Fana: At a Speed of Life!

ተረባሕነት በሪ ባሕሪ ንዕብየት ኢኮኖሚ …

ኣዲስ ኣበባ፣ 29 ሰኔ፣ 2018 (ኤፍ ኤም ሲ) ብዘበናዊ ዓለም ናይ ሓንቲ ሃገር ኢኮኖሚያዊ ሓይላ ካብ ዝውሰነሉ ዋና ምኽንያታት በሪ ባሕሪ ምውናን ኣገዳሲ እዩ።
ኣብ ዓለም ለኸ ስርዓት ንግዲ ካብ ዝጓዓዙ መብዛሕቲኦም ናውቲታት መልዐሊኦምን መብፂሖምን ብባሕሪ የጉዓዕዙ። ስለዚ ናብ ባሕሪ ዘብፅሕ በሪ ምህላው ንሓንቲ ሃገር ኢኮኖሚያዊ ዕብየት፣ ንግዲ ንምስፋሕን ተወዳዳርነት ንምጥንካርን ብዙሕ ረብሓ ኣለዎ።
በሪ ባሕሪ ዘለዎ ሃገር ምስ ዕዳጋ ዓለም ብቐጥታ ትራኸብ፤ ፍርያታታ ብቐሊሉ ናብ ወፃኢ ትልእኽ፣ ዘድልያ ኣቕሑ ድማ ብዝተሓተ ወፃኢ ትእቱ። እዚ ድማ ምትእስሳር ንግዲ ወፃኢ ካብ ምዕባይ ብዝሓለፈ ሸርፊ ወፃኢ የዐቢ።
ብትራንስፖርት ባሕሪ ዝንቀሳቀሱ ብዙሕ መጠን ዘለዎም ኣቁሑታት ብቐጥታ ኣብ ብናይ ባዕላ ወደብ ብምትእንጋድ ናይ ትራንዚት ወፃኢ ይቕንስ ኢኮኖሚ ሃገር የጠናኸር።
ንወፃኢ ንግዲ ግዘ ጉዕዞ ንምሕፃር ብፋላይ ከም ኣትክልቲ፣ ፍረታት፣ ዕምባባታትን ካልኦት ቀልጢፎም ዝበላሹ ፍርያታት ፅርየቶም ዘዕቢ ንዕዳጋ ዓለም ንክበፅሑ ይሕግዝ።
ካልእ ረብሓ በሪ ባሕሪ ድማ ወፃኢ ኢንቨስትመንት ምስሓብ እዩ። መጓዓዝያ ዝቐለለለን ሃገራት ንሰብ ሃብቲ ዝበለፀ መስሕብ ዝበለፀ ድልየት ይህልዎም። እዚ ድማ ሓደሽቲ ናይ ስራሕ ዕድላት ይፈጥር፣ ናብራ ዜጋታትን ሃገርን የማሓይሽ።
ብኣንፃሩ በሪ ባሕሪ ዘይብለን ሃገራት ንግደን ብጎረባብቲ ሃገራት ስለዝምርኮሳ፤ እዚ ድማ ወፃኢ መጓዓዝያ ወፃኢየዕብይ፣ ከይዲ ንግዲ የደንጉይ፣ ከምኡ’ውን ብፖለቲካዊ ኩነታት ምኽንያት ኣብ ድሌት ናይተን ባለወደብ ሃገራት ፅግዕተኝነት ክኾና ይኽእላ።
ኢትዮጵያ ኣብ ታሪኻ ንነዊሕ ግዜ ምስ ቀይሕ ባሕሪ ዝተኣሳሰረት ሃገር እያ። ብድሕሪ ናይ ፖለቲካ ውሳኔ ወደባ ስለዝሰኣነት ሕዚ ግን ንወፃኢን ኣታዊን ንግዳ ብወደባት ጎረባብቲ ሃገራት ትጥቀም። እዚ ድማ ዓመታዊ ቢልዮናት ዶላር ንኽፍሊት ወደብ ክትከፍል የግድዳ።
ኢትዮጵያ ልዕሊ 130 ሚሊየን ህዝቢ ኣለዋ፤ ብዙሕ ሓይሊ ሰብ መንእሰይ ዝርከበላ ሃገር እያ፤ ይኹን እምበር ወደብ ስለዘይብላ ኢኮኖሚኣ ብምሉእ ዓቕማ ክዓቢ ኣይከኣለን።
ኢትዮጵያ በዓልቲ ዋና በሪ ባሕሪ ከይኮነት እተምዝግቦ ዘላ ዕብየት ኢኮኖሚያዊ ወደብ ባሕሪ እንተዝህዋ ክንደይ ዝኣክል ዕብየት ይመፅእ ዝብል ናይ ብዙሓት ህልኽ ህልውናን ኮይኑ ፀኒሑ።
ኢትዮጵያውያን ሕቶ በሪ ባሕሪ ብሰላማዊ መገዲ ብዲፕሎማሲን ብሓባር ምዕባይን ክፍታሕ ይደልዩ።
ቀዳማይ ሚኒስትር ኣቢይ ኣሕመድ (ዶ/ር) ኢትዮጵያ 130 ሚሊየን ህዝቢ ዘለዋ ሃገር ከም ምዃና ኣብ ቀይሕ ባሕሪ ተጠቃምነት ክትረክብ ግድ እዩ፤ “ማንም ይፈቶ ኣይፈቱ፣ ኢትዮጵያ ተዓፅያ ኣይትነብርን” ዝብል ቅዋም ኣለዎም።
ብሓፈሻ በሪ ባሕሪ ካብ ተፈጥሮኣዊ ሃብቲ ንላዕሊ ስትራቴጂያዊ ኢኮኖሚያዊ ክብሪ ኣለዎ። ንግዲ የበርትዕ፣ ኢንቨስትመንት ይስሕብ፣ ዕድላት ስራሕ የስፋሕ፣ ኢኮኖሚ ሃገር ድማ ብቐጥታ የበርትዕ።
ብመልካም ፈቃዱ
You might also like

Leave A Reply

Your email address will not be published.