Fana: At a Speed of Life!

ኣብ ዓለም ለኸ መድረኻት ጉዳይ በሪ ባሕሪ ልዑል መዘራረቢ እናኾነ መፂኡ ኢዩ – ጌዲዮን ጢሞቲዎስ (ዶ/ር)

ኣዲስ ኣበባ፣ 14 ሚያዚያ፣ 2018 (ኤፍ ኤም ሲ)ኣብ ዓለም ለኸ መድረኻትን ክልተኣዊ ርክባትን ቀንዲ ስትራቴጂካዊ ኣጀንዳ ኢትዮጵያ ዝኾነ ጉዳይ ሕቶ በሪ ባሕሪ ልዑል መዘራረቢ እናኾነ መፂኡ ኢዩ ኢሎም ሚኒስትር ጉዳያት ወፃኢ ጌዲዮን ጢሞቲዎስ (ዶ/ር)።

ሳልሳይ 100 መዓልቲታት በጀት ዓመት 2018 ገምጋም ኣፈፃፅማ ትሽዓተ ኣዋርሕን ቀዳማይ ሚኒስትር ኣቢይ ኣሕመድ (ዶ/ር) ኣብ ዝተረኸቡሉ ተኻይዱ።

እቲ መድረኽ ብምምልካት ጌዲዮን ጢሞቲዎስ (ዶ/ር) ኣብ ዝሃቡዎ መብርሂ÷ ናይ ለውጢ መንግስቲ ስራሕ ካብ ዝጅምር ንደሓር ኣብ ዘሎ ምንቅስቓስ ዝተረኸቡ ዲፕሎማሲያዊ ውፅኢታት ኣብቲ መድረኽ ብሓፈሻከምዝተርኣዩ ተዛሪቦም።

በዚ ድማ ኣብ ዓለም ለኸ መድረኻትን ክልተኣዊ ርክባትን ቀንዲ ስትራቴጂካዊ ኣጀንዳ ኢትዮጵያ ዝኾነ ጉዳይ ሕቶ በሪ ባሕሪ ልዑል መዘራረቢ እናኾነ መፂኡ ኢዩ ኢሎም።

እቲ ኣጀንዳ ዝተፈላለዩ ኣካላት እናፈለጡዎን እናተገንዘቡዎን ብሓባር መፍትሒ ክንእልሽ ኣለና ናብ ዝብል ሓሳብ እናመፅኡ ምዃኑ ሓደ ዓብዪ ዓወት ኢዩ ኢሎም።

ዓብዪ ግድብ ህዳሰ ኢትዮጵያ ዕዉት ብዝኾነ መገዲ ህንፀቱን ምልኢት ማይን ተዛዚሙ ሙሉእ ብሙሉእ ናብ ስራሕ ምእታዉን እዚ ከይኸውን ንምግባር ዝነበሩ ዝተፈላለዩ ፅዕንቶታት ዲፕሎማሲ ምፅዋር ካሊእ ዲፕሎማሲያዊ ዓወት ከምዝኾነ ኣመልኪቶም።

ካብዚ ብተወሳኺ ኢትዮጵያ ሙሉእ ኣባል ሃገር ብሪክስ ፕላስ ኮይና ምምራፃን ተሳትፎ ምዕባይ ምጅማራን ኣብ ዝሓለፉ ዓመታት ዝተረኸበ ልዑል ዓወት ዲፕሎማሲ ከምዝኾነ ገሊፆም።

ካብዚ ብተወሳኺ ኢትዮጵያ ብሓፈሻ ንኢንቨስትመንት፣ ንኢኮኖሚ ምሕዝነትን ምትሕብባርን ተደላዪት ሃገር እናኾነት ምምፃኣ ብዙሓት ናይ ቀረባን ርሑቕን ሃገራት ንኢትዮጵያ ንምትሕብባር እናደለዩ ዘለወን ርክብ ንምጥንኻር ፃዕሪ ዝገብሩሉ ምሕዝነት ኣድማስ እናስፈሐ ከምዝኾነ ኣብሪሆም።

ብኣድማሱ ኣራጋው

You might also like

Leave A Reply

Your email address will not be published.