Fana: At a Speed of Life!
Yearly Archives

2020

ኣብ ኣሜሪካ ብዝሒ ብቫይረስ ኮሮና ዝተትሓዙ ሰባት ካብ 20 ሚሊየን ሓሊፉ ክኸውን ከምዝኽእል ተገሊፁ

ኣዲስ ኣበባ፣ 19 ሰነ፣ 2012 (ኤፍ.ቢ.ሲ)ኣብ ኣሜሪካ ብዝሒ ብቫይረስ ኮሮና ዝተትሓዙ ሰባት ካብ 20 ሚሊየን ሓሊፉ ክኸውን ከምዝኽእል ተገሊፁ። ሰብ መዚ ማእኸል ምቁፅፃር ሕማማት እታ ሃገር ከምዝገለፁዎ እንተኾይኑ፥ ኣብ ኣሜሪካ ብውሑዱ 20 ሚሊየን ሰባት በቲ ቫይረስ ተለኺፎም ክኾኑ…

ጋንታ ሊቨርፑል ድሕሪ 30 ዓመታት ሻምፒዮና ፕሜርሊግ እንግሊዝ ማዃና ኣረጋጊፃ

ኣዲስ ኣበባ፣ 19 ሰነ፣ 2012 (ኤፍ.ቢ.ሲ)ጋንታ ኩዕሾ እግሪ ሊቨርፑል ድሕሪ 30 ዓመታት ተዓዋቲት ፅዋዕ ፕሜርሊግ እንግሊዝ ማዃና ኣረጋጊፃ። ጋንታ ኣንፊልድ ሊቨርፑል፥ ትማሊ ኣብ መበል ካልኣይ ደረጃ ትርከብ ጋንታ ማንቸስተር ሲቲ ብቼልሲ ምስዓራ ስዒቡ ኢያ ሻምፒዮና ኮይና ዘላ።…

መገዲ ኣየር ኢትዮጵያ ካብ 10 ብሉፃት መገዲ ኣየራት ኣፍሪካ ቀዳማይ ኮይኑ

ኣዲስ ኣበባ፣ 19 ሰነ፣ 2012 (ኤፍ.ቢ.ሲ)መገዲ ኣየር ኢትዮጵያ ካብ 10 ብሉፃት ዓበይቲ መገዲ ኣየራት ኣፍሪካ ሕዚ እውን ኣብ ቀዳማይ ደረጃ ተሰሪዑ። ከም ፀብፃብ ኣፍሪካ ሎጂስቲክስ ዶት ኮም እንተኾይኑ፥ እቲ መገዲ ኣየር ብዝህቦ ኣገልግሎት ኣብ ኣፍሪካ ዘለዎ መሪሕነት ቀፂሉ ኣሎ። መገዲ…

ፀገማት ኣፍሪካዊያን መፍትሒኦም ብኣፍሪካዊያን ክረኸቡ ኣለዎም – ፕሬዚዳንት ኣልጄሪያ ኣብደልማዲድ ተቦኒ

ኣዲስ ኣበባ፣ 19፣ 2012 (ኤፍ.ቢ.ሲ)ፀገማት ኣፍሪካዊያን ብኣፍሪካዊያን መፍትሒ ክረኸቡ ከምዝግባእ ፕሬዚዳንት ኣልጄሪያ ኣብደልማዲድ ተቦኒ ገሊፆም። እቶም ፕሬዚዳንት ነዙይ ዝገለፁ፥ በዓል ሙሉእ ስልጣን ኣምባሳደርን ፍሉይ ልኡኽን ፌዴሪኢ ብምዃን ኣብ ኣልጀሪያ እናገልገሉ ዝፀንሑ ኣምባሳደር…

ኣብ ኢትዮጵያ ብቫይረስኮሮና ዝተለኸፉ ተወሰኽቲ 141 ሰባት ተረኺቦም

ኣዲስ ኣበባ፣ 18 ሰነ፣ 2012 (ኤፍ.ቢ.ሲ)ኣብ ኢትዮጵያ ኣብ ዝሓለፉ 24 ሰዓታት ኣብ ልዕሊ 4 ሺሕን 675 ሰባት ብዝተገበረ ምርመራ ላቦራቶሪ ብቫይረስኮሮና ዝተተሓዙ ተወሰኽቲ 141 ሰባት ከምዝተረኸቡ ሚኒስቴር ጥዕና ኣፍሊጡ። በቲ ቫይረስ ዝተለኸፉ ሰባት ዕድሚኦም ካብ 2 ወርሒ ክሳብ 87…

