Browsing Category
ዜናታት ውሽጢ ዓዲ
ኣይተ ኣሕመድ ሽዴ ምስ ምክትል ሚኒስትር ጉዳያት ወፃኢ ቻይና ዘቲዮም
ኣዲስ ኣበባ፣ 18 ለካቲት፣ 2015 (ኤፍ ቢ ሲ)ሚኒስትር ገንዘብ ኣይተ ኣሕመድ ሽዴ ምስ ምክትል ሚኒስትር ጉዳያት ወፃኢ ቻይና ዴንግ ሊ ኤል ዘቲዮም።
ኣብ መንጎ ክልቲአን ሃገራት ዘሎ ፖለቲካዊ፣ ኢኮኖሚያዊን ዲፕሎማሲያዊን ርክብ ብዝምልከት ምልዛቦም ተሓቢሩ።
ኣይተ ኣሕመድ ሽዴ፥ ከልቲአን…
ደቡብ ኮሪያ ሰብ ሃፍታ ኣብ ኢትዮጵያ ኢንቨስት ንክገብሩ ፃዕሪ ክግበር ኢዩ ኢላ
ኣዲስ ኣበባ፣ 18 ለካቲት፣ 2015 (ኤፍ ቢ ሲ)ደቡብ ኮሪያ ሰብ ሃፍታ ኣብ ኢትዮጵያ ኢንቨስት ንክገብሩ ፃዕሪ ከምእትገብር ፍሉይ ልኡኽ ፕሬዚዳንት እታ ሃገር ጃንግ ሱንግ ሚን ተዛሪቦም።
ጃንግ ሱንግ ሚን ከምዝበልዎ፥ ኢትዮጵያን ደቡብ ኮሪያን ብዓውዲ ንግዲን ኢኮኖሚን ዘለወን ምትሕብባር…
ዶ/ር ግርማ ኣመንቴ ኣብ ክልል ደቡብ ብመስኖ ሓጋይ ኣብ ዝለምዐ ሕርሻ ስርናይ ዑደት ገይሮም
ኣዲስ ኣበባ፣ 18 ለካቲት፣ 2015 (ኤፍ ቢ ሲ)ሚኒስትር ሕርሻ ዶ/ር ግርማ ኣመንቴ ኣብ ክልል ደቡብ ዞባ ስልጤ ብመስኖ ሓጋይ ኣብ ዝለምዐ ሕርሻ ስርናይ ዑደት ገይሮም።
እቲ ክልል በቲ መስኖ ኣቢሉ ልዕሊ 13 ሺሐን 400 ሄክታር መሬት ብሰርናይ መስኖ የልምዕ ከምዘሎ ተገሊፁ።
በዚ ኣቢሉ…
ናብ ቱርኪ ዝተጓዓዘ ጉጅለ ህይወት ኣድሕን ኢትዮጵያ ልኡኹ ብምዝዛም ናብ ሃገሩ ተመሊሱ
ኣዲስ ኣበባ ፣ 18 ለካቲት፣ 2015 (ኤፍ ቢ ሲ)ናብ ቱርኪ ዝተጓዓዘ ጉጅለ ምድላይን ህይወት ኣድሕንን ኢትዮጵያ ልኡኹ ብምዝዛም ናብ ሃገሩ ተመሊሱ።
ኣብ ቀረባ እዋን ኣብታ ሃገር ብሰንኪ ዘጋጠመ ምንቅጥቃጥ መሬት ስዒቡ ክሳብ ሐዚ ለዕሊ 47 ሺሕ ሰባት ህይወቶም ከምዝሰኣኑን ልዑል ዕንወት ህይወት…
ኢትዮጵያ ሃፍቲ ማይ ብፍትሓዊነት ንተጠቀምቲ ንምብፃሕ እናሰርሐት ከምዝኾነት ተገሊፁ
ኣዲስ ኣበባ፣ 17 ለካቲት፣ 2015 (ኤፍ ቢ ሲ)ኢትዮጵያ ሃፍቲ ማይ ብፍትሓዊነት ንተጠቀምቲ ንምብፃሕ እናሰርሐት ምዃና ሚኒስትር ማይን ኢነርጂን ዶክተር ኢንጂነር ሃብታሙ ኢተፋ ገሊፆም።
ብኣሰናዳእነት ትካል ምግቢን ሕርሻን ውድብ ሕቡራት መንግስታት እናተኻየደ ኣብ ዝርከብ መድረኽ ዘተ ብሄራዊ…
