Browsing Category
ዜናታት ውሽጢ ዓዲ
በዓል መስቀል ብዘይፀገም ፀፅታ ንምኽባር ዘኽእል ምድላው ተዛዚሙ-ሓበራዊ ግብረ ሓይሊ
ኣዲስ ኣበባ፣ 8 መስከረም፣ 2016 (ኤፍ ቢ ሲ)በዓል መስቀል ብዘይፀገም ፀፅታ ንምኽባር ዘኽእል ምድላው ከምዝተዛዘመ ሓበራዊ ግብረ ሓይሊ ፀፅታን ድሕንነትን ኣፍሊጡ።
ኣከባብራ እቲ በዓል ጠመተ ብምግባር፥ ኣባላት እቲ ግብረ ሓይሊን መራሕቲ ሃይማኖትን መድረኽ ዘተ ኣሳሊጦም።
ምክትል ኮሚሽነር…
ፋውንዴሽን ፎር ሩራል ደቨሎፕመንት ቻይና ን3 ሽሕ ተምሃሮ 4 ነጥቢ 5 ሚልየን ብር ዋግኦም ናውቲ ትምህርቲ ሓጊዙ
ኣዲስ ኣበባ፣ 8 መስከረም፣ 2016 (ኤፍ ቢ ሲ)“ቻይና ፋውንዴሽን ፎር ሩራል ደቨሎፕመንት” ዝተብሃለ ዓለምለኻዊ ትካል ገባሪ ሰናይ ኣብ ከተማ መቐለ ንዝርከቡ 3 ሽሕ ተምሃሮ 4 ነጥቢ 5 ሚልየን ብር ዋግኦም ናውቲ ትምህርቲ ሓጊዙ።
ኣተሓባባሪ እቲ ፋውንዴሽን ኣይተ ዳንኤል ወርቁ፥ እቲ ሓገዝ…
በዓላት መስቀልን ኢሬቻን ብሰላም ንክኽበሩ መናእሰይ ግደኦም ንክዋፅኡ ተሓቲትቱ
ኣዲስ ኣበባ፣ 8 መስከረም፣ 2016 (ኤፍ ቢ ሲ)ኣብ ዝቕፅል ሰሙን ዝኽበሩ በዓላት መስቀልን ኢሬቻን ብሰላም ንክኽበሩ መናእሰይ ግደኦም ንክዋፅኡ ተሓቲትቱ።
“መግለፂ ሓድነት፣ ሕውነትን ፍቕሪን ዝኾኑ እቶም ሃይማኖታዊን ህዝባዊን በዓላት ብሓባር ነኽብር” ብዝብል መሪሕ ሓሳብ ልዕሊ 5 ሺሕ መናእሰይ…
ኣብ ከተማ መቐለ ዝተሃነፀ ማእኸል መሐብሐቢ ጉዱኣት ኣካል ተመሪቑ
ኣዲስ ኣበባ፣ 8 መስከረም፣ 2016 (ኤፍ ቢ ሲ)ኣብ ክልል ትግራይ ከተማ መቐለ ዝተሃነፀ ማእኸል መሐብሐቢ ጉዱኣት ኲናት ሎሚ መዓልቲ ተመሪቑ።
እቲ ማእኸል ርእሰ ምምሕዳር ግዚያዊ ምምሕዳር ክልል ትግራይ ኣይተ ጌታቸው ረዳን ነበር ርእሰ ምምሕዳር እቲ ክልል ደብረፅዮን ገብረሚካኤል (ዶ/ር)ን…
ኣብ ክፍለ ከተማ ቦሌ ኣብ ውሽጢ መንበሪ ገዛ ንፅንፈኛ ሓይሊታት ንክወሃቡ ዝተዳለዉ ወተሃደራዊ ናውቲታት ተታሒዞም
ኣዲስ ኣበባ፣ 8 መስከረም፣ 2016 (ኤፍ ቢ ሲ)ኣብ ኣዲስ ኣበባ ክፍለ ከተማ ቦሌ ኣብ ውሽጢ መንበሪ ገዛ ኣብ ክልል ኣምሓራ ንዝንቀሳቐሱ ፅንፈኛ ሓይሊታት ንክወሃቡ ዝተዳለዉ ወተሃደራዊ ናውቲታትን ሰነዳትን ተታሒዞም።
ጌታሁን ኣስፋው ጌታሁን ዝተብሃለን ነቶም ፅንፈኛታት ዝቐውን ሎጂስቲክስ…
