Fana: At a Speed of Life!

ኣብ እዋን ክራማት ዝህሉ ምቁርራፅ ኤሌክትሪክ ንምንካይ ጠመተ ተዋሂቡ ይስራሕ ኣሎ

ኣዲስ ኣበባ፣ 2 ሰነ፣ 2018 (ኤፍ ኤም ሲ)ኣብ እዋን ክራማት ዝህሉ ምቁርራፅ ኤሌክትሪክ ንምንካይ ጠመተ ተዋሂቡ ይስራሕ ኣሎ ኢሉ ኣገልግሎት ሓይሊ ኤሌክትሪክ ኢትዮጵያ።
ኣፈፃሚ ስራሕ መሰረተ ልምዓት እቲ ኣገልግሎት ገበየሁ ሊካሳ (ዶ/ር)፥ ንምቁርራፅ ሓይሊ መበገስቲ ዝኾኑ ፀገማት ብመፅናዕቲ ከምዝተፈለየ ተዛሪቦም።
ብተወሳኺ ዝኣረጉ መስመራት ናይ ምትካእ፣ ዓቕሚ ናይ ምዕባይን ኣብ ኣማራፅታት ቀንዲ ግሪድን ሓይሊ ፀሓይን ሓደሽቲ መሰረተ ልምዓታት ናይ ምህናፅን ስራሕቲ ብልዑል ወፃኢ ይካየድ ከምዘሎ ገሊፆም።
ምቁርራፅ ሓይሊ ንምንካይ ዓሊሞም ክሳብ ሐዚ ብመሰረት ዝተሰርሑ ስራሕቲ ኣብ ኣዲስ ኣበባ 1 ሺሕን 750 ኪሎ ሜትሮ ከምኡ ‘ውን ብብርኪ ሃገር 62 ሺሕን 274 ኪሎ ሜትሮ ዝሽፍን ተፍቲሽ ማእኸላይ መስመር ከምዝተገበረ ተዛሪቦም።
መሰረተ ልምዓት ኣብ ምስፍፋሕን ምዕባይ ዓቕሚን ኣብ ዝሓለፉ ትሽዓተ ኣዋርሕ 3 ሺሕን 99 ኪ.ሜ ናይ ማእኸላይን ታሕተዋይን መስመር መሊስካ ፅገና ከምዝተሳለጠ ገሊፆም።
ብሰንኪ ልዑል ፅዕንቶ ምኽኒያት ዝቋረፁ መስመራት ንምቕናስ ዓሊሙ ኣብ ፕሮጀክትታት ሃረር፣ ወላይታ፣ ሻሸመኔ፣ ደብረ ማርቆስ፣ ጎንደርን ኮምቦልን ሙሉእ ብሙሉእ ተዛዚሙ ኣገልግሎት ምሃብ ከምዝጀመረ ኣብሪሆም።
ናይ 10 ከተማታት ኔትወርክ ዲስትሪቢዩሽን መሊስካ ንምህናፅ ዝካየዱ ፕሮጀክትታት ኣብ ከይዲ ህንፀት ከምዝርከብ ገሊፆም።
ስለዝኾነ ኣብ እዋን ክራማት ዝህሉ ምቁርራፅ ኤሌክትሪክ ንምንካይ ጠመተ ተዋሂቡ ኩለ መዳይ ስራሕቲ ይስራሕ ኣሎ ክብሉ ሓቢሮም።
You might also like

Leave A Reply

Your email address will not be published.