Browsing Category
ዓለም ለኻዊ ዜናታት
ኣብ ኮፕ30 ቅዋም ኣፍሪካ ንምግዋሕ ሩሲያ ሓገዝ ክትገብር ኢያ
ኣዲስ ኣበባ፣ 21 መስከረም፣ 2018 (ኤፍ ኤም ሲ)ኣቦ መንበር ኮሚሽን ሕብርት ኣፍሪካ ማሕሙድ ዓሊ ዩሱፍ ምስ ኣምባሳደር ሩሲያ ኣብ ኢትዮጵያን ተወካሊ ሕብረት ኣፍሪካን ኢቭጌኒ ተርክሂን ኣብ ቤት ፅሕፈቶም ተዛቲዮም።
ዘተኦም ድማ ብዛዕባ ምትሕብባር ሩሲያን ሕብረት ኣፍሪካን፣ ምድላው ካልኣይ…
ኣብ ማላዊ ፕሬዚዳንታዊ መረፃ ወዲ 85 ዕድመ ፒተር ሙታሪካ ተዓዊቶም
ኣዲስ ኣበባ፣ 12 መስከረም፣ 2018 (ኤፍ ኤም ሲ)ኣብ ማላዊ ፕሬዚዳንታዊ መረፃ ወዲ 85 ዕድመ ነበር ፕሬዚዳንት ፒተር ሙታሪካ ተዓዊቶም።
ካብ 2014 ክሳብ 2020 ዓ.ም.ፈ ነታ ሃገር ዝመርሑ ፒተር ሙታሪካ ሎሚ ዘበን ኣብ ዝተኻየደ መረፃ አወን 56 ሚኢታዊ ድምፂ ብምርካብ ከምዝተዓወቱ ኮሚሽን…
ኣብ 2 ወርሒ 1 ነጥቢ 1 ቢሊየን ሊትሮ ነዳዲ ናብ ዕዳጋ ዘቕረበ ፋብሪካ መፃረዪ ነዳዲ…
ኣዲስ ኣበባ፣ 6 መስከረም፣ 2018 (ኤፍ ኤም ሲ)ኣብ ኣፍሪካ ግዙፍ ፋብሪካ መፃረዪ ነዳዲ ናይጄሪያዊ በዓል ሃፍቲ ኣሊኮ ዳንጎቴ ኣብ ውሽጢ 60 መዓልታት 1 ነጥቢ 1 ቢሊየን ሊትሮ ነዳዲ ናብ ዕዳጋ ኣቕሪቡ።
እቲ ፋብሪካ ስራሕ ዝጀመረሉ ፈላማይ ዓመት ሎሚ ኣብ ወርሒ መስከረም ኣኽቢሩ።
በዓል…
ጆ ባይደን ብሕማም መንሽሮ ቆርበት ሕክምና መጥባሕቲ ገይሮም
ኣዲስ ኣበባ፣ 30 ነሓሰ፣ 2017 (ኤፍ ኤም ሲ) ነበር ፕሬዚዳንት ኣሜሪካ ጆ ባይደን ብሕማም መንሽሮ ቆርበት ሕክምና መጥባሕቲ ኣካይዶም።
ውሃቢት ቃል ወዲ 82 ዓመት በዓል ፀጋ ዕድመ ጆ ባይደን ከምዝበልኦ÷ ባይደን ካብ ዘጋጠሞም ሕማም መንሽሮ ቆርበት ብዝተትሓሓዘ ዘካየድዎ ሕክምና መጥባሕቲ…
ኣብ ናይጄሪያ ብሓደጋ ምስማጥ ጃልባ 60 ሰባት ህይወቶም ሓሊፉ
ኣዲስ ኣበባ፣ 29 ነሓሰ፣ 2017 (ኤፍ ኤም ሲ)ኣብ ሰሜናዊ ናይጄሪያ ግዝኣት ኒጀር ብዘጋጠመ ሓደጋ ምስማጥ ጃልባ 60 ሰባት ህይወቶም ሓሊፉ፡፡
እታ ጃልባ ህጻናት ሓዊሱ ልዕሊ 100 ሰባት ኣሳፊራ እናተጓዓዘት ኣብ ዝነበረትሉ እዋን ዘጋጠመ ሓደጋ ከምዝኾነ ሰብ እቲ ከባቢ ተዛሪቦም፡፡