ኮሚሽነር ላዕለዋይ ኮሚሽን ውሕመ ኢትዮጵያ ንፍልሰተኛታት እትገብሮ ዘላ እንግዶት ንኢዶም
ኣዲስ ኣበባ ፣ 8 መስከረም፣ 2016 (ኤፍ ቢ ሲ)ኮሚሽነር ላዕለዋይ ኮሚሽን ውድብ ሕቡራት መንግስታት(ውሕመ)ፊሊፖ ግራንዴ ኢትዮጵያ ንፍልሰተኛታት እትገብሮ ዘላ እንግዶት ንኢዶም።
ምክትል ቀዳማይ ሚኒስትርን ሚኒስትር ጉዳያት ወፃኢን ኣይተ ደመቀ መኮነን ምስቶም ኮሚሽነር ዘቲዮም።
ኢትዮጵያ…
መገዲ ኣየር ኢትዮጵያ ኣብ ካናዳ ናይ በረራ ኣድማሱ ንምስፋሕ ዘኽእሎ ምኽክር ተኻይዱ
ኣዲስ ኣበባ፣ 8 መስከረም፣ 2016 (ኤፍ ቢ ሲ)መገዲ ኣየር ኢትዮጵያ ኣብ ካናዳ ናይ በረራ ኣድማሱ ንምስፋሕ ዘኽእሎ ምኽክር ተኻይዱ።
እቲ ምኽክሩ፥ ብሚኒስትር ዴኤታ ጉዳያት ወፃኢ ኣምባሳደር ምስጋኑ ኣርጋ ዝምራሕ ጉጅለ ልኡኽ ምስ ዋና ተደራዳሪ መገዲ ኣየር ካናዳ ሸንድራ ሜሊያን ተደራዳሪ…
በዓል መስቀል “መስቀል ንሰላምን ዳግመ ሕውየትን ትግራይ” ብዝብል መሪሕ ሓሳብ ኣብ ትግራይ ክኽበር እዩ
ኣዲስ ኣበባ፣ 8 መስከረም፣ 2016 (ኤፍ ቢ ሲ)በዓል መስቀል 2016 ዓ.ም "በዓል መስቀል ንሰላምን ዳግመ ሕውየትን ትግራይ" ብዝብል መሪሕ ሓሳብ ኣብ ትግራይ ከም ዝኽበር ሓላፊ ቢሮ ባህልን ቱሪዝምን ግዚያዊ ምምሕዳር ክልል ትግራይ ኣፅብሃ ገብረግዚኣብሄር (ዶ/ር)ገሊፆም።
እቶም ሓላፊ ሎሚ ኣብ…
ኣይተ ደመቀ መኮንን ምስ ዋና ፈፃሚ ስራሕ ፋውንዴሽን ቢልን ሜሊንዳ ጌትስን ተዛቲዮም
ኣዲስ ኣበባ፣ 8 መስከረም፣ 2016 (ኤፍ ቢ ሲ)ምክትል ቀዳማይ ሚኒስትርን ሚኒስትር ጉዳያት ወፃኢን ኣይተ ደመቀ መኮንን ምስ ዋና ፈፃሚ ስራሕ ፋውንዴሽን ቢልን ሜሊንዳ ጌትስን ማርክ ሱዝማን ተዛቲዮም።
ኣይተ ደመቀ መኮንን ኣብ ዘተኦም÷ ኣብ ሞንጎ ኢትዮጵያን እቲ ፋውንዴሽንን ዘሎ ርክብ ዝነኣድ…
ኣብ ትግራይ ካብ ፅባሕ ጀሚሩ ስሩዕ ዘበነ ትምህርቲ 2016 ዓ.ም ክጅመር ኢዩ
ኣዲስ ኣበባ፣ 8 መስከረም፣ 2016 (ኤፍ ቢ ሲ)ንዝሓለፉ ሓሙሸተ መዓልታት ክዋሃብ ዝፀንሐ ስልጠና መምህራንን ኪኢላታት ትምህርትን ብዝተተለመሉ መንገዲ ከምዝተዛዘመ ቢሮ ትምህርቲ ግዚያዊ ምምሕዳር ክልል ትግራይ ኣፍሊጡ።
እቲ ስልጠና ንክዕወት ኣስተዋፅኦ ንዝገበሩ መምህራን፣ ኣመራርሓ ትምህርቲ፣…