Fana: At a Speed of Life!
Browsing Category

ዜናታት ውሽጢ ዓዲ

ኢትዮጵያ ሕርሻ ብምዝማን ብምግቢ ባዕልኻ ንምኽኣል ትገብሮ ፃዕሪ ንሃገራት ኣፍሪካ ኣብነት ይኸውን ኢዩ ተባሂሉ

ኣዲስ ኣበባ፣ 17 ጥሪ፣ 2015 (ኤፍ ቢ ሲ)ኢትዮጵያ ሕርሻ ብምዝማን ብምግቢ ባዕልኻ ንምኽኣል ትገብሮ ዘላ ፃዕሪ ንሃገራት ኣፍሪካ ኣብነት ከምዝኸውን ተገሊፁ። “ንኣፍሪካ ንመግብ” ብዝብል መሪሕ ሓሳብ ውሕስና ምግቢ ንምርግጋፅ ኢሉ እውን ንባዕልኻ ኣብ ምኽኣል ዘድሃበ ኣኼባ ሴኔጋል ዳካር ይሳለጥ…

ልዕሊ 1 ሺሕ ኢትዮጵያውያን ካብ ስዑድ ዓረብ ናብ ሃገሮም ተመሊሶም

ኣዲስ ኣበባ፣ 17 ጥሪ፣ 2014 (ኤፍ ቢ ሲ)ሎሚ መዓልቲ ብሰለስተ ዙር ብዝተገበረ ዜጋታት ካብ ስዑድ ዓረብ ናይ ምምላስ ስራሕ ብሓፈሻ ቁፅሮም 1 ሺሕን 21 ኢትዮጵያውያን ናብ ሃገሮም ተመሊሶም። ተመለስቲ ግቡእ ሓገዝን ክንክንን ብምግባር ናብ ዝተሰናደአሎም ግዚያዊ መዕረፊ ክኸዱ ከምዝተገበረ ካብ…

ንጉባኤ ሕብረት ኣፍሪካ እናተገበሩ ዝርከቡ ስራሕቲ ምድላዋት ዝተመልከተ ገምጋም ተኻይዱ

ኣዲስ ኣበባ፣ 17 ጥሪ፣ 2015 (ኤፍ ቢ ሲ)ኣብ ወርሒ ለካቲት ንዝካየድ ጉባኤ ሕብረት ኣፍሪካ እናተገበሩ ዝርከቡ ስራሕቲ ምድላዋት ዝተመልከተ ገምጋም ተኻይዱ። መበል 36 ጉባኤ መራሕቲ ሕብረት ኣፍሪካን መበል 42 ጉባኤ ኣፈፀምቲ ስራሕ እቲ ሕብረትን ከም ኣቆፃፅራ ኣውሮፓውያን ካብ 15 ክሳብ…

ንህዝበ ውሳነ ክልል ደቡብ ኢትዮጵያ ልዕሊ 3 ሚሊየን መረፅቲ ካርድ ወሲዶም

ኣዲስ ኣበባ ፣ 17 ጥሪ፣ 2015 (ኤፍ ቢ ሲ)ንህዝበ ውሳነ ክልል ደቡብ ኢትዮጵያ ልዕሊ 3 ሚሊየን መረፅቲ ካርድ ከምዝወሰዱ ብሄራዊ ቦርድ መረፃ ኢትዮጵያ ኣፍሊጡ። እቲ ቦርድ ኣብ ትሕቲ ክልላዊ መንግስቲ ብ/ብ/ሕ/ ደቡብ ዝርከባ ሽዱሽተ ዞባታትን ሓሙሽተ ፍሉያት ወረዳታትን 29 ጥሪ 2015…

ኣይተ ኣህመድ ሽዴ ኣብ ኣፈፃፅማ ፕሮጀክት ዳግመ ምጥያሽ ኣድሂቦም ምስ ዝተፈላለዩ ሚኒስትራት ተዛቲዮም

ኣዲስ ኣበባ ፣ 17 ጥሪ፣ 2015 (ኤፍ ቢ ሲ)ሚኒስትር ገንዘብ ኣይተ ኣህመድ ሽዴ ብጎንፂ ዝተጎድኡ ከባቢታት ኣብ ፕሮጀክት ዳግመ ምጥያሽ ኣድሂቦም እቲ ጉዳይ ብቐጥታ ምስ ዝምልከቶም ሚኒስትራትን ሚኒስትር ዲኤታታትን ተዛቲዮም። ኣብቲ መድረኽ ዘተ ብሴክሬታሪያት ዳግመ ምጥያሽን መዳርግቲ ኣካላትን…

