Browsing Category
ዜናታት ውሽጢ ዓዲ
ኣብ ኣዲስ ኣበባ 560 ኣውቶብሳት ካብ ፅባሕ ጀሚረን ናብ ስራሕ ከምዝዋፈራ ተገሊፁ
ኣዲስ ኣበባ፣ 8 ጥቅምቲ፣ 2013 (ኤፍ ቢ ሲ)ፀገም ትራንስፖርት ከተማ ኣዲስ ኣበባ ንምፍታሕ ካብ ፅባሕ ጀሚረን 560 ኣውቶብሳት ብኽራይ ናብ ስራሕ ከምዝዋፈራ ተገሊፁ።
እተን ኣውቶቢሳት፥ ምምሕዳር ከተማ ኣዲስ ኣበባ ምስ ውልቀ ማሕበራት ትራንስፖርት ብዝገበሮ ስምምዕነት ኢዩ ብኽራይ ናብ ስራሕ…
ኩባኒያታት ፈረንሳይ ኣብ ኢትዮጵያ መዋእለ ንዋዮም ከፍስሱ ከምዝደልዩ ኣምባሳደር ፈረንሳይ ኣብ ኢትዮጵያ ገሊፆም
ኣዲስ ኣበባ፣ 8 ጥቅምቲ፣ 2013 (ኤፍ ቢ ሲ)ብዙሓት ኩባኒያታት ፈረንሳይ ኣብ ኢትዮጵያ መዋእለ ንዋዮም ከፍስሱ ከምዝደልዩ ኣምባሳደር ፈረንሳይ ኣብ ኢትዮጵያ ሬሚ መርቻው ገሊፆም።
ኣምባሳደር ሬሚ መርቻው ምስ ግልጋሎት ዜና ኢትዮጵያ ኣብ ዝነበሮም ፃንሒት፥ ኣብዚ ሕዚ እዋን ኣብ ኢትዮጵያ…
ብወ/ሮ ፊልሰን ኣብዱላሂ ዝተመርሐ ጉጅለ ብምኽንያት ምምላእ ማይ ሩባ ኦሞ ኣብ ወረዳ ዳሰነች ዝተመዛበሉ ወገናት ዑደት ኣካይዱ
ኣዲስ ኣበባ፣ 8 ጥቅምቲ፣ 2013 (ኤፍ ቢ ሲ)ብሚኒሰስትር መናእሰይ፣ ደቂኣንስትዮን ህፃናትን ብምኽንያት ምምላእ ማይ ሩባ ኦሞ ኣብ ወረዳ ዳሰነች ዝተመዛበሉ ወገናት ዑደት ኣካይዱ።
ኣብ ዞባ ደቡብ ወረዳ ዳሰነች ሩባ ኦሞ ብምምልኡ ልዕሊ 62 ሺሕ ዜጋታት ካብ መረበቶም ተመዛቢሎም ኢዮም።
ሎሚ…
መሪሕ ትልሚ 10ን 5ን ዓመት ሚኒስቴር ልምዓት ከተማን ኮንስትራክሽንን ዝምልከት ዘተ ተሳሊጡ
ኣዲስ ኣበባ ፣ 7 ጥቅምቲ፣ 2013 (ኤፍ ቢ ሲ)መሪሕ ትልሚ ቀፃሊ 10ን 5ን ዓመት ሚኒስቴር ልምዓት ከተማን ኮንስትራክሽንን ዝምልከት ዘተ ተሳሊጡ።
ህዝቢ ብማሕበራዊን ኢኮኖሚያውን ልምዓት ተረባሒ ክገብሩ ኣብ ዝኽእሉ ቀንዲ ቀንዲ ስራሕቲን ኣንፈታትን ዘድሃበ ትልሚ ኢዩ ተባሂሉ።
ብመሰረት…
ቀዳማይ ሚኒስትር ዶክተር ኣቢይ ኣሕመድ ምስ ፕሬዚዳንት ሲሪል ራማፎሳ ተዛቲዮም
ኣዲስ ኣበባ ፣ 7 ጥቅምቲ፣ 2013 (ኤፍ.ቢ.ሲ)ቀዳማይ ሚኒስትር ፌዴሪኢ ዶክተር ኣቢይ ኣሕመድ ምስ ፕሬዚዳንት ደቡብ ኣፍሪካ ሲሪል ራማፎሳ ብስልኪ ተዛቲዮም።