ኣባላት ሰራዊት ምክልኻል ሃገር ኣብ ፕሮጄክት ዜሮ ዜሮ ዓድዋ ዑደት ኣሳሊጦም
ኣዲስ ኣበባ፣ 17 ለካቲት፣ 2015 (ኤፍ ቢ ሲ)ኣባላት ሰራዊት ምክልኻል ሃገር ንዝኽሪ ዓወት ዓድዋ ኣብ ዝስራሕ ሙዚየም ፕሮጄክት ዜሮ ዜሮ ዓድዋ ዑደት ኣሳሊጦም።
ፕሮጄክት ሙዚየም ዜሮ ዜሮ ዓድዋ ኣብ 3 ነጥቢ 3 ሄክታር መሬት ዝዓረፈን በዓል ሓሙሽተ ደብሪን ፕሮጀክት እንትኸውን፥ ዓወት ዓድዋ፣…
ዓውዲ ቱሪዝም ንምንቕቓሕ ዝዓለመ ተንቀሳቓ ኤግዚቢሽን ተኸፊቱ
ኣዲስ ኣበባ፣ 17 ለካቲት ፣ 2015 (ኤፍ ቢ ሲ)ዝተዘሓሓለ ዓውዲ ቱሪዝም ንምንቕቓሕ ዝዓለመ ተንቀሳቓ ኤግዚቢሽን ተኸፊቱ።
"ሓድጊታትና ንዘላቒ ሰላምን ልምዓትን ሃገርና" ብዝብል መሪሕ ሓሳብ ዝተኸፈተ እቲ ኤግዚቢሽን፥ በዓል መዚ ሓለዋ ሓድጊ ኢትዮጵያን ቢሮ ባህሊ፣ ሓድጊን ቱሪዝምን ክልል…
ኢትዮጵያ ኣብ ጉዳይ ሰራሕተኛታት ዝዝቲ መበል ካልኣይ ጉባኤ ሚኒስትራት ከምእተተኣናግድ ተገሊፁ
ኣዲስ ኣበባ፣ 17 ለካቲት፣ 2015 (ኤፍ ቢ ሲ)ኢትዮጵያ ኣብ ጉዳይ ሰራሕተኛታት፣ ስራሕን ፍልሰትን ዝዝቲ መበል ካልኣይ ጉባኤ ሚኒስትራት ካብ ሰኑይ ጀሚራ ከምእተተኣናግድ ተገሊፁ።
ኣብ ኣባል ሃገራት ኢጋድ ጉዳያት ስራሕን ሰራሕተኛን ዝሰርሑ ሚኒስትራት ኣብ ሓደ ከምዝእከቡን ኣብ ጂቡቲ ዝተኸተመ…
ፋና ብሮድካስቲንግ ኮርፖሬት ምስ ዩኒቨርሲቲ ሰላሌ ብምትሕበባር ንምስራሕ ዘኽእል ስምምዕነት ከቲሙ
ኣዲስ ኣበባ፣ 17 ለካቲት፣ 2015 (ኤፍ ቢ ሲ)ፋና ብሮድካስቲንግ ኮርፖሬት ምስ ዩኒቨርሲቲ ሰላሌ ብምትሕበባር ንምስራሕ ዘኽእል ሰነድ ስምምዕነት ከቲሙ።
ኣብቲ ሰነድ ዋና ኣፈፃሚ ስራሕ ፋና ብሮድካስቲንግ ኮርፖሬት ኣይተ ኣድማሱ ዳምጠውን ፕሬዚዳንት ዩኒቨርሲቲ ሰላሌ ዶክተር ገናነው ጐፌን ክታሞም…
ዕላዊ ምስረታ ከተማ ሸገር ኣመልኪቱ ኣብ ሸራተን ኣዲስ ፓናል ዘተ ይሳለጥ ኣሎ
ኣዲስ ኣበባ ፣ 17 ለካቲት ፣ 2015 (ኤፍ ቢ ሲ)ዕላዊ ምስረታ ከተማ ሸገር ኣመልኪቱ ኣብ ሸራተን ኣዲስ ፓናል ዘተ ይሳለጥ ኣሎ።
ኣብቲ መድረኽ ርእሰ ምምሕዳር ክለልል ኦሮሚያ ኣይተ ሽመልስ ኣብዲሳ፣ ምክትል ርእሰ ምምሕዳር ኣይተ ኣወሉ ኣብዲ፣ ከንቲባ ከተማ ሸገር ተሾመ ኣዱኛ፣ ላዕለዎት…