ኣብ ከተማ ፍኖተ ሰላም ዝርገሐ ናውቲ መረፃ ይካየድ ኣሎ
ኣዲስ ኣበባ፣ 21 ግንቦት፣ 2018 (ኤፍ ኤም ሲ)ኣብ ክልል ኣምሓራ ዞባ ምዕራብ ጎጃም ከተማ ፍኖተ ሰላም ናውቲ መረፃ ናብ ጣቢያታት መረፃ ይከፋፈል ኣሎ፡፡
መተሓባበሪ እቲ ክልል መረፃ መለሰ ጌታነህ ከምዝገለፁዎ÷ ኣብ ክልል መረፃ ፍኖተ ሰላም 89 ጣቢያታት መረፃ ኣለዉ፡፡
24 ግንቦት 2018 ዓ.ም ንዝካየድ ሓፈሻዊ መረፃ መረፅቲ ድምፂ ንመሃብ ኣድለይቲ ናውቲ ኣብ ምክፍፋል ከምዝርከቡ ገሊፆም፡፡
ኣፈፀምቲ መረፃ ብሙሉእ ድሉውነት ነቶም ናውቲ እናተረከቡ ከምዝርከቡ ብምሕባር፤ ሎሚ መዓልቲ ዝጀመረ ዝርገሐ ናውቲ መረፃ ፅባሕ እውን ተጠናኺሩ ከምዝቕፅል ምሕባሮም ሓበሬታ ኮሙኒኬሽን እታ ከተማ ኣመልኪቱ፡፡