እቶም መራሕቲ ርክብ ክልቲአን ሃገራትን ጉዳያት ቀጠና ኣፍሪካን ብዝምልከት ውፅኢታዊ ዘተ ከምዝገበሩ ቀዳማይ ሚኒስትር ዶክተር ኣቢይ ኣብ…
ዝተፈላለያ ትካላት ንመኣዲ ንሃገር ዝኸውን ደገፍ ይገብራ ኣለዋ
ኣዲስ ኣበባ ፣ 7 ጥቅምቲ፣ 2013 (ኤፍ ቢ ሲ)ቤት ፅሕፈት ቀዳማይ ሚኒስትር ኮይሻ፣ ጎርጎራን ወንጪን ብሓባር ንምልማዕ ንዝቐረበ ፃውዒት ብምቕባል ንመኣዲ ንሃገር ዝኸውን ደገፍ ንዝገብራ ዘለዋ ዝተፈላለያ ትካላት አመስጊኑ።
ብመሰረት እዚ፦
ባልኪ ዳሸን - 30 ሚሊየን ብር…
ኩለን ዩንቨርስቲታት ካብ 23 ክሳብ 30 ጥቅምቲ ቀዳማይ ዙር ምቕባል ተምሃሮ ክገብራ ኢየን
ኣዲስ ኣበባ፣ 7 ጥቅምቲ፣ 2013 (ኤፍ.ቢ.ሲ)ሚኒስትር ሳይንስን ላዕለዎት ትካላት ትምህርቲን ዶክተር ሳሙኤል ኡርቃቶ ኩለን ዩንቨርስቲታት ካብ 23 ክሳብ 30 ጥቅምቲ 2013 ዓ.ም ቀዳማይ ዙር ምቕባል ተምሃሮ ንክገብራ ኣተሓሳሲቦም።
እቶም ሚኒስትር ኣብ ቀረባ እዋን ብመሰረት ፕሮቶኮል ኮቪድ-19…
ኣብ ኢትዮጵያ ትማሊ ብዝተገበረ ምርመራ ብቫይረስ ኮሮና ዝተለኸፉ ተወሰኽቲ 665 ሰባት ተረኺቦም
ኣዲስ ኣበባ፣ 07 ጥቅምቲ፣ 2013(ኤፍ.ቢ.ሲ)ኣብ ኢትዮጵያ ትማሊ ኣብ ልዕሊ 6 ሺሕን 569 ሰባት ብዝተገበረ ምርመራ ላቦራቶሪ ብቫይረስኮሮና ዝተተሓዙ ተወሰኽቲ 665 ሰባት ከምዝተረኸቡ ሚኒስቴር ጥዕና ኣፍሊጡ።
ብመሰረት እዚ ኣብ ኢትዮጵያ በቲ ቫይረስ ዝተትሓዙ ሰባት ቁፅሮም 87 ሺሕን 834…
ኣይተ ልደቱ ብዝቐረበሎም 2ይ ክሲ ተለዋጢ ቆፆሮ ተዋሂቡ
ኣዲስ ኣበባ፣ 6 ጥቅምቲ፣ 2013 (ኤፍ.ቢ.ሲ)ኣይተ ልደቱ ኣያሌው ሕገ-መንግስቲ ንምፍራስ ብምሕሳብ ንሕገ-መንግስቲ ዝፃረሩ ዝተፈላለዩ ሰነዳት ስግግር ኣዳሊዮም ብዝብል ዝቐረበሎም 2ይ ክሲ ተለዋጢ ቆፀሮ ተዋሂቡ።
ሎሚ መዓልቲ ኣብ ላዕለዋይ ቤት ፍርዲ ምድብ ዞባ ምብራቕ ዝነበረ መጋባእያ፥…
መንግስቲ ኔዘርላንድ ብር 67 ሚሊየን ዋጋ ዘለዎም ኣቑሑት መከላኸሊ ኮቪድ-19 ድጋፍ ገይሩ
ኣዲስ ኣበባ፣ 6 ጥቅምቲ፣ 2013 (ኤፍ.ቢ.ሲ)መንግስቲ ኔዘርላንድ ካርድ ኤይድ ምስ ዝተብሃለ መንግስታዊ ዘይኮነ ትካል ገባሪ ሰናይ ብምትሕብባር ብር 67 ሚሊየን ዋጋ ዘለዎም ኣቑሑት መከላኸሊን መሐከሚን ኮቪድ-19 ሓገዝ ምግባሩ ተገሊፁ።
እቲ ሓገዝ ሚኒስትር ዲኤታ ጥዕና ዶክተር ደረጀ ድጉማ…