Fana: At a Speed of Life!
Browsing Category

ዓለም ለኻዊ ዜናታት

ሊቢያ 600 ሕጋዊ ሰነድ ዘይብሎም ግብፃውያን ናብ ሃገሮም ክትምልስ ኢያ

ኣዲስ ኣበባ፣ 27 ጥቅምቲ፣ 2016 (ኤፍ ቢ ሲ)ሊቢያ ብዘይሕጋዊ መገዲ ዝነብሩ 600 ሕጋዊ ሰነድ ዘይብሎም ግብፃውያን ናብ ሃገሮም ከምትምልስ ተገሊፁ። ክሳብ ቀረባ እዋን ኣብ ሊቢያ ዝርከቡ ፍልሰተኛታት ናብ ሃገሮም ናይ ምምላስ ሓላፍነት ኤጀንሲታት ውድብ ሕቡራት መንግስታት ከምዝነበረ ተገሊፁ።…

ኣሜሪካ ኣብ ጋዛ ምቁራፅ ተኹሲ ንኽግበር ዘይትፈቅድ እንተኾይና ዋጋ ክትከፍል ኢያ – ኢራን

ኣዲስ ኣበባ፣ 26 ጥቅምቲ፣ 2016 (ኤፍ ቢ ሲ)ኣሜሪካ ኣብ ጋዛ ምቁራፅ ተኹሲ ንኽግበር ዘይትፈቅድ እንተኾይና ዋጋ ክትከፍል ኢያ ክትብል ኢራን ኣጠንቂቓ። ቴህራን÷ “ዋሺንግተን ኣብ ማእኸላይ ምብራቕ ዘሎ ጎንፂ ክበኣኣስ ትገብር ኣላ” ክትብል ከሲሳ። ሚኒስትር ምክልኻል ኢራን ሞሃመድ ሬዛ…

ኣንቶኒ ብሊንከን ምስ ፕሬዚዳንት ፍልስጤም ማህሙድ ኣባስ ብምርኻብ ዘቲዮም

ኣዲስ ኣበባ፣ 25 ጥቅምቲ፣ 2016 (ኤፍ ቢ ሲ)ኣብ ፍልስጤም ራማላህ ዝርከቡ ሚኒስትር ጉዳያት ወፃኢ ኣሜሪካ ኣንቶኒ ብሊንከን ምስ ፕሬዚዳንት ፍልስጤም ማህሙድ ኣባስ ብምርኻብ ዘቲዮም። ኣቐባሊ ቃል ሚኒስቴር ጉዳያት ወፃኢ ኣሜሪካ ማቲው ሚለር ከምዝሓሩዎ÷ ኣብ ጋዛ እናተገበረ ዝርከብ ሰብኣዊ…

ኣብ ኔፓል ብዘጋጠመ ምንቅጥቃጥ ምድሪ ልዕሊ 150 ሰባት ህይወቶም ስኢኖም

ኣዲስ ኣበባ፣ 24 ጥቅምቲ፣ 2016 (ኤፍ ቢ ሲ)ትማሊ ዓርቢ ኣብ ምዕራብ ኔፓል ብዘጋጠመ ምንቅጥቃጥ ምድሪ ልዕሊ 150 ሰባት ህይወቶም ከምዝሰኣኑ ተገሊፁ። ኣብተን ካብ ካትማንዱ ንምዕራብ 500 ኪሎ ሜትር ርሒቐን ዝርከባ ዞባታት ጃጃርኮትን ምዕራብ ሩኩምን ንዝካየድ ፃዕርታት ምድሓን ንምሕጋዝ…

ንፁሃን ፍልስጤማውያን ንምድሓን ምስራሕ ከምዝግባእ ኣንቶኒ ብሊንከን ኣተሓሳሲቦም

ኣዲስ ኣበባ ፣ 23 ጥቅምቲ፣ 2016 (ኤፍ ቢ ሲ)ኣብ ኲናት እስራዔልን ሃማስን ደም ንፁሃን ፍልስጤማውያን ከይፈስስ ጭቡጥ ስጉምቲ ክውሰድ ከምዝግባእ ሚኒስትር ጉዳያት ወፃኢ ኣሜሪካ ኣንቶኒ ብሊንከን ኣተሓሳሲቦም። ብሊንከን ኣብ ዝረኣዩ እዋናዊ ጉዳያት ንምምካር ናብ ቴል-ኣቪቭ ኣምሪሖም፡፡…

