Fana: At a Speed of Life!
Browsing Category

ዜናታት ውሽጢ ዓዲ

ቀ/ሚ ኣቢይ ምስ ስድረኦም ብምዃን ፈልሲ ተኺሎም

ኣዲስ ኣበባ፣ 26 ሓምለ፣ 2012(ኤፍ ቢ ሲ)ቀዳማይ ሚኒስትር ፌዴሪኢ ዶክተር ኣቢይ ኣሕመድን ስድረኦምን ኣብ መነን ዝርብ ኣሕዳሪ ቤት ትምህርቲ ጎራዙ ተረኺቦም ምስ ተምሃሮ እቲ ቤት ትምህርቲ ፈልሲ ተኺሎም። ኣብ ኣዲስ ኣበባ ኣብ ሓንቲ ፀሓይ 2 ሚሊየን ፈልሲታት ንምትካል ዝዓለመ መርሃ ግብሪ…

ቀ/ሚ ኣቢይ ኣብ ሓደ መዓልቲ 2 ሚሊየን ፈልሲታት ንምትካል ኣብ ዝሳለጥ ዘሎ መርሃ ግብሪ እናተሳተፉ ንዝርከቡ ዜጋታት ምስጋና ኣቕሪቦም

ኣዲስ ኣበባ፣ 26 ሓምለ፣ 2012(ኤፍ ቢ ሲ)ቀዳማይ ሚኒስትር ፌዴሪኢ ዶክተር ኣቢይ ኣሕመድ ኣብ ኣዲስ ኣበባ ሎሚ መዓልቲ ጥራሕ 2 ሚሊየን ፈልሲታት ንምትካል ኣብ ዝሳለጥ ዘሎ መርሃ ግብሪ እናተሳተፉ ንዝርከቡ ዜጋታት ምስጋና ኣቕሪቦም። እቶም ቀዳማይ ሚኒስትር ኣባ ማሕበራ ሚዲያ ፌስቡክ ገፆም…

ኣብ ኣዲስ ኣበባ ሎሚ መዓልቲ ጥራሕ 2 ሚሊየን ፈልሲታት ንምትካል ዝዓለመ መርሃግብሪ ተኸላ ፈልሲ ይሳለጥ ኣሎ

ኣዲስ ኣበባ፣ 26 ሓምለ፣ 2012(ኤፍ ቢሲ)ኣብ ኣዲስ ኣበባ ሎሚ መዓልቲ መዓልቲ ጥራሕ 2 ሚሊየን ፈልሲታት ንምትካል ዝዓለመ መርሃግብሪ ብድሙቕ ኩነታት ይቕፅል ኣሎ። ካብቶም ሎሚ መዓልቲ ዝትከሉ ፈልሲታት መብዛሕተኦም ንምግቢ ዝውዕሉ ተኽልታትን ፍረምረን ኢዮም ተባሂሉ። ምክትል ከንቲባ…

ኢድና ብዝግባእ ብምሕፃብን መሸፈኒ ኣፍን ኣፍንጫን ብኣግባቡ ብምጥቃምን ኮሮና ክንከላኸል ይግባእ-ቀ/ሚ ኣቢይ

ኣዲስ ኣበባ፣  25 ሓምለ፣ 2012 (ኤፍ ቢ ሲ) ቀዳማይ ሚኒስትር ፌዴሪኢ ዶክተር ኣቢይ ኣሕመድ፥ ኢድና ብዝግባእ ብምሕፃብን መሸፈኒ ኣፍን ኣፍንጫን ብኣግባቡ ብምጥቃምን ቫይረስኮሮና ክንከላኸል ይግባእ ክብሉ ገሊፆም። እቶም ቀዳማይ ሚኒስትር፥ ብብርኪ ሃገር ቫይረስ ኮሮና ናይ ምክልኻል ስራሕቲ…

ዩኒቨርሲቲ ሳይንስን ቴክኖሎጂን ኣዳማ ንክልተ መምህራንን ተመራመርቲን ሙሉእ መዓርግ ፕሮፌሰርነት ሂቡ

ኣዲስ ኣበባ፣ 25 ሓምለ፣ 2012 (ኤፍ ቢ ሲ)ዩኒቨርሲቲ ሳይንስን ቴክኖሎጂን ኣዳማ ንክልተ መምህራንን ተመራመርቲን ሙሉእ መዓርግ ፕሮፌሰርነት ሂቡ። እቲ ዩንቨርስቲ ንፕሮፌሰር ኣሰፋ ኣባሙናን ፕሮፌሰር ኣማን ደቀቦን ንመፈለምታ እዋን ብመዓርግ ፕሮፌሰርነት ከምዝሃበ ተገሊፁ። እቶም ሙሉእ…

