Fana: At a Speed of Life!
Yearly Archives

2025

ኣብ ዝተፈላለዩ ዓውዲታት ናይ ኣፍሪካ ፅባሕ ክውስኑ ዝኽእሉ ስራሕቲ ምውጋን ይግባእ – ብርሃኑ ነጋ (ፕ/ር)

ኣዲስ ኣበባ፣ 19 ነሓሰ፣ 2017 (ኤፍ ኤም ሲ)ተለዋዋጢ ኣብ ዝኾነ ዓለም ናይ ፅባሕ ኣፍሪካ ክውስኑ ዝኽእሉ ስራሕቲ ብምትሕብባር ትብብር ምውጋን የድሊ ኢሎም ሚኒስትር ትምህርቲ ብርሃኑ ነጋ (ፕ/ር)፡፡ መበል 41 ዓመታዊ ኮንፈረንስ ሕብረት ምዘናታት ትምህርቲ ኣፍሪካ ኣብ ኣዲስ ኣበባ እናተኻየደ…

ንኣፍሪካ ምዕባለ ዘምፅእ ስርዓት ምዘና ትምህርቲ ምዝርጋሕ ይግባእ – ምክትል ቀዳማይ ሚኒስትር ተመስገን ጥሩነህ

ኣዲስ ኣበባ፣ 19 ነሓሰ፣ 2017 (ኤፍ ኤም ሲ)ንኩለን ሃገራት ኣፍሪካ ምዕባለ ዘምፅእ ስርዓት ምዘና ትምህርቲ ምዝርጋሕ ይግባእ ኢሎም ምክትል ቀዳማይ ሚኒስትር ተመስገን ጥሩነህ። እቶም ምክትል ቀዳማይ ሚኒስትር ኣብ መበል 41 ዓመታዊ ኮንፈረንስ ሕብረት ምዘናታት ትምህርቲ ኣፍሪካ ከምዝበሉዎ፤…

ኣብ ኣዲስ ኣበባ እናተወገነ ዝርከብ ስራሕ ምርግጋእ ዕዳጋ …

ኣዲስ ኣበባ፣ 19 ነሓሰ፣ 2017 (ኤፍ ኤም ሲ)ኣብ ምምሕዳር ከተማ ኣዲስ ኣዲስ ኣብ ቀፃሊ ንዝኽበሩ በዓላት ፍርያታት ብስፍሓት ብምቕራብ ስራሕቲ ምርግጋእ ዕዳጋ እናተወገነ ይርከብ፡፡ ምክትል ከንቲባን ሓላፊ ቢሮ ልምዓት ኢንዱስትሪን እታ ከተማ ኣይተ ጃንጥራር ኣባይ ኣብ ዝሃቡዎ መግለፂ፥ ኣብ…

ኣብ ወረዳ ኣሕፈሮም ብዘጋጠመ ሓደጋ ትራፊክ 13 ሰባት ህይወቶም ስኢኖም

ኣዲስ ኣበባ፣ 19 ነሓሰ፣ 2017 (ኤፍ ኤም ሲ)ኣብ ክልል ትግራይ ዞባ ማእኸል ወረዳ ኣሕፈሮም ብዘጋጠመ ሓደጋ ትራፊክ 13 ሰባት ህይወቶም ስኢኖም። እቲ ሓደጋ ሎሚ ንጎሆ ከባቢ ሰዓት 11፡00 ኣብታ ወረዳ ጣብያ ሴሮ ቁሸት ዕላሱር ፍሉይ ቦታ መቓይሕ ከምዘጋጠመ ቤት ፅሕፈት ፀፅታን ምምሕዳርን…

ምድላው ሆቴላት ከተማ ኣዲስ ኣበባ ኣብ ቀፃሊ ንዝካየዱ ዓለም ለኸ ጉባኤታት …

ኣዲስ ኣበባ፣ 19 ነሓሰ፣ 2017 (ኤፍ ኤም ሲ)ሆቴላት ኣብ ዝቕፅል ወርሒ ጳጉሜንን መስከረምን ኣብ ኣዲስ ኣበባ ንዝካየዱ ኣህጉራዊን ዓለም ለኻዊን ጉባኤታት ኣድላዪ ምድላው እናገበራ ይርከባ ኢሉ ማሕበር ወነንቲ ሆቴላት ኣዲስ ኣበባ፡፡ ቅነ ክሌማዊ ለውጢ ሕቡራት መንግስታት፣ 2ይ ጉባኤ ክሌማዊ…

