Fana: At a Speed of Life!
Browsing Category

ዜናታት ውሽጢ ዓዲ

ኣብ ረቀቕቲ ሕጊታት መቕፅዒ ገበነኛን ትኹረት ዝገበረ መረዳእታን መድረኽ ዘተ ይካየድ ኣሎ

ኣዲስ ኣበባ፣ 21 ታህሳስ፣ 2013 (ኤፍ ቢ ሲ)ኮሚሽን ሰብኣዊ መሰል ኢትዮጵያ ኣብ ረቀቕቲ ሕጊታት መቕፅዒ ገበነኛን ትኹረት ዝገበረ መረዳእታን መድረኽ ዘተ የካየድ ኣሎ። እቶም ረቀቕቲ ሕጊታት ምስ ሰብኣዊ መሰል ዝተተሓሓዙ ጉዳያት ስዒቡ ንምፍፃም ዘኽእል ከምዝኾነ  ኮሚሽነር ኮሚሽን ኮሚሽን…

ኣብ ትግራይ ተቛሪፁ ዝነበረ ምቕያር ኣረጊት ባጤራ ብር ዳግም ተጀሚሩ

ኣዲስ ኣበባ፣ 21 ታህሳስ፣ 2013 (ኤፍ ቢ ሲ)ኣብ ትግራይ ተቛሪፁ ዝነበረ ምቕያር ኣረጊት ባጤራ/ኖት ብር ዳግም ተጀሚሩ። እቲ ምቕያር ባጤራ ቀዳምን ሰንበትን ሓዊሱ ካብ ሎሚ 21 ታሕሳስ 2013 ዓ.ም ጀሚሩ ን14 መዓልታት ከምዝካየድ ብሄራዊ ባንኪ ኢትዮጵያ ገሊፁ። መንግስቲ ኣብቲ ክልል…

ኣብ ኢትዮጵያ ትማሊ ብዝተገበረ ምርመራ ብቫይረስ ኮሮና ዝተለኸፉ ተወሰኽቲ  243   ሰባት ተረኺቦም

ኣዲስ ኣበባ፣ 21 ታሕሳስ፣ 2013(ኤፍ.ቢ.ሲ)ኣብ ኢትዮጵያ ትማሊ ኣብ ልዕሊ 4 ሺሕን 155 ሰባት ብዝተገበረ ምርመራ ላቦራቶሪ ብቫይረስኮሮና ዝተተሓዙ ተወሰኽቲ   243   ሰባት ከምዝተረኸቡ ሚኒስቴር ጥዕና ኣፍሊጡ። ብመሰረት እዚ ኣብ ኢትዮጵያ በቲ ቫይረስ ዝተትሓዙ ሰባት ቁፅሮም 123 ሺሕን…

ማሕበረሰብ ንግዲ ከተማ መቐለ 15 ኣባላት ዘለዉዎ መማኸርቲ  ኮሚቴ ኣጣይሹ

ኣዲስ ኣበባ ፣ 20 ታሕሳስ ፣ 2013 (ኤፍ ቢ ሲ)ማሕበረሰብ ንግዲ ከተማ መቐለ 15 ኣባላት ዘለዉዎ መማኸርቲ  ኮሚቴ ኣጣይሹ። ኣባላት ማሕበረሰብ ንግዲ እታ ከተማ ሎሚ መዓልቲ ምስ ግዚያዊ ምምኽዳር ክልል ትግራይ መድረኽ ዘተ ኣሳሊጦም። ኣባቲ መድረኽ ድማ 15 ኣባላት ዘለዉዎ መማኸርቲ …

ምስ ፀገም ፀፅታ ዞባ መተከል ብዝተተሓሓዘ ዝተጠርጠሩ ክልተ  ተወሰኽቲ ላዕለዎት ኣመራርሓ ኣብ ቁፅፅር ሕጊ ዉዒሎም

ኣዲስ ኣበባ፣ 20 ታሕሳስ፣ 2013 (ኤፍ ቢ ሲ)ምስ ፀገም ፀፅታ ዞባ መተከል ብዝተተሓሓዘ ዝተጠርጠሩ ክልተ  ተወሰኽቲ ላዕለዎት ኣመራርሓ ኣብ ቁፅፅር ሕጊ ከምዝወዓሉ ቢሮ ህንፀት ሰላምን ፀፅታን እቲ ክልል ኣፍሊጡ። ምክትል ሓላፊ እቲ ቢሮ ኣይተ ሙሳ ሃሚድ ከምዝበልዎ፥ ሎሚ መዓልቲ ኣብ ቁፅፅር…