በቲ…
ፕሬዚዳንት ፑቲን ንመዘነኦም ፕሬዚዳንት ዩክሬን ኣብ ሞስኮ ዑደት ክገብሩ ዓዲሞም
ኣዲስ ኣበባ፣ 28 ነሓሰ፣ 2017 (ኤፍ ኤም ሲ) ፕሬዚዳንት ሩስያ ቭላድሚር ፑቲን ንመዘንኦም ፕሬዚዳንት ዩክሬን ቮሎዲሚር ዘለንስኪ ኣብ ሞስኮ ሩስያ ዑደት ክገብሩ ምስኦም ክዛተዩ ዓዲሞም፡፡
ፕሬዚዳንት ፑቲን ኣብ ቻይና ዝገብርዎ ዑደት ኣመልኪቶም መግለፂ ሂቦም።
ኣብ መግለፂኦም ኣብ ቻይና…
ኣብ ሱዳን ብዘጋጠመ ሓደጋ ጋህሲ መሬት ሓደ ሺሕ ሰባት ህይወቶም ስኢኖም
ኣዲስ ኣበባ፣ 27 ነሓሰ፣ 2017 (ኤፍ ኤም ሲ)ኣብ ሱዳን ግዝኣት ዳርፉር ብዘጋጠመ ሓደጋ ጋህሲ መሬት ሓደ ሺሕ ሰባት ህይወቶም ስኢኖም።
እቲ ሓደጋ፥ ኣብታ ሃገር ካብ ዘሎ ጎንፂ ብምህዳም ብዙሓት ተመዛበልቲ ኣብ ዘዕቑብሉ መንደር ታራሲን ዘጋጠመ ከምዝኾነ ተገሊፁ።
ኣብ ዝሓለፈ ዕለተ…
ኣብ ኣፍጋኒስታን ብዘጋጠመ ሓደጋ ራዕዲ መሬት ቁፅሪ መወትቲ ካብ 800 ሓሊፉ
ኣዲስ ኣበባ፣ 26 ነሓሰ፣ 2017 (ኤፍ ኤም ሲ)ኣብ ምብራቓዊ ኣፍጋኒስታን ብዘጋጠመ ሓደጋ ራዕዲ መሬት ዝሞቱ ሰባት ቁፅሪ ካብ 800 ሓሊፉ ተባሂሉ፡፡
በቲ ሓደጋ ልዕሊ 2 ሺሕን 500 ሰባት ዝተጎድኡ እንትኾኑ፤ ደቂ ኣንስትዮን ህፃናትን በቲ ሓደጋ ልዑል ጉድኣት ኣተኣናጊዶም፡፡
ማእኸል…
ቻይናን ህንዲን ካብ ተናሓናሓይነት ናብ ምሕዝነት
ኣዲስ ኣበባ፣ 25 ነሓሰ፣ 2017 (ኤፍ ኤም ሲ)ፕሬዚዳንት ቻይና ሺ ጂንፒንግን ቀዳማይ ሚኒስትር ህንዲ ናሬንድራ ሞዲን ናይ ነዊሕ እዋን ወጥሪ ዶብ ሓዊሱ ንነዊሕ ዓመታት ድሕሪ ዝፀንሐ ወጥሪ ርክበን ንምጥንኻርን ተስማዕሚዐን።
ድሕሪ ሸውዓተ ዓመታት ንፈለማ እዋን ቀዳማይ ሚኒስትር ህንዲ ናሬንድራ…
ደቡብ ኮሪያ ተምሃሮ ኣብ ኣቢያተ ትምህርቲ ስልኪ ከይሕዙ ከልኪላ
ኣዲስ ኣበባ፣ 21 ነሓሰ፣ 2017 (ኤፍ ኤም ሲ)ደቡብ ኮሪያ ተምሃሮ ኣብ መኣዲ ትምህርቶም ስማርት ስልኪ ከይሕዙ ዝኽልክል ሕጊ ኣፅዲቓ፡፡
እቲ ሕጊ ከም ኣቆፃፅራ ኣውሮፓውያን 2026 ተግባራዊ ምዃን ክጅምር ኢዩ ተባሂሉ፡፡
ህፃናትን ሰገናትን ብወልፊ ዘበናዊ ስልኪ ከምዝዝተቓልዑ ብመፅናዕቲ…