Fana: At a Speed of Life!
Browsing Category

ዓለም ለኻዊ ዜናታት

ኣብ ሩስያ ብዝተፈጸመ መጥቃዕቲ ድሮን ኣብ 13 መዓርፎ ነፈርቲ ኣገልግሎት ተቋሪፁ

ኣዲስ ኣበባ፣ 30 ሚያዝያ፣ 2018 (ኤፍ ኤም ሲ)ኣብ ደቡባዊ ሩስያ ከተማ ሮስቶቭ ኦን ዶን ኣብ ዝርከብ ህንፃ ምምሕዳር በረራታት ብዝተፈፀመ መጥቃዕቲ ኣብ ልዕሊ ሰራሕተኛታት ዝኾነ ይኹን መጉዳእቲ ከምዘይበፅሐ ሚኒስቴር ትራንስፖርት እታ ሃገር ኣፍሊጡ፡፡ ብምክንያት መጥቃዕቲ ዝተቋረፀ ኣገልግሎት…

ኣብ ወሽመጥ ሆርሙዝ መጥቃዕቲ ኣብ ዝተፈፀመላ መርከብ ቻይና ዝተጎድአ ሰብ የለን

ኣዲስ ኣበባ፣ 30 ሚያዚያ፣ 2018 (ኤፍ ኤም ሲ)ቻይና ኣብ ወሽመጥ ሆርሙዝ መጥቃዕቲ ኣብ ዝተፈፀመላ መርከብ ዝተጎድአ ሰብ የለን ኢላ፡፡ ኣሜሪካን እስራኤልን ምስ ኢራን ኲናት ካብ ዝጅምራ ንደሓር ኣብ ልዕሊ መርከብ ቻይና መጥቃዕቲ እንትፍፀም እዚ ንፈለማ እዋን ከምዝኾነ ተገሊፁ፡፡ ኣቐባሊ…

ንልምዓት ሲቪል ኑክሌር ኢነርጂ ኢራን ሓገዝ ቻይና  

ኣዲስ ኣበባ፣ 28 ሚያዚያ፣ 2018 (ኤፍኤምሲ)ሚኒስትር ጉዳያት ወፃኢ ቻይና ዋንግ ዪ ንልምዓት ሲቪል ኑክሌር ኢነርጂ ኢራን ዘለዋ ሓገዝ ክትቅፅል ኢያ ኢሎም። እቶም ሚኒስትር ምስ ኢራን መዘነኦም ኣባስ ኣራግቺ ኣብ ቤጂንግ ተዛቲዮም። ኣብቲ እዋን ዘተ ዋንግ ዪ ከምዝበሉዎ፤ ኢራን ወታደራዊ…

ኣብ ቻይና ፋብሪካ ርችት ብዘጋጠመ ፍንጀራ ህይወት 26 ሰባት ሓሊፉ

ኣዲስ ኣበባ፣ 27 ሚያዝያ፣ 2018 (ኤፍ ኤም ሲ) ኣብ ቻይና ከተማ ሊዩያንግ ኣብ ዝርከብ ፋብሪካ ርችት ብዘጋጠመ ፍንጀራ ህይወት 26 ሰባት ክሞቱ እንከለዉ 61 ድማ ከምዝቆሰሉ ተሓቢሩ። ድሕሪ እቲ ፍንጀራ ስርሒታት ምድሓን ህይወት ይካየድ ከምዝነበረን ብምሕባር፤ ሰብመዚ 3 ኪሎ ሜትር…

ኢራን ናብ ወሽመጥ ሆርሙዝ ንምእታው ዝፈተና መራኽ ጦር ኣሜሪካ ብሚሳኤል ከምዝወቕዐት ተሓቢሩ

ኣዲስ ኣበባ፣ 26 ሚያዚያ፣ 2018 (ኤፍ ኤም ሲ)ኢራን ዘመሓላለፈቶ መጠንቀቕታ ብምጥሓስ ናብ ወሽመጥ ሆርሙዝ ንምእታው ዝፈተና መራኽብ ጦር ኣሜሪካ ብሚሳኤል ከምዝወቕዐት ተሓቢሩ፡፡ ፕሬዚዳንት ኣሜሪካ ዶናልድ ትራምፕ ሓይሊ ባሕሪ እታ ሃገር ኣብቲ ወሽመጥ መሕለፊ ስኢነን ጠጠው ዝበላ መራኽብ ዓጂቡ…

