ፓርቲ ብልፅግና ኣብ ከተማ ጎንደር ጎስጓስ መረፃ እናካየደ ይርከብ
ኣዲስ ኣበባ፣ 18 ግንቦት፣ 2018 (ኤፍ ኤም ሲ)ፓርቲ ብልፅግና ኣብ ክልል ኣምሓራ ከተማ ጎንደር ን7ይ ሓፈሻዊ መረፃ መርሃ ግብሪ ጎስጓስ መረፃ እናካየደ ይርከብ፡፡
“ንኢትዮጵያ ናብ ተምሳሌት ሃገር” ብዝብል መሪሕ ሓሳብ እናተኻየደ ኣብ ዝርከብ ጎስጓስ መረፃ ላዕለዎት ኣመራርሓ እቲ ፓርቲ ከምኡ እውን ነበርቲ ከተማ ጎንደርን ከባቢኣን ተሳቲፎም፡፡
ተሳተፍቲ እቲ ሰልፊ ዕላማ እቲ ፓርቲ ዘንፀባርቑ ዝተፈላለዩ ጭርሖታት ብምስማዕ ነቲ ፓርቲ ዘለዎም ድጋፍ እናገለፁ ይርከቡ፡፡
ብግዛቸው ግርማዬ