ኤቨርተን ንብራይተን ብምስዓር ዓወት ኣመዝጊባ

ኣዲስ ኣበባ፣ 18  ነሓሰ፣ 2017 (ኤፍ ኤም ሲ)ኣብ 2ይ ሰሙን ፀወታ ፕሪሚየር ሊግ እንግሊዝ ኤቨርተን ንብራይተን 2 ን 0 ብዝኾነ ውፅኢት ብምስዓር ዓወት ኣመዝጊባ፡፡ ኤቨርተን ዝተዓወተትለን ሸቶታት ኒዲያዬን ጋርነርን ኣመዝጊቦምወን፡፡ ኤቨርተን ፈላማይ ዕላዊ ናይ ፕሪሚየር ሊግ ፀወታኣ…

ንህንፀት ስርዓት ዴሞክራሲ ዝሕግዙ ሃገራዊ ክብሪታት ናብ ዕዳጋ ክመፅኡ ኣለዎም – ሙዓዘ ጥበባት ዲያቆን ዳንኤል ክብረት

ኣዲስ ኣበባ፣ 18 ነሓሰ፣ 2017 (ኤፍ ኤም ሲ)ንህንፀት ስርዓት ዴሞክራሲ ዝሕግዙ ሃገራዊ ክብሪታት ናብ ዕዳጋ ክመፅኡ ኣለዎም ኢሎም ሚኒስትር ኣማኻሪ ማሕበራዊ ጉዳይ ቀዳማይ ሚኒስትር ሙዓዘ ጥበባት ዲያቆን ዳንኤል ክብረት፡፡ ኣብ ባይቶ ወከልቲ ህዝቢ ሚኒስትር ዋና ተፀዋዒ መንግስቲ ተስፋዬ…

ትውልዲ ኣብ ሓበራዊ ምኽረ ሓሳብ ንምብፃሕ ድሉው ክኸውን ኣለዎ – ዋና ኮሚሽነር መስፍን ኣርኣያ (ፕ/ር)

ኣዲስ ኣበባ፣ 18 ነሓሰ፣ 2017 (ኤፍ ኤም ሲ)ትውልዲ ንምዝርራብን ኣብ ሓበራዊ ምኽረ ሓሳብ ንምብፃሕም ካብ ማንም እዋን ንላዕሊ ድሉው ክኸውን ኣለዎ ኢሎም ዋና ኮሚሽነር ኮሚሽን ሃገራዊ ዘተ ኢትዮጵያ መስፍን ኣርኣያ (ፕ/ር)። እቶም ዋና ኮሚሽነር ምስ ፋና ፖድካስት ኣብ ዝነበሮም ፃንሒት…

ፀወታታት ፕሪሚየር ሊግ እንግሊዝ ሎሚ እውን ቀፂሎም ክካየዱ ኢዮም

ኣዲስ ኣበባ፣ 18 ነሓሰ፣ 2017 (ኤፍ ኤም ሲ)ካልኣይ ሰሙን መርሃ ግብሪ ፀወታታት ፕሪሚየር ሊግ እንግሊዝ ሎሚ እውን እንትቕፅሉ ሰለስተ ፀወታታት ክካየዱ ኢዮም፡፡ እቲ ሊግ ብስዕረት ዝጀመረት ማንቼስተር ዩናይትድ ፈላማይ ዓወት እዚ ውድድር ዓመት ብምሕሳብ ሎሚ ምሸት 12:30 ኣብ ክራቨን ኮቴጅ…

ድልድል ሩባ ጌደብ ንተሽከርከርቲ ክፍቲ ኮይኑ

ኣዲስ ኣበባ፣ 18 ነሓሰ፣ 2017 (ኤፍ ኤም ሲ)ካብ ደብረ ማርቆስ - ባሕርዳር ኣብ ዝወስድ መገዲ ዝርከብ ድልድል ሩባ ጌደብ ንተሽከርከርቲ ክፍቲ ተገይሩ ኢሉ ምምሕዳር መገዲታት ኢትዮጵያ፡፡ እቲ ምምሕዳር ንፋና ዲጂታል ከምዝገለፆ÷ ብውሕጅ ተሰቢሩ ዝነበረ ድልድል ሩባ ጌደብ ብተገጣጣሚ ሓፂን…