም ሲ) ቀዳማይ ሚኒስትር ኣቢይ ኣሕመድ (ዶ/ር) ንመበል 1447 ንበዓል ዒድ ኣልኣድሓ (ዓረፋ) ናይ እንዃዕ ኣብፀሐኩም መልእኽቲ ኣመሓላሊፎም፡፡
እቶም ቀዳማይ ሚኒስትር ዘመሓላለፍዎ መልእኽቲ ሙሉእ ትሕዝቶ ከምዝስዕብ ክቀርብ:-
እንዃዕ ንመበል 1447 ዒድ ኣልኣድሓ ብሰላም ኣብፀሐኩም፣ ኣብፀሐና!
ብዛዕባ ዒድ ኣልኣድሓ “ዓረፋ” በዓል እንትንሓስብ ሰለስተ ነገራት ኣቀዲሞም ናብ ኣእምሮና ይመፁ። መስዋእቲ፣ ተኣዛዝነትን ምትሕግጋዝን እዩ። ኣቦ ንወዱ ንመስዋእቲ ዘቕርበሉ በዓል እዩ፤ ወዲ ትእዛዝ ኣቡኡ ይፍፅመሉ፤ ከምኡ እውን ህዝበ ሙስሊም ፀጋ ንዓለም ዝተገለፅሉ በዓል ስለዝኾነ “ዐረፋ” ኣብ ህዝበ ሙስሊም ልዑል ትርጉም ኣለዎ።
እስማዒል ንነብዩ ኢብራሂም ፈላማይን ተፈታዊን ወዶም እዩ ነይሩ። ኣላህ (ሱ.ወ) ነዚ ፍቑርን በዅሪን መስዋእቲ ክገብሩ ምስ ሓተቶም ተኣዚዞም እምበር ንድሕሪት ኣይከዱን። ንኽእዘዙ ዝገበርዎ ፃዕሪ ቀሊል ኣይነበረን።
ቈልዓ ዝኣመሰለ መስዋእቲ ምግባር ዝቐለለ ብኸመይ ክኸውን ይኽእል፤ ናይ ኣቦነት ስምዒት ይደክም። ሕሹኽታ ሰይጣን ይፈታተን። ነቐፌታ ኣዝማድን ርእይቶ ጎረባብትን እውን ክትፃወሮ ኣፀጋሚ እዩ።
ነቢዩ ኢብራሂም ኣብዚ ኩሉ ቅልውላው ሓደ ሓቂ ተጋሂዱሎም። ካብ ውልቃዊ ስምዒታት፣ ሰብኣዊ ሕሜታን ድሌት ፈተውቶምን ዘስእን ዓብዩ ዕላማ ከምዘለዎም ኣሚኖም። ስለዚ ኣብ ቅድሚ ፈተና ፀኒዖም ደው ኢሎም፤ ቆራፅነቶም ብተግባር ኣርእዮም።