Fana: At a Speed of Life!
Browsing Category

ዜናታት ውሽጢ ዓዲ

ምምሕዳር ከተማ ኣዲስ ኣበባ 110 ፓምፕታት ማይ ንክልል ሶማሌ ኣበርኪቱ

ኣዲስ ኣበባ ፣ 17 ሕዳር፣ 2015 (ኤፍ ቢ ሲ)ምምሕዳር ከተማ ኣዲስ ኣበባ 110 ፓምፕታት ማይ ንክልል ሶማሌ ኣበርኪቱ። ኣብቲ ክልል መርሃ ግብሪ ትሩፋት ሌማት መፋለጢ መድረኽ ተኻይዱ። ኣብቲ መርሃ ግብሪ ሚኒስትር መስኖን ከባቢ ቆላን ኢንጂነር አይሻ መሃመድ ከንቲባ ኣዳነች ኣቤቤን ካልኦት…

ዩኒቨርሲቲ ወላይታ ሶዶ  234 ተምሃሮ ኣመሪቑ

ኣዲስ ኣበባ ፣ 17 ሕዳር፣ 2015 (ኤፍ ቢ ሲ)ዩኒቨርሲቲ ወላይታ ሶዶ  ብዝተፈላለዩ  ሞያታት ዘሰልጠኖም 234 ተምሃሮ ኣመሪቑ። ብሕክምናን ጥዕናን ብቀዳማይም ካልኣይን ዲግሪ ዝሰልጠኑ ከምዝኾኑ ካብቲ ዞባ ኮሚኒኬሽን ዝረኸብናዮ ሓበሬታ የረድእ። ካብ መንጎ እቶም ተመረቕቲ እተን 111 ደቂ…

ኣብ ትግራይ ፅሩይ መስተ ማይ ተበፃሒ ናይ ምግባር ስራሕ ተጠናኺሩ ከምዝቐፀለ ተገሊፁ

ኣዲስ ኣበባ ፣ 17 ሕዳር፣ 2015 (ኤፍ ቢ ሲ)ኣብ ትግራይ ብምኽኒያት ኲናት ካብ መረበቶም ተመዛቢሎም ኣብ መዓስከር ተመዛበልቲ ንዝርከቡ ዜጋታት ፅሩይ መስተ ማይ ተበፃሒ ናይ ምግባር ስራሕ ተጠናኺሩ ከምዝቐፀለ ሚኒስቴር ማይን  ኢነርጂን ገሊፁ። ኣብቲ ክልል ጣቢያታት መፃረዪ ማይ ፅገና…

“ንተፈፃምነት ስምምዕነት ሰላም ኩሉ ዜጋ ናይ ባዕሉ ግደ ክዋፃእ ይግባእ” – ነበርቲ ኣኽሱም፣ ዓድዋን ሽረ

ኣዲስ ኣበባ፣ 16 ሕዳር፣ 2015 (ኤፍ ቢ ሲ)“ህዝቢ ትግራይ ናይ ሰላም ኣየር ምትንፋስ ጀሚሩ ኢዩ፤ ንተፈፃምነት እቲ ስምምዕነት ሰላም ኩሉ ዜጋ ናይ ባዕሉ ግደ ክዋፃእ ይግባእ” ክብሉ ነበርቲ ኣኽሱም፣ ዓድዋን ሽረ ገሊፆም። ኣብ ክልል ትግራይ ዝርከቡ ነበርቲ በቲ ስምምዕነት ሰላም ሕጉሳት…

ልኡኽ ኮሚቴ ቴክኒክ ቢሮ ጉዳያት ወፃኢ ጋና ኣብ ሳይንስ ሙዚየም ዑደት ኣካይዱ

ኣዲስ ኣበባ ፣ 16 ሕዳር፣ 2015 (ኤፍ ቢ ሲ)ካብ ቢሮ ጉዳያት ወፃኢ ጋና ዝመፅኡ ልኡኻት ኮሚቴ ቴክኒክ ኣብ ሳይንስ ሙዚየም ተረኺቦም ዑደት ኣካይዶም። እቶም ዑደተኛታት ኣብ ዝሃቡዎ ርኢቶ÷ ኣብ ምምሕዳር መርበብ ሓበሬታን ድሕንነትን ዝርከብ ዲቪዥን ኢትዮ-ስርዓት ኣብ ኢትዮጵያ መጥቃዕቲ ሳይቨር…

