Fana: At a Speed of Life!

ቃለ ማሕላ ፈፂሞም እውን ነዚ ምስኪን ህዝቢ ዝታልሉ ኣለዉ” – ጠቅላይ ሚኒስትር ዶ/ር ዐቢይ ኣሕመድ

ኣዲስ ኣበባ፣ 30 ሰነ፣ 2018 (ኤፍ.ኤም.ሲ)ቀዳማይ ሚኒስትር ኣቢይ ኣሕመድ (ዶ/ር) ሓደራ መንግስቲን ህዝቢን ኢሎም ቃለ ማሕላ ፈፂሞም እውን ነዚ ምስኪን ህዝቢ ዝታልሉ ሰባት ኣለዉ ኢሎም።

እቶም ቀዳማይ ሚኒስትር፣ ኣብ 5ይ ዓመት ዘበን ስራሕ መበል 30 ስሩዕ ኣኼባ ባይቶ ወከልቲ ህዝቢ ብምርካብ ካብ ኣባላት እቲ ባይቶ ንዝቐረቡ ሕቶታት መልስን መብርህን ሂቦም።

ኣብ መብርሂኦም፣ ስርቂ ኣዝዩ ሕማቕን ፀያፍን ተግባር እዩ ክብሉ ገሊፆም።

ብዛዕባ ስርቂ ብዙሕ ከም ዝበሃል ብምፅራሕ ሰባት ሕጋዊ ተሓታትነት ንምውሳድ ዘኽእል እኹል መርትዖ ኣብ ምቕራብ ጉድለት ከም ዘሎ ኣመልኪቶም።

ብሓፈሻ ሱቕ ኢሉ “ፓርላማ 50 ብር ኣጉዲሉ” ኢልካ ብቓል ጥራሕ ምዝራብ ኣይኣክልን፤ ብጭቡጥ መርትዖ ክምርመር ዝኽእል ጉዳይ ክቐርብ ኣለዎ ኢሎም።

ብግምትን ሓሶትን ዝውሰን እንተኾይኑ፣ እቲ ዝሰርሕን እቲ ዝሰርቕን ብሓባር ክጠፍኡ ከም ዝኽእሉ ገሊፆም።

“ዝጭበጥ መረዳእታ እንተሃልዩኩም ልኣኹልና፤ ስጉምቲ እንተዘይወሲድና ድማ ሽዑ ንሕና ተሓተትቲ ክንከውን ኢና” ክብሉ ኣገንዚቦም።

ኣብ መወዳእታ፣ ስርቂ ሕማቕ ምዃኑ ብምእማን ቅድሚ ኩሉ ሰብ ንርእሱ ክቃለስ ኣለዎ፤ ካብኡ ሓሊፉ ድማ ብሕጊ ተሓታትነት ንምውሳድ ዘኽእል መርትዖ ምሓዝ ኣገዳሲ እዩ ኢሎም።

ብኣቤል ነዋይ

You might also like

Leave A Reply

Your email address will not be published.