ኣብ ሃገራዊ ድሌት ዘፈር መዓድን ምድሃብን ምዕባይ ዕዳጋ ወፃኢን ቀፀልቲ ናይ ትኹረት ኣንፈታት ኢዮም – ኢ/ር ታከለ ኡማ

ኣዲስ ኣበባ ፣ 20 ታሕሳስ፣ 2013 (ኤፍ ቢ ሲ)ኣብ ሃገራዊ ድሌት ዘፈር መዓድን ምድሃብን ምዕባይ ዕዳጋ ወፃኢን ቀፀልቲ ናይ ትኹረት ኣንፈታት ከምዝኾኑ ሚኒስትር መዓድንን ኢነርጂን ኢንጅነር ታከለ ኡማ ገሊፆም። እቶም ሚኒስትር ዓሞቕቲ ቦታታት ሃፍቲ ዘፈር መዓድንን ነዳዲን ኣመልኪቶም መብርሂ…

ብስም ሌተናል ጄኔራል ኣበባው ታደሰን ሌተናል ጄኔራል ባጫ ደበሌን ዝተኸፈተ ምንም ዓይነት ማሕበራዊ ሚዲያ ገፅ ከምዘየለ ሚኒስቴር ምክልኻል ሃገር ኣፍሊጡ

ኣዲስ ኣበባ፣ 20 ታህሳስ፣ 2013 (ኤፍ ቢ ሲ)ብስም ሌተናል ጄኔራል ኣበባው ታደሰን ሌተናል ጄኔራል ባጫ ደበሌን ዝተኸፈተ ምንም ዓይነት ማሕበራዊ ሚዲያ ገፅ ከምዘየለ ሚኒስቴር ምክልኻል ፌዴሪኢ ኣፍሊጡ። እቲ ሚኒስቴር ኣብ ማሕበራዊ ሚዲያ ፌስ ቡክ ገፁ ከምዝበሎ፥ ብስም ሌተናል ጄኔራል ኣበባው…

ኣብ ዞባ ምዕራብ ኦሞ ወረዳ ቤሮ ብዘጋጠመ ሓደጋ ባርዕ ሓዊ ብር 586 ሚሊየን 142 ሺሕን ዝግመት ንብረት ዓንዩ

ኣዲስ ኣበባ፣ 20 ታሕሳስ፣ 2013 (ኤፍ ቢ ሲ)ኣብ ክልል ደቡብ ኣብ ዞባ ምዕራብ ኦሞ ወረዳ ቤሮ ጣቢያ ሾላ ብዘጋጠመ ሓደጋ ባርዕ ሓዊ ብር 586 ሚሊየንን 142 ሺሕን ዝግመት ንብረት ዓንዩ። እቲ ሓደጋ ትማሊ ኣጋምሸት ዘጋጠመ እንትኸውን፥ 1 ሺሕን 840 መንበሪ ኣባይቲ፣ 547 ገዛውቲ ንግዲ፣…

ንዘሓለፉ 30 ዓመታት ኣብ ኤምባሲ ጣሊያን ተዓቒቦም ዝነበሩ ተኸሰስቲ ካብ ዝተዓቖቡሉ ውሱን ቦታ ምልቃቖም ስዒቡ መንግስቲ ጣሊያን ናእድኡ ገሊፁ

ኣዲስ ኣበባ ፣ 20 ታሕሳስ፣ 2013 (ኤፍ ቢ ሲ)ንዘሓለፉ 30 ዓመታት ኣብ ኤምባሲ ጣሊያን ተዓቒቦም ንዝነበሩ ተኸሰስቲ ካብ ዝተዓቖቡሉ ውሱን ቦታ ምልቃቖም ስዒቡ መንግስቲ ጣሊያን ናእድኡ ገሊፁ። ኣብ ኦምባሲ ጣሊያን 30 ዓማውቲ ተዓቑቦም ዝነበሩ ሌተናል ኮሎኔል ብርሃኑ ባየህን ሌተናል ጄኔራል…

ኣብ ማይካድራ ንፁሃን ዜጋታት የጨፍጭፉ ነይሮም ዝተብሃሉ ክልተ ተጠርጠርቲ ኣብ ኣዲስ ኣበባ ካብ ዝተሓብኡሉ መዕረፊ ኣጋይሽ ተታሒዞም ናብ ቤት ፍርዲ ቀሪቦም

ኣዲስ ኣበባ፣ 20 ታሕሳስ፣ 2013(ኤፍ ቢ ሲ)ኣብ ማይካድራ ንፁሃን ዜጋታት የጨፍጭፉ ነይሮም ዝተብሃሉ ክልተ ተጠርጠርቲ ኣብ ኣዲስ ኣበባ ካብ ዝተሓብኡሉ መዕረፊ ኣጋይሽ ተታሒዞም ናብ ቤት ፍርዲ ቀሪቦም። ነቶም ተጥርጠርቲ ተቐቢሎም ሓቢኦምዎም ነይሮም ዝተብሃሉ ሰለስተ ውልቀ ሰባት እውን ናብ ቤት…