Fana: At a Speed of Life!
Browsing Category

ዜናታት ውሽጢ ዓዲ

ብርእሰ ዓቕሚ ውሕስና ምግቢ ናይ ምርግጋፅ ትልሚና እነዕውተሉ መገዲ ልምዓት ስርናይ ሓደ ኢዩ – ም/ቀ/ሚ ተመስገን ጥሩነህ

ኣዲስ ኣበባ፣ 8 ሕዳር፣ 2017 (ኤፍ ቢ ሲ)ብርእሰ ዓቕሚ ውሕስና ምግቢ ናይ ምርግጋፅ ትልሚና እነዕውተሉ መገዲ ልምዓት ስርናይ ሓደ ኢዩ ከብሉ ምክትል ቀዳማይ ሚኒስትር ተመስገን ጥሩነህ ገሊፆም። ምክትል ቀዳማይ ሚኒስትር ተመስገን ጥሩነህ ሎሚ መዓልቲ ኣብ ክልል ዓምሓራ ዞባ ሰሜን ሸዋ ወረዳ…

መንግስቲ ኢትዮጵያ ብሕልፈት ነበር ፕሬዚዳንት ሶማሊላንድ ዝተሰመዖ ሓዘን ገሊፁ

ኣዲስ ኣበባ፣ 8 ሕዳር፣ 2017 (ኤፍ ቢ ሲ)መንግስቲ ኢትዮጵያ ብሕልፈት ነበር ፕሬዚዳንት ሶማሊላንድ ኣሕመድ ሞሓመድ ሞሓመድ ዝተሰመዖ ሓዘን ገሊፁ። ነበር ፕሬዚዳንት ኣሕመድ ሞሓመድ ሞሓመድ ርክብ ኢትዮጵያን ሶማሊላንድን ብዝበለፀ ኣብ ምጥንኻር ልዑል ኣስተዋፅኦ ዝገበሩ ፈታዊ ኢትዮጵያ ከምዝነበሩ…

ዓብዪ ጉያ ኣብ ኢትዮጵያ ብዓወት ተዛዚሙ

ኣዲስ ኣበባ፣ 8 ሕዳር፣ 2017 (ኤፍ ቢ ሲ)ብዙሓት ዜጋታት ዝተሳተፉሉ ዓብዪ ጉያ ኣብ ኢትዮጵያ ብዓወት ከምዝተዛዘመ ፖሊስ ፌደራል ኣፍሊጡ፡፡ ፖሊስ ፌደራል ኢትዮጵያ ብቴክኖሎጂ ብምሕጋዝ ምስ ካልኦት ኣካላት ፀፅታን ድሕንነትን ብምውዳድ ድሕንነት ተሳታተፍቲ እቲ ውድድር ተሓሊዩ ብሰላም ንኽዛዘነ…

ኣብ ኢትዮጵያ ዝካየድ ዘሎ ዘተ ንክልል ትግራይ ዘግለለ ክኸውን ኣይኽአልን-መስፍን ኣርዓያ (ፕ/ር)

ኣዲስ ኣበባ፣ 7 ሕዳር፣ 2017 (ኤፍ ቢ ሲ)ኣብ ኢትዮጵያ ሃገራዊ ዘተ ተሳሊጡ ዝበሃል ኹሉ ኢትዮጵያዊ እንትሳተፍ ኢዩ ክብሉ ኮሚሽነር ኮሚሽን ሃገራዊ ዘተ ኢትዮጵያ መስፍን ኣርዓያ (ፕ/ር) ገሊፆም። እቲ ኮሚሽን ካብ ኣርባዕቲአን ዩንቨርስታት ትግራይ ምስ ዝመፅኡ ኣባላት ማሕበረሰብ ላዕለዎት…

በዓል ሕዳር ፅዮን ምኽኒያት ብምግባር መስሕባት ቱሪስት ናይ ምፍላጥ ስራሕ ክካየድ ኢዩ

ኣዲስ ኣበባ፣ 7 ሕዳር፣ 2017 (ኤፍ ቢ ሲ)በዓል ሕዳር ፅዮን ምኽኒያት ብምግባር መስሕባት ቱሪስት ከተማ ኣክሱምን ከባቢኡን ናይ ምፍላጥ ስራሕ ከምዝካየድ ተገሊፁ። ሓላፊ ቤት ፅሕፈት ባህሊን ቱሪዝምን እታ ከተማ ኣይተ ገብረመድህን ፍፁምብርሃን፥ 21 ሕዳር ዝኽበር ንግሰ በዓል ፅዮን ማሪያም…