ኣብ ኣዲስ ኣበባ ፅባሕ ኣብ ዝሳለጥ መርሃ ግብሪ ምትካል ፈልሲ ሓምለዋይ ኣሰር ኩሉ ክፋል ሕብረተሰብ ካብ ቫይረስኮሮና ንባዕሉ ብምክልኻል ንክሳተፍ ፃውዒት…

ኣዲስ ኣበባ ፣ 25 ሓምለ ፣ 2012 (ኤፍ ቢ ሲ)ኣብ ኣዲስ ኣበባ ፅባሕ ኣብ ዝሳለጥ መርሃ ግብሪ ምትካል ፈልሲ ሓምለዋይ ኣሰር ኩሉ ክፋል ሕብረተሰብ ካብ ቫይረስ ኮሮና ንባዕሉ ብምክልኻል ንክሳተፍ ምክትል ከንቲባ ኢንጅነር ታከለ ኡማ ፃውዒት ኣቕሪቦም። እቶም ምክትል ከንቲባ ፅባሕ ሰንበት ኣብ…

ብሄራዊ ክልላዊ መንግስቲ ትግራይ ምርጫ ንምክያድ ዝጀመሮ ኢ-ሕገ መንግስታዊ ምንቅስቓስ ብህፁፅ ደው ንከብል ቤት ምኽሪ ፌዴሬሽን ኣተሓሳሲቡ

ኣዲስ ኣበባ፣ 25 ሓምለ፣ 2012 (ኤፍ.ቢ.ሲ)ብሄራዊ ክልላዊ መንግስቲ ትግራይ ምርጫ ንምክያድ ዝጀመሮ ኢ-ሕገ መንግስታዊ ምንቅስቓስ ብህፁፅ ደው ንከብል ቤት ምኽሪ ፌዴሬሽን ኣተሓሳሲቡ። እቲ ቤት ምኽሪ ንቤት ምኽሪ ብሄራዊ ክልላዊ መንግስቲ ትግራይ ኣብ ዝለኣኾ ደብዳበ፥ ብሄራዊ ቦርድ ምርጫ…

ኣብ ኢትዮጵያ ብቫይረስኮሮና ዝተለኸፉ ተወሰኽቲ 915 ሰባት እንትርከቡ 11 ሰባት ድማ ህይወቶም ስኢኖም

ኣዲስ ኣበባ፣ 25 ሓምለ፣ 2012 (ኤፍ.ቢ.ሲ)ኣብ ኢትዮጵያ ኣብ ዝሓለፉ 24 ሰዓታት ኣብ ልዕሊ 8 ሺሕን 957 ሰባት ብዝተገበረ ምርመራ ላቦራቶሪ ብቫይረስኮሮና ዝተተሓዙ ተወሰኽቲ 915 ሰባት ከምዝተረኸቡ ሚኒስቴር ጥዕና ኣፍሊጡ። ብመሰረት እዚ ኣብ ኢትዮጵያ በቲ ቫይረስ ዝተትሓዙ ሰባት ቁፅሮም…

ኣብ ታሪኻዊ ኣመፃፅኣ ዶብ ኢትዮ-ሱዳን ዘድሃበ መድረኽ ዘተ ኣብ ከተማ ጎንደር ይሳለጥ ኣሎ

ኣዲስ ኣበባ፣ 24 ሓምለ፣ 2012 (ኤፍ.ቢ.ሲ)ብምትሕብባር ዩኒቨርሲቲ ጎንደርን ምምሕዳር ዞባ ምዕራብ ጎንደርን ኣብ ታሪኻዊ ኣመፃፅኣ ዶብ ኢትዮ-ሱዳን ዘድሃበ መድረኽ ዘተ ይሳለጥ ኣሎ። ፕዚዳንት ዩኒቨርሲቲ ጎንደር ዶክተር ኣስራት ኣፀደወይን ኣብ መኽፈቲ እቲ ዘተ፥ ርክብ ህዝቢታት፣ ሓድነትን…

ቫይረስ ኮሮና ኣዶታት ንደቀን ፀባ ጡብ ካብ ምጥዋብ ከምዘይእግደን ተገሊፁ

ኣዲስ ኣበባ፣ 24 ሓምለ፣ 2012 (ኤፍ.ቢ.ሲ)ለበዳ ሕማም ቫይረስ ኮሮና ኣዶታት ንደቀን ፀባ ጡብ ካብ ምጥዋብ ከምዘይእግደን ሚኒስቴር ጥዕና ፌዴሪኢ ኣፍሊጡ። መበል 28 ዓለም ለኸ መዓልቲ ምጥዋብ ጡብ ኣዶ “ንጥዕና ሃገር ምጥዋብ ጡብ ኣዶ ንሓግዝ” ብዝብል መሪሕ ቃል ካብ 25 ሓምለ ክሳብ 1…