ኣሜሪካ ኣብ ልዕሊ ኩባ ዘንበረቶ ማዕቀብ ንግዲ ንክተልዕል ውሕመ ሓቲትቱ

ኣዲስ ኣበባ፣ 23 ጥቅምቲ፣ 2016 (ኤፍ ቢ ሲ)ኣሜሪካ ኣብ ልዕሊ ኩባ ንዓሰርተታት ዓመታት ዘንበረቶ ማዕቀብ ንግዲ ንክተልዕል ውድብ ሕቡራት መንግሳት(ውሕመ) ሓቲትቱ። ኩባ ንዝኸፍአ ኢኮኖሚያዊ ቅልውላው ከምዝኣተወት ብምግላፅ መፍትሒ ንክወሃቦ ኢዩ ተሓቲትቱ። ብፀገም ሕፅረት ቀረብ ምግቢ፣…

ካብ ጋዛ ናብ ግብፂ ዝወስድ መሳገሪ ዶብ ራፋ ንፈለማ እዋን ተኸፊቱ

ኣዲስ ኣበባ፣ 21 ጥቅምቲ፣ 2016 (ኤፍ ቢ ሲ)ካብ ጋዛ ናብ ግብፂ ዝወስድ መሳገሪ ዶብ ራፋ ጎንፂ እስራኤል ሃማስ ካብ ዝጅመር ንደሓር ንፈለማ እዋን ተኸፊቱ። ዝተጎድኡ ሰባት ዝሓዛ ኣምቡላንሳት ካብ ጋዛ ናብ ግብፂ ዝኣተዋ እንትኾና÷ ክሳብ ሕዚ ብውሑዱ ሸውዓተ ተጎዳእቲ ኣብ ግብፂ ከምዝበፅሑ…

ኤልኒኖ ብዘስዐቦ ድርቂ ኣብ መትረብ ፓናማ ቁፅሪ መርከባት ክንኪ ከምዝግበር ተገሊፁ

ኣዲስ ኣበባ፣ 21 ጥቅምቲ፣ 2016 (ኤፍ ቢ ሲ)ኣብ መትረብ ፓናማ ኣብ ውሽጢ 70 ዓመታት ተራኢዩ ዘይፈልጥ ድርቂ ብምግጣሙ እቲ መተሓላለፊ ዝጥቀማ መርከባት ቁፅረን ብዝበለፀ ከመዝንኪ ሰብ መዚ ተዛሪቦም። ምምሕዳር ሩባ ፓናማ ከም ኣቆፃፅራ ኣውሮፓውያን ካብ 1950 ጀሚሩ ኣብ ወርሒ ጥቅምቲ…

እስራኤል ሓደ ላዕለዋይ ወታደራዊ ኣዛዚ ሃማስ ምቕታላ ኣፍሊጣ

ኣዲስ ኣበባ፣ 21 ጥቅምቲ፣ 2016 (ኤፍ ቢ ሲ)እስራኤል ብዝፈፀመቶ መጥቃዕቲ ኣየር ሓደ ላዕለዋይ ወታደራዊ ኣዛዚ ሃማስ ምቕታላ ኣፍሊጣ። ኢብራሂም ቢኣሪ ዝተባህለ ላዕለዋይ ወታደራዊ ኣዛዚ÷ ጦር እስራኤል ኣብ ከባቢ ወሽመጥ ጋዛ ብዝፈጠሞ መጥቃዕቲ ኣየር ኢዩ ተቐቲሉ፡፡ እቲ ወታደራዊ ኣዛዚ…

ኣሜሪካ ኣብ ሞንጎ ሃማስን እስራኤልን ምቁራፅ ተኹሲ ንኽግበር ዝቐረበ ፃውዒት ውድቂ ገይራ

ኣዲስ ኣበባ፣ 20 ጥቅምቲ፣ 2016 (ኤፍ ቢ ሲ)ኣሜሪካ ኣብ ሞንጎ ሃማስን እስራኤልን ምቁራፅ ተኹሲ ንኽግበር ዝቐረበ ዓለም ለኸ ፃውዒት ከምዘይትቕበል ኣፍሊጣ። ኣቐባሊ ቃል ብሄራዊ ድሕንነት ኣሜሪካ ጆን ኬርቢ፥ “ኣብ ሞንጎ ሃማስን እስራኤልን ምቁራፅ ተኹሲ ይገበር ንምባል ትኽለኛ ሰዓት…