1 ሺሕ 124 ዜጋታት ካብ ስዑድ ዓረብ ናብ ሃገሮም ተመሊሶም

ኣዲስ ኣበባ ፣ 16 ሕዳር፣ 2015 (ኤፍ ቢ ሲ)ኣብ ስዑድ ዓረብ ኣብ ኣፀጋሚ ኩነታ ዝነበሩ 1 ሺሕ 124 ዜጋታት ናብ ሃገሮም ተመሊሶም። እቶም ዜጋታት ሎሚ መዓልቲ ብዝተገበሩ በረራታት ከምዝተመለሱ ካብ ቤት ፅሕፈት ኣቐባሊ ቃል ሚኒስቴር ጉዳያት ወፃኢ ዝረኸብናዮ ሓበሬታ የረድእ። ብቕድሚ…

መንግስቲ ብዝተፈላለዩ ዓውዲታት ምስ ዓለም ለኸ መሓዙት ተቐራሪቡ ንምስራሕ ቆራፅ ኢዩ – ሰመሪታ ሰዋሰው

ኣዲስ ኣበባ፣ 16 ሕዳር፣ 2015 (ኤፍ ቢ ሲ)መንግስቲ ብዝተፈላለዩ ዓውዲታት ምስ ዓለም ለኸ መሓዙት ተቐራሪቡ ንምስራሕ ቆራፅ ከምዝኾነ ሚኒስትር ዲኤታ ገንዘብ ሰመሪታ ሰዋሰው ገሊፀን። ኣብ ሞንጎ መንግስቲን ዓለም ለኸ መሓዙት ምትሕብባር ልምዓት ኣብ ጉዳያት ኢኮኖሚ፣ ማሕበራዊን ዳግመ ህንፀትን…

ኣይተ ደመቀ መኮነን ኣፍሪካ ንምርግጋፅ ልምዓት ኢንዱስትሪ ጠመተ ንክትህብ ፃውዒት ኣቕሪቦም

ኣዲስ ኣበባ፣ 16 ሕዳር፣ 2015 (ኤፍ ቢ ሲ)መክትል ቀዳማይ ሚኒስትርን ሚኒስትር ጉዳያት ወፃኢን ኣይተ ደመቀ መኮነን ኣፍሪካ ንምርግጋፅ ልምዓት ኢንዱስትሪ ጠመተ ንክትህብ ፃውዒት ኣቕሪቦም። ኣይተ ደመቀ ሎሚ መዓልቲ ኣብ ኒጀር ኣብ ዝተሳለጠ መበል 17 ፍሉይ ኣኼባ መራሕቲ ሕብረት ኣፍሪካ ኣብ…

ፕሮግራም ምግቢ ዓለም ምግቢ ሓዊሱ መሳርሒታት ሕክምና ናብ ክልል ትግራይ ከምዘብፀሐ ኣፍሊጡ

ኣዲስ ኣበባ፣ 16 ሕዳር፣ 2015 (ኤፍ ቢ ሲ)ፕሮግራም ምግቢ ዓለም ከም ኣቆፃፅራ ኣውሮፓውያን ካብ 15 ሕዳር 2022 ጀሚሩ 2 ሺሕን 400 ሜትሪክ ቶን ምግቢን 100 ሺሕ ሊትሮ ነዳዲ ናብ ክልል ትግራይ ከምዘብፀሐ ኣፍሊጡ። 250 ቶን መሳርሒታት ሕክምና ብመዳይ ሎጅስቲክስ ናብቲ ክልል…

ፋና ብሮድካስቲንግ ኮርፖሬትን ኮሚሽን ፀረ ግዕዚይና ኢትዮጵያን ብሓባር ንምስራሕ ዘኽእል ሰነድ ስምምዕነት ከቲሞም

ኣዲስ ኣበባ፣ 16 ሕዳር፣ 2015 (ኤፍ ቢ ሲ)ፋና ብሮድካስቲንግ ኮርፖሬትን ኮሚሽን ፀረ ግዕዚይና ኢትዮጵያን ብሓባር ንምስራሕ ዘኽእል ሰነድ ስምምዕነት ከቲሞም። ኣብቲ ሰነድ፥ ዋና ኣፈፃሚ ስራሕ ፋና ብሮድካስቲንግ ኮርፖሬት ኣይተ ኣድማሱ ዳምጠውን ኮሚሽነር ኮሚሽን ፀረ ግዕዚይና ኢትዮጵያ ዶክተር…