Fana: At a Speed of Life!
Browsing Category

ዜናታት ውሽጢ ዓዲ

በዓል ትንሳኤ እንትነኽብር ሕውነትና ብምጥንኻርን ቫይረስ ኮሮና ብምክልኻልን ክኸውን ይግባእ-ቀ/ሚ ዶ/ር ኣቢይ  

ኣዲስ ኣበባ፣ 10 ሚያዚያ፣ 2012 (ኤፍ.ቢ.ሲ)በዓል ትንሳኤ እንትነኽብር ሕውነትና ብምጥንኻርን ቫይረስኮሮና ብምክልኻልን ክኸውን ከምዝግባእ ቀዳማይ ሚኒስትር ፌዴሪኢ ዶክተር ኣቢይ ኣሕመድ ገሊፆም። እቶም ቀዳማይ ሚኒስትር በዓል ትንሳኤ ኣመልኪቶም ሎሚ መዓልቲ ኣብ ዘመሓላለፍዎ መልእኽቲ፥ ንኹሎም…

ኢ/ር ታከለ ኡማ ንዝተፈላለዩ መናእሰይ ንበዓል ዝኸውን ውህብቶ ኣበርኪቶም

ኣዲስ ኣበባ፣ 10 ሚያዚያ፣ 2012 (ኤፍ.ቢ.ሲ)ምክትል ከንቲባ ምምሕዳር ከተማ ኣዲስ ኣበባ ኢንጂነር ታከለ ኡማ ንዝተፈላለዩ መናእሰይ ንበዓል ዝኸውን ውህብቶ ኣበርኪቶም። እቶም ምክትል ከንቲባ ኣብ ዝተፈላለዩ ከባቢታት ንዝነብሩ መናእሰይ 40 ኣብዑር ዝሃቡ እንትኾኑ፥ እቶም ኣብዑር ካብ ሰብ…

ህዝብና መንግስቲ ብመሰረት ዘውረዶ መምርሒ ብሙሉእ ትግሃት ንዝገብሮ ዘሎ ምንቅስቓስ እንእድ – ዶክተር ደብረፂዮን

ኣዲስ ኣበባ፣ 10 ሚያዚያ፣ 2012 (ኤፍ.ቢ.ሲ)ምክትል ርእሰ ምምሕዳር ብሄራዊ ክልላዊ መንግስቲ ትግራይ ዶክተር ደብረፂዮን ገብረሚካኤል ህዝቢ ቫይረስ ኮሮና ንምክልኻልን ንምቁፅፃርን ዓሊሙ  መንግስቲ ብመሰረት ዘውረዶ መምርሒ  ህዝቢ ብሙሉእ ትግሃት ንዝገብሮ ዘሎ ምንቅስቓስ ንኢዶም። እቶም ርእሰ…

በዓል ትንሳኤ ምንቅስቓሳትና ገዲብና እነኽብሮ ክኸውን ኣለዎ – ዶ/ር ሊያ ታደሰ

ኣዲስ ኣበባ፣ 9 ሚያዚያ፣ 2012 (ኤፍ ቢ ሲ)ሰባት በዓል ትንሳኤ እንተኽብ ምንቅስቓሳቶም ገዲዲቦም ከኽብሩዎ ከምዝግባእ ሚኒስትር ጥዕና ፌዴሪኢ ዶክተር ሊያ ታደሰ ገሊፀን። እተን ሚኒስትር በዓል ትንሳኤ ምኽንያት ብምግባር ናይ እንኳዕ ኣብፀሐኩም መልእኽቲ ኣመሓላሊፈን። ኣብ መልእኽተን…

ኣብ ኢትዮጵያ ብቫይረስ ኮሮና ዝተለኸፉ ተወሰኽቲ 4 ሰባት ተረኺቦም

ኣዲስ ኣበባ፣ 9 ሚያዚያ፣ 2012 (ኤፍ ቢ ሲ)ኣብ ኢትዮጵያ ብቫይረስ ኮሮና ዝተለኸፉ ተወሰኽቲ ኣርባዕተ ሰባት ከምዝተረኸቡ ሚኒስቴር ጥዕና ኣፍሊጡ። ሚኒስትር ጥዕና ዶክተር ሊያ ታደሰ ከምዝገለፀኦ፥ ኣብ ዝሓለፉ 24 ሰዓታት ምርመራ ላቦራቶሪ ካብ ዝተገበረሎም 842 ሰባት እቶም ኣርባዕተ ውልቀ…

