ንክብሪ ማሕበረሰብ ገፀር ናብ ዝለዓለ ደረጃ ዘሰጋግር ኮሪደር ገፀር
ኣዲስ ኣበባ፣ 28 ሰነ፣ 2018 (ኤፍ ኤም ሲ)ኣብ ዝተፈላለዩ ከባቢታት ኢትዮጵያ እናተፋለጠን እናተተግበረን ዝርከብ ስራሕቲ ልምዓት ኮሪደር ገፀር ሓረስቶት ናይ ምምዕባል ከይዲ ኣስተዋፅኦ እናበርከተ ይርከብ፡፡
ኮሪደር ገፀር ናብራ ሓረስቶትን መፍረያይነትን ንምድንፋዕ ዝሕግዙ ዘበናዊ መናፅሂ ክፍሊታት፣ መሕደሪ እንስሳት፣ ናይ ኣትክልቲ ቦታ፣ ናይ ባዮ ጋዝን ንህቢን ቆፎታት ዝተማልኡሉ ብምዃኑ ንነበርቲ ኩለመዳይ ምዕባለ ዘረጋግፅኢ ኢዩ።
ልምዓት ኮሪደር ገፀር ቅድም ክብል ኣብ ዝጀመረሎም ከባቢታት ምርኣይ ከምዝተኽኣለ ሜላ ኣነባብራ ሓረስታይ ብጭቡጥ ቀይሩ ኢዩ።
ንፈለማ እዋን ኮሪደር ገፀር ዕላዊ ኣብ ዝተገበረሉ ኣብ ክልል ማእኸላዊ ኢትዮጵያ ዝርከቡ ዞባታ ሃዲያ፣ ስልጤ፣ ሃላባን ከንባታን ዝተመዝገበ ለውጢ ብኣብነት ምልዓል ይከኣል።
ልምዓት ኮሪደር ገፀር ቀንዲ ዕላማኡ ናብራ ሓረስቶት ንምዝማንን ንምምሕያሽን ተሓሲቡ እናተተገበረ ዝርከብ ኢዩ።
ኣብ ሞንጎ ሓረስቶት ናይ ምልማዕ፣ ናይ ምዕባይን ምምዕባልን ከይዲ ናይ ባዕሉ ኣስተዋፅኦ እናበርከተ ዝርከብ ልምዓት ኮሪደር ገፀር፤ ሓረስቶት ምስ እንሰሳት ሓቢሮም ካብ ዝነበሩሉ ሜላ ኣነባብራ ብምውፃእ ብዘበናዊ መገዲ ናይ ባዕሉን ናይ እንሰሳት መንበሪን ብምፍላይ ዝዘመነ ናብራ ምምራሕ ጀሚሩ ኣሎ።
ሓረስቶት ኣብዚ ሕዚ እዋን ብዝተፈላለዩ ኣማራፂታት ሓይሊ ኤሌክትሪክ ክረክብ ምጅማሩ ደቁ ትምህርቶም ብግቡእ ንኽከታተሉ ካብ ምኽኣል ሓሊፉ ለውጢ ኣጠቓቕማ ኢነርጂ ብምግባር ንህንፀት ሓምለዋይ ኢኮኖሚ ኣስተዋፅኦ እናገበረ ይርከብ።
ኣብ ገደናኡ ብዘፍርዮም ኣትክልቲታት ስርዓት ኣመጋገብኡ ተለዊጡ ኢዩ፤ ኣብ ምርባሕ እንስሳት እውን ዝሐሸ ዓሌት ዘለዎም ብምርባሕ መፍረያነቱ ወሲኹ ኢዩ።
ሜላ ኣነባብራ ህይወት መላእ ማሕበረሰብ ገፀር ብምልዋጥ ብኩሎም ዓውዲታት ናይ ምምዕባል ሸቶ ንምዕዋት ስራሕ ተጠናኺሩ ቀፂሉ ኣሎ፡፡
ኣብዚ ሰሙን ቀዳማይ ሚኒስትር ኣቢይ ኣሕመድ (ዶ/ር) ዝመረቑዎ ኣብ 79 ነጥቢ 4 ሄክታር መሬት ዝዓረፈ ኣካል ልምዓት ኮሪደር ገፀር ዝኾነ ዘበናዊ ሞዴል መንደር ሃማሳ ነዚ ምስክር ኢዩ።
እቶም ቀዳማይ ሚኒስትር ከምዝበሉዎ፤ ልምዓት ኮሪደር ገፀር ናብራን መፍረያይነትን ሓረስቶት ንምድንፋዕ ዝሕግዙ ዘበናዊ መሕፀቢ ክፍሊታት፣ መሕደሪ እንስሳት፣ ናይ ኣትክልት ቦታ፣ ቆፎታት ባዮ ጋዝን ንህቢን ዝተማልኡሉ ኢዩ።
እዚ ድማ ኩለመዳይ ምዕባለ ነበርቲ ዘረጋግፅ እንትኸውን፤ ማሕበረሰብ ገፀር ክብሪን፣ ምቾትን ኢኮኖሚያዊ ተረባሕነትን ናብ ዝለዓለ ደረጃ ዘሰጋግር ከምዝኾነ እናተርኣየ ይርከብ።