Fana: At a Speed of Life!

ናውቲታት መረፃ ኣብ ኩሎም ክልላት መረፃ በፂሑ ኣሎ – ቦርድ መረፃ

ኣዲስ ኣበባ፣ 18 ግንቦት፣ 2018 (ኤፍ ኤም ሲ) ቦርድ መረፃ ኢትዮጵያ ናውቲታት መረፃ ኣብ ኩለን ክልላት መረፃ ኢትዮጵያ በፂሑ ኢሉ።
ኣካቢት ቦርድ መረፃ ሜላተወርቅ ሃይሉ 7ይ ሓፈሻዊ መረፃ ምድላዋትን ቀፃሊ ከይዲ ንመራኸብቲ ሓፋሽ መግለፂ ሂበን።
እቲ መረፃ ኣብ ዝካየደሉ ግንቦት 24 ካብ ኣገደስቲ ወሃብቲ ኣገልግሎት ወፃኢ ኩሎም ናይ ስራሕ ቦታታት ክዕፀዉ ምዃኖምን መረፅቲ ድምፆም ከስምዑ ከምዘለዎም ተዛሪበን፡፡
ሕትመት ካርዲታት መረፃ ድምፂ ተዛዚሙ ንምዕዳል ድሉው ምዃኑ ኣረዲኤን፡፡
ልዕሊ 10 ሺሕ ሕፁያት ተመዝጊቦም ከምዘለዉን ኣስታት 80 ዝኾኑ ሕፁያት ድማ ዝተቐመጠ ረቛሒታት ስለዘየማልኡ ካብ ውድድር ወፃኢ ከምዝኾኑ ተዛሪበን።
You might also like

Leave A Reply

Your email address will not be published.