እንሃንፆ መዕርፎ ነፈርቲ ህዝብና ብዝበለፀ ዘቀራርብ ኢዩ – ቀዳማይ ሚኒስትር ኣቢይ (ዶ/ር)
ኣዲስ ኣበባ፣ 19 ግንቦት፣ 2018 (ኤፍ ኤም ሲ)ቀዳማይ ሚኒስትር ኣቢይ ኣሕመድ(ዶ/ር) እንሃንፆም ሕድሕድ ሓደሽቲ መዕርፎ ነፈርቲ ኢኮኖሚያዊ ዓቕሚ ክልላት የነቓቕሕ ከምኡ እውን ህዝብና ብዝበለፀ ዘቀራርብ ኢዩ ኢሎም።
እቶም ቀዳማይ ሚኒስትር ኣብ ማሕበራዊ ሚዲያ ገፆም ኣብ ዘመሓላለፉዎ መልእኽቲ÷ መበል 24 መብፅሒ ውሽጢ ሃገር መገዲ ኣየር ኢትዮጵያ ዝኾነን ሓዱሽ መዕርፎ ነፈርቲ ነገሌ ቦረና ገዳ ብዕሊ መሪቕና ኢሎም።
እቲ መዕርፎ ነፈርቲ ከም ቦይንግ 737 ማክስ ዝበላ ዘበናዊ ኣውሮፕላናት ከተኣናግድ ዝኽእል ዓቕሚ ከምዘለዎ ገሊፆም።
ቱሪዝም እቲ ከባቢ ከምኡ እውን ዶብ ዘለል ልውውጥ ንግዲን ንምዕባይ ራኢ ተሓንጊጡ ኣብ ሰሙን ሰለስተ በረራታት ከምዘተኣናግድ እውን ሓቢሮም።
እንሃንፆ ሕድሕድ ሓዱሽ መዕርፎ ነፈርቲ ርሕቐት ብምፅባብ ምትእስሳር ይፈጥር፣ ኢኮኖሚያዊ ዓቕሚ ክልላት የነቓቕሕ፣ ከምኡ እውን ህዝብና ብዝበለፀ የቀራርብ ክብሉ ሓቢሮም።
ኩርዓት ኣፍሪካ ዝኾነን መበል 80 ዓመቱ ዝሓዘን መገዲ ኣየር ኢትዮጵያ ብርግፅ ሓዱሽ መንፈስ ኣፍሪካ ኢዩ ክብሉ ኣብ መልእኽቶም ገሊፆም።