ዘበናዊ ተርሚናላት ትራንስፖርት ኣብ ኣዲስ ኣበባ
ኣዲስ ኣበባ፣ 18 ግንቦት፣ 2018 (ኤፍ ኤም ሲ)ኣብ ከተማ ኣዲስ ኣበባ ብክልተ ዙር ካብ ዝተሰርሑ ስራሕቲ ልምዓት ኮሪደር ተተሓሒዙ ደረጃኦም ዝሓለዉ ተርሚናላት ትራንስፖርት ተሃኒፆም ኣገልግሎት እናሃቡ ይርከቡ።
ሓላፊ ርክብ ህዝቢ በዓል መዚ መገዲታት እቲ ምምሕዳር ከተማ እያሱ ሰሎሞን ምስ ፋና ፖድካስት ኣብ ዝገበሩዎ ፃንሒት ከምዝበሉዎ፥ እቶም ተርሚናላት ቅድም ክብል ዝነበረ ምጭንናቕ መገዲን ሓደጋን ዝንክዩ ኢዮም።
ኣብታ ከተማ ብሓፈሻ ልዕሊ 6 ሺሕ ተሽከርከርቲ ከተኣናግዱ ዝኽእሉ 45 ተርሚናላት ተሃኒፆም ኣገልግሎት እናሃቡ ከምዝርከቡ ኣብሪሆም።
እቶም ተርሚናላት እኹል ብዝኾነ መቖሚ ተሽከርከርቲ ሓዊሱ መዕረፊ ተሳፈርቲ፣ መናፅሂ ገዛውቲ፣ ካፌታትን ቢሮታት መቑረፂ ትኬትን ከምዘካትቱ ፀሪሖም።
ካብ መበገሲ ታክሲ ተርሚናላት ብተወሳኺ በቢፌርማታኡ ካብ ዋና መገዲ እትው ኢሎም ዝተሰርሑ 152 መፅዐኒን መውረዲን ቦታታት ስርዓት ትራንስፖት ንኽሳለጥ ከምዘኽአሉ ገሊፆም።
እቶም ተርሚናላት ደረጃኦም ዝሓለዉ፣ ንፅባቐ እቲ ከባቢ ዝውስኹ፣ ምቹዋት፣ ዘበናዊን ምጭንናቕ ትራፊክ ዝንክዩን ከምዝኾኑ እውን ኣመልኪቶም።
ብበፀሎት መንገሻ