እንግሊዝ ኢትዮጵያ ዝርገሐ ቫይረስ ኮሮና ንምክልኻል ትገብሮ ፃዕሪ ንምሕጋዝ ኣቑሑት ሕክምና ልኢኻ

ኣዲስ ኣበባ፣ 9 ሚያዚያ፣ 2012 (ኤፍ ቢ ሲ)እንግሊዝ ኣብ ኢትዮጵያ ዝርገሐ ቫይረስ ኮሮና ንምክልኻል ዝግበር ፃዕሪ ንምሕጋዝ ዘኽእሉ ኣቑሑት ሕክምና ልኢኻ። እቶም ኣቑሑት ሕክምና ሎሚ መዓልቲ ናብ ኣዲስ ኣበባ ዝኣተዉ እንትኾኑ፥ ዝርገሐ ኮቪድ-19 ንምቁፅፃር ዝግበር ዘሎ ፃዕሪ ንምሕጋዝ…

ፕሬዚዳንት ሳህለወርቅን ኢንጂነር ታከለን ንበዓል ትንሳኤ ዝኸውን ህያብ ኣበርኪቶም

ኣዲስ ኣበባ፣ 9 ሚያዚያ፣ 2012 (ኤፍ ቢ ሲ)ፕሬዚዳንት ፌዴሪኢ ሳህለወርቅ ዘውዴን ምክትል ከንቲባ ምምሕዳር ከተማ ኣዲስ ኣበባ ኢንጂነር ታከለ ኡማን ኣብ ዝተፈላለዩ ከባቢታት ኣዲስ ኣበባ ተረኺቦም ንበዓል ትንሳኤ ዝኾኑ ህያባት ኣወፊዮም። ብመሰረት እዚ ኣብ ቤት ትምህርቲ መነን ናብ ዝርከብ…

ዶክተር ሊያ ታደሰ ንሰብ ሞያታት ሕክምና ቻይና ምስጋና ኣቕሪበን

ኣዲስ ኣበባ፣ 9 ሚያዚያ፣ 2012 (ኤፍ.ቢ.ሲ)ሚኒስትር ጥዕና ዶክተር ሊያ ታደሰ ኢትዮጵያ ቫይረስ ኮሮና ንምክልኻል ትገብሮ ፃዕሪ ንምሕጋዝ ንዝተለኣኹ ጉጅለ ሰብ ሞያታት ሕክምና ቻይና ኣመስጊነን። እተን ሚኒስትር ኣብ መሕበራዊ ሚዲያ ፌስ ቡክ ገፀን ከምዝፀሓፈኦ፥ እቶም ሰብ ሞያታት ሕክምና ኣብ…

ብዳህሳስ ገዛ ንገዛ ቫይረስ ኮሮና ኣብ መላእ ትግራይ 33 ጥርጡራት ከምዝተረኸቡ ተገሊፁ

ኣዲስ ኣበባ፣ 9ሚያዚያ፣ 2012 (ኤፍ.ቢ.ሲ)ካብ 5 ሚያዝያ ክሳብ ትማሊ 8 ሚያዝያ 2012 ዓ.ም ብዝተዛዘመ ዳህሳስ ገዛን ገዛ ቫይረስ ኮሮና 33 ጥርጡራት ከምዝተረኸቡ ቢሮ ሓለዋ ጥዕና ክልል ትግራይ ኣፍሊጡ። እቲ ዳህሳስ፥ ብቐዳምነት ሕብረተሰብ ኣብቲ ሕማም ዘለዎ ግንዛበ እንታይ ከምዝመስል…

ስነ ስርዓት በዓል ዓርቢ ስቕለት ብመላእ ተኸተልቲ እምነት ክርስትና ይኽበር ኣሎ

ኣዲስ ኣበባ፣ 9ሚያዚያ፣ 2012 (ኤፍ.ቢ.ሲ)ስነ ስርዓት በዓል ስቕለት ኢየሱስ ክርስቶስ ብመላእ ተኸተልቲ እምነት ክርስትና ይኽበር ኣሎ። እቲ በዓል፥ ብተኸተልቲ እምነት ኦርቶዶክስ ተዋህዶ ቤተ ክርስቲያን ኢትዮጵያ፣ ካቶሊካዊት ቤተ-ክርስቲያንን ሕብረት ኣቢያተ ክርስቲያናት ወንጌላውያንን…