Fana: At a Speed of Life!

ኣብ እዋን መረፃ ሰብ ሞያ መራኸብቲ ሓፋሽ ብሄራዊ ረብሓ ከቐድሙ ኣለዎም

ኣዲስ ኣበባ፣ 21 ግንቦት፣ 2018 (ኤፍ ኤም ሲ)ኣብ እዋን መረፃ ሰብ ሞያ መራኸብቲ ሓፋሽ ብሄራዊ ረብሓ ዘቐደመ ስራሕ ክሰርሑ ኣለዎም ኢሎም ምሁራን።

ኢትዮጵያውያን ንዝቕፅሉ 5 ዓመታት ዘመሓድሩዎም ንምምራፅ ዝተርፎም ሰለስተ መዓልቲታት ጥራሕ ኢዩ።

7ይ ሓፈሻዊ መረፃ ብዓወት ንኽዛዘም መራኸብቲ ሓፋሽ ዕዙዝ ግደ ኣለዎም።

መምህር ሚዲያን ኮሚኒኬሽንን ተንታኒ ፖለቲካል ሳይንስን ብሩክ ሃይሌ (ፕ/ር) ኣብ ዝሃቡዎ ርኢቶ፤ ጋዜጠኛታት ብሱል ነቐፌታን ሕቶታትን ናይ ምቅራብ መሰልን ሓላፍነትን ኣለዎም ኢሎም።

እዚ እንትገብሩ ካብ ዓውዲ እንተይወፅኡን ሰብኣዊ ክብሪ ወሃብቲ ሓበሬታ ብዝሓለወን መልክዑ ክኸውን ከምዝግባእ ኣተሓሳሲቦም።

ህዝቢ ሓበሬታ ናይ ምርካብ መሰል ከምዘለዎም ብምሕባር፤ ንህዝቢ ዝምጥን ሓበሬታ ተበፃሒ ክገብሩ ከምዝግባእ ኣገንዚቦም።

ኩሉ ወገን ተዓዋቲ ዝኾነሉ ምርድዳእን እምነትን ምፍጣር ከምዘድሊ ኣብሪሆም።

ሃገር ልዕሊ ኩሉ ክብ ምባል ልዑል ባህሊ ክኸውን ከምዘለዎ ብምግላፅ፤ ልዕሊ ኩሉ ነገር ሃገር ብምቕዳም ብሄራዊ ረብሓ ምሕላው ይግባእ ኢሎም።

ጋዜጠኛ ምስልያ ሃሽም ብግደኣ፤ ጋዜጠኛታት ሕብረተሰቡ ብዛዕባ መረፃ እኹል ግንዛበ ክህልዎ እጃሞም  እናተዋፅኡ ከምዝርከቡ ገሊፃ።

ሕብረተሰብ ክመርፅ መሰሉ ከምዝኾነ፣ ንዝደለዮ ኣካል ድምፂ ክህብ ከምዘለዎን ብዝመረፆ ክመሓደር ከምዘለዎን ዘርእዩ ፀብፃባት እናተሰርሑ ከምዝርከቡ ሓቢራ።

ጋዜጠኛ ልዕሊ ክእለት ሞያ ጥንኩር ቅዋም ፍቕሪ ሃገር ክህልዎ ይግባእ ዝበሉ ድማ ኣብ ዩኒቨርሲቲ ኣዲስ ኣበባ መምህር ሚዲያን ኮሙኒኬሽንን ተሻገር ሽፈራው (ዶ/ር) ኢዮም።

እንሰርሖ ኣብ ውሽጢ ሃገር ብዘሎ ኩነታት ስለዝኾነ ጋዜጠኛ ፍቕሪ ሃገር ክህልዎ ይግባእ ኢሎም።

ብዮናስ ጌትነት

You might also like

Leave A Reply

Your email address will not be published.