Browsing Category
ዜናታት ውሽጢ ዓዲ
ሸውዓተ ታካላት ልምዓት መንግስቲ ብር 780 ቢሊየን ናይ ውሽጢ ዓዲን ወፃኢን ዕዳ ከምዘለወን ተረጋጊፁ
ኣዲስ ኣበባ፣ 17 መጋቢት፣ 2013 (ኤፍ ቢ ሲ)ሸውዓተ ታካላት ልምዓት መንግስቲ ብር 780 ቢሊየን ናይ ውሽጢ ዓዲን ወፃኢን ዕዳ ከምዘለወን ምርግጋፁ ሚኒስቴር ገንዘብ ኣፍሊጡ።
ንዘይምርግጋእ ማክሮ ኢኮኖሚ ምላሽ ንመሃብ መንግስቲ ካብ ትካላት ልምዓት ምስ ልቓሕን መሰረታዊ ምኽንያታትን ተተሓሒዙ…
ድልድል ኣየር ሰዓት ሻድሻይ ሓፈሻዊ መረፃ ዕላዊ ኮይኑ
ኣዲስ ኣበባ ፣ 17 መጋቢት፣ 2013 (ኤፍ ቢ ሲ)ድልድል ኣየር ሰዓት ሻድሻይ ሓፈሻዊ መረፃ ሎሚ መዓልቲ ዕላዊ ኮይኑ።
ቦርድ ብሄራዊ ቦርድ መረፃ ኢትዮጵያን በዓል መዚ ብሮድካስት ኢትዮጵያን ኣብ ክሊ እቲ ድልድል ኣየር ሰዓት ኣድሂቦም ምስ መራኸብቲ ሓፋሽ ተዛቲዮም፡፡
ኣብ ዘተኦም ድማ ምሰር…
299 ዜጋታት ካብ ስዑድ ዓረብ ናብ ሃገሮም ተመሊሶም
ኣዲስ ኣበባ፣ 17 መጋቢት፣ 2013 (ኤፍ ቢ ሲ)299 ኢትዮጵያውያን ካብ ስዑድ ዓረብ ከተማ ጂዳ ናብ ሃገሮም ተመሊሶም።
ተወካሊ ዳይሬክቶሬት ጉዳያት ቆንስላ ጀነራል ሚኒስቴር ጉዳያት ወፃኢ ኣብ ዓለም ለኸ መዕርፎ ነፈርቲ ተረኺቦም ነቶም ተመለስቲ ኣቀባብላ ገይሮምሎም።
ሚኒስቴር ጉዳያት ወፃኢ…
ማእኸል ኣርቴፊሻል ኢንተለጀንስ ኢትዮጵያን ትካል ግልጋሎት ዜና ኢትዮጵያን ብሓባር ንምስራሕ ዘኽእሎም ሰነድ ስምምዕነት ተፈራሪሞም
ኣዲስ ኣበባ፣ 17 መጋቢት፣ 2013(ኤፍ ቢ ሲ)ማእኸል ኣርቴፊሻል ኢንተለጀንስ ኢትዮጵያን ትካል ግልጋሎት ዜና ኢትዮጵያን ኣብ ዝተፈላለዩ ዘፈራት ብሓባር ንምስራሕ ዘኽእሎም ሰነድ ስምምዕነት ተፈራሪሞም።
እቲ ስምምዕነት ዋና ዳይሬክተር ኣርቴፊሻል ኢንተለጀንስ ኢንጂነር ወርቁ ጋችናን ዋና ፈፃሚ…
ሕፅረት ኦ ዓይነት ደም ከምዘጋጠመ ብሄራዊ ኣገልግሎት ባንኪ ደም ገሊፁ
ኣዲስ ኣበባ፣ 17 መጋቢት፣ 2013 (ኤፍ ቢ ሲ)ሕፅረት ኦ ዓይነት ደም ከምዘጋጠመ ብሄራዊ ኣገልግሎት ባንኪ ደም ኢትዮጵያ ገሊፁ።
ኣብዚ ሕዚ እዋን ኣብ መኽዚን እቲ ኣገልግሎት ኦ ዓይነት ደም ዝርከብ መጠን ንሸውዓተ መዓልቲ ጥራሕ ዘገልግል ኢዩ ተባሂሉ።
ስለዝኾነ ድማ ኦ ዓይነት ደም ዘለዎም…