ኣብ ትግራይ ኣብ ዝሓለፉ 24 ሰዓታት ምርመራ ቫይረስኮሮና ዝተገበሎም ኩሎም በቲ ቫይረስ ከምዘይተለኸፉ ተገሊፁ

ኣዲስ ኣበባ፣ 18 ሰነ፣ 2012 (ኤፍ.ቢ.ሲ)ኣብ ዝሓለፉ 24 ሰዓታት ን547 ሰባት ምርመራ ቫይረስ ኮረና ዝተገበሎም እንትኾን ኩሎም እቲ ቫይረስ ከምዘይተረኸቦም ቢሮ ጥዕና እቲ ክልል ኣፍሊጡ። እቲ ቢሮ ኣብ ዘውፀኦ ዕለታዊ ፀብፃብ ከምዝበሎ ሸውዓተ (7) ካብ ሰቲት ሑሞራ ኣብ መሐከሚ ማእኸል…

ኢትዮጵያ ፌዴራሊስት ሓይሊታት ጥምረት ንህወሓትን ኢዴሕን ካብ ኣባልነት እቲ ጥምረት ሰሪዙ

ኣዲስ ኣበባ፣ 18 ሰነ፣ 2012 (ኤፍ.ቢ.ሲ)ኢትዮጵያ ፌዴራሊስት ሓይሊታት ጥምረት ንውድብ ህዝባዊ ወያነ ሓርነት ትግራይ(ህወሓት)ን ዴሞክራሲያዊ ሕብረት ኢትዮጵያ(ኢዴህ)ን ካብ ኣባልነት እቲ ጥምረት ከምዝሰረዘ ኣፍሊጡ። ኢትዮጵያ ፌዴራሊስት ሓይሊታት ጥምረት መበል ራብዓይ ጠቕላላ ጉባኤኡ ኣብ…

ኢትዮጵያ ምስ ጅቡቲን ሩዋንዳን ብገበን ዝድለዩ ሰባት ኣሕሊፍካ ንምሃብ ዘኽእላ ኣዋጅ ስምምዕነት ፀዲቑ

ኣዲስ ኣበባ፣ 18 ሰነ፣ 2012 (ኤፍ.ቢ.ሲ)ባይቶ ወከልቲ ህዝቢ ፌዴሪኢ 5ይ ዓመት መበል 17 ዘበን ስራሕ ስሩዕ ኣኼቡኡ ሎሚ መዓልቲ ኣብ ኣዳራሽ ቤት ፅሕፈት ቀዳማይ ሚኒስትር ኣሳሊጡ። እቲ ባይቶ ኣብ ናይ ሎሚ መዓልቲ ኣኼብኡ፥ ኢትዮጵያ ምስ ጅቡቲን ሩዋንዳን ብገበን ዝድለዩ ሰባት ኣሕሊፍካ…

ቀዳማይ ሚኒስትር ዶክተር ኣቢይ ኣብ ኣዲስ ኣበባ ዘሎ “እንስራ” ኣብ ዝበሃል ማእኸል ስራሕቲ ኣይኖ ዑደት ኣካይዶም

ኣዲስ ኣበባ፣ 18 ሰነ፣ 2012 (ኤፍ.ቢ.ሲ)ቀዳማይ ሚኒስትር ፌዴሪኢ ዶክተር ኣቢይ ኣሕመድ ኣብ ኣዲስ ኣበባ ኣብ ዘሎ “እንስራ” ኣብ ዝበሃል ማእኸል ስራሕቲ ኣይኖ ዑደት ኣካይዶም። እቶም ቀዳማይ ሚኒስትር ኣብ ማሕበራዊ ሚዲያ ፌስቡክ ገፅ ከምዝበልዎ፥ ኣብ ማእኸል ንዝተዋፈራ ኣዴታት አንኳዕ ደስ…

ፕሬዚዳንት ኢሳይያስ ኣፍወርቂ ኣብ ሱዳን ዕላዊ ዑደት ስራሕ የካይዱ ኣለዉ

ኣዲስ ኣበባ፣ 18 ሰነ፣ 2012 (ኤፍ.ቢ.ሲ)ፕሬዚዳንት ኤርትራ ኣይተ ኢሳይያስ ኣፍወርቂ ኣብ ሱዳን ዕላዊ ዑደት ስራሕ የካይዱ ኣለዉ። እቶም ፕሬዚዳንት ንሰለስተ መዓልታት ዝፀንሕ ዑደት ስራሕ ንምስላጥ ሎሚ መዓልቲ ናብ ሱዳን ከምዘምርሑ ሚኒስትር ዜና እታ ሃገር ገሊፁ። ሚኒስትር ዜና የማነ…