ትካል ትራንስፖርት ባሕሪን ሎጀስቲክስን ኣብ 6 ኣዋርሕ 19 ነጥቢ 5 ቢሊየን ብር ኣታዊ ረኺቡ

ኣዲስ ኣበባ፣ 16 ጥሪ፣ 2015 (ኤፍ ቢ ሲ)ትካል ኣገልግሎት ትራንስፖርት ባሕሪን ሎጀስቲክስን ኢትዮጵያ ኣብ 6 ኣዋርሕ 19 ነጥቢ 5 ቢሊየን ብር ኣታዊ ከምዝረኸበ ኣፍሊጡ። እቲ ትካል ኣፈፃፅማ ትልሚ በጀት ዓመት ሽዱሽተ ወርሒ ኣመልኪቲ ጋዜጣዊ መግለፂ ሂቡ። ዋና ፈፃሚ ስራሕ እቲ…

ቀዳማይ ሚኒስትር ኣቢይ ምስ ፕሬዚዳንት ፈረንሳይ ኢማኑኤል ማክሮን ተዛቲዮም

ኣዲስ ኣበባ፣ 17 ጥሪ፣ 2015 (ኤፍ ቢ ሲ) ቀዳማይ ሚኒስትር ፌዴሪኢ ኣቢይ ኣሕመድ ምስ ፕሬዚዳንት ፈረንሳይ ኢማኑኤል ማክሮን ተዛቲዮም። ኣብ ዘተኦም ኢትዮጵያን ፈረንሳይን ኣብ ዝተፈላለዩ ዓውዲታት ብሓባርን ብምውዳድን ምስራሕ ኣብ ዝኽእሉሎም ጉዳያት ትኹረት ገይሮም፡፡ ቀዳማይ ሚኒስትር…

ባይቶ ወከልቲ ህዝቢን ተፀዋዕቲ ትካላትን ምስ መንግስቲ ክልል ሶማሌ ብምዃን ንዓቕመ ደካማታት ዝሃነፁዎም ገዛውቲ ኣረኪቦም

ኣዲስ ኣበባ፣ 17 ጥሪ፣ 2015 (ኤፍ ቢ ሲ)ባይቶ ወከልቲ ህዝቢ ፌዴሪኢን ተፀዋዕቲ ትካላትን ምስ መንግስቲ ክልል ሶማሌ ብምውዳድ ኣብ ከተማ ጂግጂጋ ንዓቕመ ደካማታት ዝሃነፁዎም ገዛውቲ ንተጠቀምቲ ኣመሓላሊፎም። ንዓቕመ ደካማ መራሕቲ ስድራ ዝተመሓላለፉ 31 ኣባይቲ ከምዝኾኑ ተገሊፁ፡፡ ኣብቲ…

ኢትዮጵያ ኣብ ውሕመ ዘለዋ ተሳትፎ ምኽባር ሰላም ኣጠናኺራ ክትቅፅል ኢያ – ሜ/ጄ ኣዳምነህ መንግስቴ

ኣዲስ ኣበባ፣ 17 ጥሪ፣ 2015 (ኤፍ ቢ ሲ)ኢትዮጵያ ኣብ ውድብ ሕቡራት መንግስታት ዘለዋ ተሳትፎ ምኽባር ሰላም ሕዚ ብዘለቶ ኣግባብ ክትቅፅል ንምግባር ውፅኢታዊ ስራሕቲ ተጠናሒሮም ክቕጥሉ ከምዝግባእ ኣዛዚ ማእኸል ምኽባር ሰላም ሰራዊት ምክልኻል ሜጀር ጄነራል ኣዳምነህ መንግስቴ ገሊፆም። እቶም…

ፕሬዚዳንት ዓለም ለኸ ማሕር ቀይሕ መስቀል ኣዲስ ኣበባ ኣቲየን

ኣዲስ ኣበባ፣ 17 ጥሪ፣ 2015 (ኤፍ ቢ ሲ)ፕሬዚዳንት ዓለም ለኸ ማሕር ቀይሕ መስቀል ሚርጃና ስፖልጃሪክ ናይ ክልተ መዓልቲ ዑደት ስራሕ ንምግባር ሎሚ ኣዲስ ኣበባ ኣቲየን። እተን ፕሬዚዳንት ኣብ ፃንሒተን ምስ ላዕለዎት ሓለፍቲ ስራሕ መንግስቲ፣ ማሕበር ቀይሕ መስቀል ኢትዮጵያን መራሕቲ ሕብረት…