ፕሬዚዳንት ሳህለወርቅ ዘውዴ ናብ ሃረር ኣምሪሐን
ኣዲስ ኣበባ፣ 17 መጋቢት፣ 2013(ኤፍ ቢ ሲ)ብፕሬዚዳንት ሳህለወርቅ ዘውዴ ዝምራሕ ላዕለዋይ ጉጅለ ልኡኽ ናብ ሃረር ኣምሪሑ።
እቶም ኣባላት ጉጅለ ልኡኽ ኣብ መዕርፎ ነፈርቲ ድሬዳዋ እንትበፅሑ፥ ርእሰ ምምሕዳር ክልል ሃረሪ ኣይተ ኦርዲን በድሪን ምክትል ርእሰ ምምሕዳር ወይዘሮ ሚስራ ኣብደላን …
ኣብ ሃገርና ዝመፅአ ለውጢ ልዑል ግደ መናእሰይ ዝተርኣየሉ ኢዩ- ም/ከንቲባ ወ/ሮ ኣዳነሽ ኣበቤ
ኣዲስ ኣበባ፣ 17 መጋቢት፣ 2013(ኤፍ ቢ ሲ)ኣብ ሃገርና ዝመፅአ ለውጢ ልዑል ግደ መናእሰይ ዝተርኣየሉ ከምዝኾነ ምክትል ከንቲባ ከተማ ኣዲስ ኣበባ ወ/ሮ ኣዳነሽ ኣበቤ ገሊፀን።
እተን ምክትል ከንቲባ ሎሚ መዓልቲ ምስ መናእሰይ ኣብ ዝገበርኡ መድረኽ ዘተ፥ መንእሰይ ብፃዕሩ ዘምፅኦ ለውጢ…
ክልላት ደቡብ፣ ሶማሌን ዓፋርን ደገፍ ንዝደሊዩ ክፋላት ሕብረተሰብ ትግራይ ዝውዕል 53 ሚሊየን ብርን ናውቲን ደገፍ ገይሮም
ኣዲስ ኣበባ፣ 17 መጋቢት፣ 2013(ኤፍ ቢ ሲ)ክልላት ደቡብ፣ ሶማሌን ዓፋርን ደገፍ ንዝደሊዩ ክፋላት ሕብረተሰብ ትግራይ ዝውዕል 53 ሚሊየን ብርን ናውቲን ደገፍ ገይሮም።
ምክትል ርእሰ ምምሕዳር ክልል ደቡብ ኣይተ ርስቱ ይርዳው መንግስቲን ህዝብን እቲ ክልል ኣብ ቀዳማይ ዙር ካብ ዝገበሮ ደገፍ…
ትማሊ ኣብ ኣዲስ ኣበባ ብዘጋጠሙ ሓደጋታት ባርዕ ሓዊ ልዕሊ ብር 6 ሚሊየን ዝግመት ንብረት ዓኒዩ
ኣዲስ ኣበባ ፣ 17 መጋቢት፣ 2013 (ኤፍ ቢ ሲ) ትማሊ ኣብ ኣዲስ ኣበባ ብዘጋጠሙ ሽዱሽተ ሓደጋታት ባርዕ ሓዊ ልዕሊ ብር 6 ሚሊየን ዝግመት ንብረት ምዕናዉ ኮሚሽን ባርዕ ሓዊን ኣመራርሓ ስራሕን ስግኣትን ምምሕዳር ከተማ ኣዲስ ኣበባ ኣፍሊጡ።
ብዝተገበረ ልዑል ርብርብ ልዕሊ ብር 800 ሚሊየን…
ሓፈሻዊ ኣኼባ ፌዴሬሽን ስፖርት ዩኒቨርሲቲታት ኣፍሪካ ኣብ ኣዲስ ኣበባ ይካየድ ኣሎ
ኣዲስ ኣበባ ፣ 17 መጋቢት፣ 2013 (ኤፍ ቢ ሲ)ሓፈሻዊ ኣኼባ ፌዴሬሽን ስፖርት ዩኒቨርሲቲታት ኣፍሪካ “ሰፖርት ዩኒቨርስቲ ዓለም ንምቕያር” ብዝብል መሪሕ ቓል ብኣሰናዳእነት ዩኒቨርሲቲ ሜትሮ ፖሊታንት ኮተቤ ኣብ ኣዲስ ኣበባ ይካየድ ኣሎ።
ምክትል ከንቲባ ምምሕዳር ከተማ ኣዲስ ኣበባ ወይዘሮ…