ኣብ ከተማ ጎንደር ንዕዉትነት መረፃ ዝተገበረ እኹል ምድላው …
ኣዲስ ኣበባ፣ 23 ግንቦት፣ 2018 (ኤፍ ኤም ሲ)ፅባሕ ዝካየድ 7ይ ሓፈሻዊ መረፃ ብዓወት ንኽዛዘም ኣድላዪ ምድላው ተገይሩ ኢሉ መምርሒ ሰላምን ፀፅታን ምምሕዳር ከተማ ጎንደር።
ሓላፊ እቲ መምርሒ ኣለልኝ ኣለም ንፋና ሚዲያ ኮርፖሬሽን ከምዝገለፁዎ፤ ንዕዉትነት እቲ መረፃ ስራሕቲ ፀፅታ ኣብ ዕለት መረፃን ድሕሪ መረፃን ዝውገኑ ተግባራት ተፈልዮም ኣድላዪ ምድላው ተገይሩ።
ብመሰረት እዚ ሕድሕድ ውዳበ ፀፅታ ምስ ሕብረተሰብ ብምትእስሳር ብሕብረትን ምውዳብን እናሰርሐ ከምዝርከብ ገሊፆም።
ማሕበረሰብ “ሰላመይ ናተይ ኢዩ” ብዝብል ፅኑዕ ሓሳብ ምስ ኣካላት ፀፅታ እናተሰርሐ ከምዝኾነ ብምሕባር፤ እዚ ዝበረታታዕ ተግባር ገበን ኣቐዲሙ ናይ ምክልኻል ምትሕብባር ብዝበለፀ ተጠናኺሩ ንኽቕፅል ፃውዒት ኣቕሪቦም።
ብግዛቸው ግርማዬ