ኣብ ክልል መረፃ ደሴ ናይ መወዳእታ ምዕራፍ ምድላው …
ኣዲስ ኣበባ፣ 23 ግንቦት፣ 2018 (ኤፍ ኤም ሲ)ኣብ ትሕቲ ክልል መረፃ ደሴ ኩሎም ጣቢያታት መረፃ ን7ይ ሓፈሻዊ መረፃ ዝግበር ናይ መወዳእታ ምዕራፍ ምድላው ብልዑል ተበግሶን ጥንቃቐን እናተወገነ ይርከብ።
ኣብ ትሕቲ እቲ ክልል መረፃ ንዝርከቡ ኩሎም ጣቢያታት መረፃ መውሀቢ ድምፂ ኮሮጆታት፣ መውሀቢ ድምፂ ወረቐታትን ካልኦት ኣድለይቲ ናውቲን ናይ ምክፍፋል ተግባር ብፍሉይ ትኹረት እናተወገነ ይርከብ።
ከይድ ዝርገሐ እቶም ናውቲ እቲ መረፃ ናፃ፣ ፍትሓዊ፣ ሰላማዊን ተኣማናይነት ዘለዎን ኮይኑ ምውጋኑ ዘረጋግፅ እንትኸውን፤ መራፃይ ዜግነታዊ መሰሉ ንኽዋፃእ ተሓሲቡ ዝተዘርገሐ ዓወት ሎጂስቲክስ ዘርኢ ኢዩ።
#ኢትዮጵያ #ኢትዮጵያክትመርፅኢያ #ብመረፃጥራሕ #ፋናዲጂታል
#Election #fanadigital #Ethiopia #Ethiopiavotes #Democracy #fanatelevision