ኢትዮጵያ ንክትምዕብል መሰረት ዘንብሩ ትልሚታት ይትግበሩ ኣለዉ- ለገሰ ቱሉ (ዶ/ር)

ኣዲስ ኣበባ፣ 7 ሕዳር፣ 2017 (ኤፍ ቢ ሲ)ኢትዮጵያ ንክትምዕብል መሰረት ዘንብሩ ትልሚታት ይትግበሩ ኣለዉ ከብሉ ሚኒስትር ኣገልግሎት ኮሚኒኬሸን መንግስቲ ለገሰ ቱሉ (ዶ/ር) ገሊፆም። እቶም ሚኒስትር ኣብ እዋናዊ ሃገራዊን መንግስታዊን ጠመተ ኣብ ዝገበሩ ዛዕባታት መግለፂ ሂቦም። ኣብቲ…

ኢትዮጵያ ዘቕረበቶ ሃገራዊ ፀብፃብ መሰረት ብምግባር ኣብ ትሮይካ ሰለስቲኣዊ ጉጅለ ዝቐረበ ፀብፃብ ፀዲቑ

ኣዲስ ኣበባ፣ 7 ሕዳር፣ 2017 (ኤፍ ቢ ሲ)ኢትዮጵያ ኣብ መበል ራብዓይ ኩለ መዳይ መድረኽ ገምጋም ሰብኣዊ መሰላት ዘቕረበቶ ሃገራዊ ፀብፃብ መሰረት ብምግባር ኣብ ትሮይካ ዝተዳለወ ሰለስቲኣዊ ጉጅለ ፀብፃብ ፀዲቑ። ኢትዮጵያ ኣብ መበል ራብዓይ መድረኽ ኩለ መዳይ ሰብኣዊ መሰል ውድብ ሕቡራት…

ሰራሕተኛታት ቤት ፅሕፈት ቀዳማይ ሚኒስትር ደም ለጊሶም

ኣዲስ ኣበባ፣ 6 ሕዳር፣ 2017 (ኤፍ ቢ ሲ) ሰራሕተኛታት ቤት ፅሕፈት ቀዳማይ ሚኒስትር ደም ለጊሶም። እቶም ሰራሕተኛታት ደም መልጋስ ህይወት ሰብ ምድሓን ከምዝኾነ ገሊፆም። ሕብረተሰብ ደም ምልጋስ ባህሉ ብምምዕባል ንወገኑ ብተግባር ከርእይ ፃውዒት ኣቕሪቦም።

ከንቲባ ኣዳነች ኣቤቤ ምስ ዳይሬክተር ባንኪ ዓለም ኣብ ኢትዮጵያ ተዛቲየን

ኣዲስ ኣበባ፣ 6 ሕዳር፣ 2017 (ኤፍ ቢ ሲ)ከንቲባ ምምሕዳር ከተማ ኣዲስ ኣበባ ኣዳነች ኣቤቤ ዳይሬክተር ባንኪ ዓለም ኣብ ኢትዮጵያ፣ ኤርትራ፣ ሱዳንን ደቡብ ሱዳንን ምስ ዝኾና ማርያም ሳሊም  ተዛቲየን። እተን ከንቲባ ኣብ ማሕበራዊ ሚዲያ ገፀን ኣብ ዘመሓላለፈኦ መልእኽቲ፤ እቲ ዘተ ዕዉት…

ኢትዮጵያ ተመራፂት መብፅሒት ንምግባር

ኣዲስ ኣበባ፣ 6 ሕዳር፣ 2017 (ኤፍ ቢ ሲ)ንኢትዮጵያ ተመራፂ መብፅሒት በፃሕቲ ንምግባር ኣብ ዝሳለጥ ስራሕ ኣብ ቪዛታት ቱሪስትን ኮንፈረንስን ክሳብ 25 ሚኢታዊ ምንካይ ምግባሩ ዕዙዝ ኣስተዋፅኦ እናበርከተ ከምዝኾነ ተሓቢሩ፡፡ ኢንዱስትሪ ቱሪዝም ኢትዮጵያ ንምብርትታዕ ኣብ 2016 ዓ.ም ዝፀደቐ…