Fana: At a Speed of Life!

ኢትዮጵያን መዓልቲ ኣፍሪካን….

ኢትዮጵያ ሃገራት ኣፍሪካ ካብ ባዕዳዊ መግዛእቲ ናፃ ንኽወፅኣ፣ ንምስረታ ናይ ሕዚ ሕብረት ኣፍሪካን ነበር ትካል ሓድነት ኣፍሪካን ዘበርከተቶ ኣስተዋፅኦ ልዑል ዒዩ፡፡

ኣብ ሞንጎ ኣፍሪካውያን ኣሕዋትን ኣሓትነትን ንኽጉልብት ኢትዮጵያ ኣብ ሕገ መንግስታ ዓንቀፅ 86(5) ኣፍልጦ ሂባ ኢያ፡፡

እዚ ድማ እታ ሃገር ምስ ካልኦት ሃገራት ኣፍሪካ በቢእዋኑ እናዓበየ ዝኸይድ ኢኮኖሚያዊ ሕብረትን ሕውነት ህዝቢን ንምጉልባት ዘኽእል ኢዩ፡፡

ዓንቀፅ 86(5) መምርሒ ጉዳያት ወፃኢ ኢትዮጵያ የቐምጥ፡፡ ሃገርና ኣብ ሕገ መንግስታ ብዘቐመጠቶ መሰረት ምስ ሃገራት ኣፍሪካ ዘለዋ ምሕዝት ንምድንፋዕ፣ ንተግባራዊነት ኣጀንዳ ፓን ኣፍሪካኒዝምን ውህደት ኣፍሪካን ዘለዋ ቆራፅነት ኣርእዩ ኢዩ፡፡

ኣብ ሕገ መንግስታ ንሓድነት ሕብረት ኣፍሪካ ዝሃበቶ ትኹረት ዘጠናኽሩ ብዙሓት ተግባራት እውን ወጊና ኢያ፡፡ ካብዚ ብተወሳኺ 9 ሓምለ 2012 ዓ.ም ኣብ ስራሕ ዘውዐለቶ ኣዋጅ ቁፅሪ 1209/2012፣ ሰንደቕ ዕላማ ሕብረት ኣፍሪካ፣ መዝሙርን መዓልቲ ኣፍሪካን ብዝምልከት ዝድንግግ ኢዩ፡፡

እዚ ድማ ሃገርና ምስ ሃገራት ኣፍሪካ ዘለዋ ምሕዝነት ንምድንፋዕ፣ ንተግባራዊነት ኣጀንዳ ፓን አፍሪካኒዝምን ውህደት ኣፍሪካን ዘለዋ ቆራፅነት ክቕፅል ንምግባር ዝዓለመ ኢዩ፡፡

መዓልቲ ኣፍሪካ ካብ ኣርዑት ባዕዳዊ መግዛእቲ ምንጋፍ ዝኣበዮም ኣፍሪካውያን ኣብ ዘለዉሉ ናይ ተስፋ ዜና ዝሰምዑሉ፣ ናፅነት ኣየር ዝትንፍሱሉ ኣፍሪካውያን እውን ብሓድነት ንሓደ ዕላማ ክስለፉ ዝገበሩሉ ዕለት ኢዩ፡፡

ፈለማ እቲ ሓድነት ተስፋ ነይሩ፤ እቲ ተስፋ ድማ ቃልሲ ናፅነት እናስፈሐ ንኣፍሪካ ናፃ ኣውፀአ፡፡

ዲፕሎማሲያዊን ወታደራዊን ዓቕሚ ኣብ ምትሕብባርን ንኣፍሪካውያን ናብ ዓወት ኣብቂዑ፡፡

እዚ ናይ ታሪኽ ሓቂ ኢዩ መዓልቲ ኣፍሪካ ኣብ ኣፍሪካን ፀለምቲ ኣብ ዝነብሩሎምን ክፋላት ዓለም ብድምቀት ንኽኽበር ዝገበሮ፡፡

ደቡብ ኣፍሪካ ነዚ ወርሒ ናይ ኣፍሪካ ወርሒ ብዝብል ሰይማቶ ኣላ፡፡ ከም ዚምባቡዌ፣ ማሊ፣ ናሚቢያ፣ ጋምቢያ፣ ዛምቢያ፣ ሞሪታኒያ፣ ሌሶቶን ካልኦት ሃገራት ኣፍሪካን ዝበላ ድማ መዓልቲ ኣፍሪካ ከም ብሀራዊ በዓል ወሲደን የኽብረኦ፡፡

መዓልቲ ኣፍሪካ ከከምሃገራቱ ብዝተፈላለዩ መደባት ይኽበር፡፡

You might also like

Leave A Reply

Your email address will not be published.