ቻይና ምስ 53 ሃገራት ኣፍሪካ እትገብሮ ዕድጊት ንግዲ ካብ ቀረፅ ናፃ ክትገብር እያ

ኣዲስ ኣበባ፣ 22 ሚያዝያ፣ 2018 (ኤፍ ኤም ሲ) ቻይና ዲፕሎማስያዊ መሻርኽተይ ምስ ዝበለቶም 53 ሃገራት ኣፍሪካ ካብ ፅባሕ ጀሚሩ ዕድጊት ንግዲ ካብ ቀረፅ ናፃ ክትገብር እያ። ቻይና ቅድሚ ሕዚ ኣብ ዕብየት ዝርከባ 33 ሃገራት ካብ ቀረፅ ናፃ ዝኾነ ፖሊሲ ንግዲ ኣተግቢራ ዝነበረ…

ኣሜሪካ ምስ ኢራን ኣብ ዘካየደቶ ኲናት 25 ቢሊየን ዶላር ዝኸውን ገንዘብ ከሲራ

ኣዲስ ኣበባ፣ 21 ሚያዚያ፣ 2018 (ኤፍ ኤም ሲ)ኣሜሪካ ምስ ኣብ ዘካየደቶ ኲናት ክሳብ ሕዚ 25 ቢሊየን ዶላር ዝኸውን ገንዘብ ከምዘውፀአት ተሓቢሩ። ሮይተርስ ላዕለዋይ በዓል መዚ ወታደራዊ ቤት ዕዮ ኣሜሪካ ፔንታገን ፀሪሑ ከምዝፀብፀቦ፤ መብዛሕትኡ ወፃኢ ንጦር መሳርሒ ዝወፅአ ኢዩ። ቅድሚ…

ፕሬዚዳንት ትራምፕ ደስ ዘይበሎም ብወገን ኢራን ዝቐረበ ነጥቢ ድርድር…

ኣዲስ ኣበባ፣ 20 ሚያዝያ፣ 2018 (ኤፍ ኤም ሲ) ፕሬዚዳንት ኣሜሪካ ዶናልድ ትራምፕ፤ ኢራን ነቲ ንኽልተ ኣዋርሕ ዝቐፀለ ኲናት ንምቁራፅ ዘቕረበቶ መደራደሪ ነጥቢ ሕጉስ ኣይኮንኩን ኢሎም፡፡ ኢራን ኣብ ቀረባ እዋን ዘቕረበቶ መደራደሪ ነጥቢ እቲ ኩናት ደው ክሳብ ዝብል ድርድር ኒውክሌር…

ሚኒስትር ጉዳያት ወፃኢ ኢራን ምስ ፕሬዚዳንት ፑቲን ክዛተዩ እዮም

ኣዲስ ኣበባ፣ 19 ሚያዝያ፣ 2018 (ኤፍ ኤም ሲ) ሚኒስትር ጉዳያት ወፃኢ ኢራን ኣባስ ኣራግቺ ምስ ፕሬዚዳንት ቭላድሚር ፑቲን ንምዝርራብ ናብ ሩስያ ኣትዮም። ፕሬዚዳንት ኣሜሪካ ዶናልድ ትራምፕ ኢራን ንኽልተ ወርሒ ዝፀንሐ ኲናት ንምቁራፅ ክትዘራረብ እንተደልያ ደዊላን ናባና ክትመፅእ ትፅቢት…

ቤት ምኽሪ ብሪታንያ ሓድሽ ወለዶ ካብ ትምባኾ ዝዕቕብ ሕጊ ኣፅዲቑ

ኣዲስ ኣበባ፣ 15 ሚያዝያ፣ 2018 (ኤፍ ኤም ሲ) ቤት ምኽሪ ብሪታንያ ሓድሽ ወለዶ ሽጋራ ምግዛእ ዝኽልክል ካብ ትንባኾ ነፃ ወለዶ ሕጊ ደንቢ ኣፅዲቑ፡፡ እቲ ቤት ምኽሪ ብባይቶ እታ ሃገር ዝፀደቐ ሕጊ ድሕሪ 2008 ዓ.ም.ፈ ዝተወልዱ ብሪታንያውያን ሽጋራን ካልእ ፍርያት ትምባኾን…