Fana: At a Speed of Life!

ኣብ ዝሓለፉ 4 ዓማውቲ ዓውዲ ሰደድ ንግዲ ወፃኢ ብማእኸላይ 7 ሚኢታዊት ምዕባለ ምምዝጋቡ ተገሊፁ

ኣዲስ ኣበባ፣ 7 መስከረም፣ 2016 (ኤፍ ቢ ሲ)ኣብ ዝሓለፉ 4 ዓማውቲ ዓውዲ ሰደድ ንግዲ ወፃኢ ብማእኸላይ 7 ሚኢታዊት ምዕባለ ምምዝጋቡ ሚኒስቴር ፕላንን ልምዓትን ገሊፁ። ልዑል ብፅሒት ዓውዲ ሕርሻ ከምዝሓዘ ዝገለፀ እቲ ሚኒስቴር፥ ብቀንዱ ቡን፣ ኣዝርእቲ ቅብኣትን ዕምበባን ልዑል ሰደድ ንግዲ…

ኣትሌት ጉዳፍ ፀጋይ ኣብ ውድድር ጉያ ደቂ ኣኒስቲዮ 5 ሺሕ ሜትሮ ክብረ ወሰን ዓለም ሰይራ

ኣዲስ ኣበባ፣ 7 መስከረም፣ 2016 (ኤፍ ቢ ሲ)ኣትሌት ጉዳፍ ፀጋይ ኣብ ኣሜሪካ ኣብ ዝተሳለጠ ውድድር ዳይመንድ ሊግ ደቂ ኣኒስቲዮ 5 ሺሕ ሜትሮ ክብረ ወሰን ዓለም ሰይራ። እታ ኣትሌት ነቲ ርሕቐት ብ14 ደቒቓ 00 ሴኮንድ 21 ማይክሮ ሴኮንድ ብምእታው ምዕዋታ ኣብ ኣትሌቲክስ ዓለም ዝረኸብናዮ…

መመዘኒታ ኣዋጅ ህንፃ እታ ከተማ ኣብ ልዕሊ ዘይኽተሉ ፕሮጀክታት ህንፃ ስጉምቲ ክውሰድ ኢዩ

ኣዲስ ኣበባ፣ 6 መስከረም፣ 2016 (ኤፍ ቢ ሲ)መመዘኒታ ኣዋጅ ህንፃ ከተማ ኣዲስ ኣበባ ኣብ ልዕሊ ዘይኽተሉ ኣብ ፕሮጀክታት ህንፃ ዝሳተፉ ኣልማዕቲ፣ ተቛረፅቲን ኣማኸርቲን ስጉምቲ ንምውሳድ ምድላው ከምዝገበረ በዓል መዚ ፍቓድን ቁፅፅርን ህንፀት እታ ከተማ ኣፍሊጡ። ምክትል ዋና ዳይሬክተር እቲ…

ባህር ዳር ከተማ ኣብ ካልኣይ ዙር ቅድመ መፃረዪ ፀወታ ፅዋዕ ኮንፌዴሬሽን ኣፍሪካ ዓወት ቀኒዑዋ

ኣዲስ ኣበባ ፣ 6 መስከረም፣ 2016 (ኤፍ ቢ ሲ)ጋንታ ባህር ዳር ከተማ ኣብ ካልኣይ ዙር ቅድመ መፃረዪ ፀወታ ፅዋዕ ኮንፌዴሬሽን ኣፍሪካ ዓወት ቀኒዑዋ። ባህር ዳር ከተማ ምስ ቱኒዚያዊት ጋንታ ኣፍሪካን ዝገበረቶ ፀወታ 2 ን 0 ተዓዊታ። ክልቲአን ሸቶታት ሃብታሙ ታደሰ ቅድሚ ዕረፍቲን ኣብ…

ኢትዮጵያ ንፈለማ እዋን ኣብ ዝተሳተፈትሉ ውድድር ካራቴ ጄ ኬ ኤስ ሜዳሊያ ወርቂ ረኺባ

ኣዲስ ኣበባ፣ 6 መስከረም፣ 2016 (ኤፍ ቢ ሲ)ኢትዮጵያ ንፈለማ እዋን ኣብ ዝተሳተፈትሉ ውድድር ካራቴ ጄ ኬ ኤስ ሜዳሊያ ወርቂ ረኺባ። ኣብ ዱባይ እናተኻየደ ኣብ ዝርከብ ፅዋዕ ኣፍሪካ እስያ ውድድር ካራቴ ጄ ኬ ኤስ (jks) ተሳተፍቲ ዝኾኑ ሰለስተ ኢትዮጵያውያን ተወዳደርቲ ሜዳሊያ ረኺቦም።…

ግዕዝይና ንምክልኻል ኣብ ዝግበር ፃዕሪ ኩሎም መዳርግቲ ኣካላት ብፅሒቶም ንኽዋፅኡ ፃውዒት ቀሪቡ

ኣዲስ ኣበባ፣ 6 መስከረም፣ 2016 (ኤፍ ቢ ሲ)ትካላት ግልፅነትን ተሓታትነት ዘለዎ ኣሰራርሓን ክህልወን ብምግባር ግዕዝይና ንምክልኻል ኣብ ዝግበር ፃዕሪ ኩሎም መዳርግቲ ኣካላት ብፅሒቶም ንኽዋፅኡ ኮሚሽን ስነ-ምግባርን ፀረ-ግዕዝይናን ፌዴራል ኣፍሊጡ። ኮሚሽነር እቲ ኮሚሽን ሳሙኤል ኡርቃቶ…

ብምኽንያት ምምላእ ሩባ ባሮ ንዝተመዛበሉ ወገናት ሓገዝ ንኽግበር ፃውዒት ቀሪቡ

ኣዲስ ኣበባ፣ 6 መስከረም፣ 2016 (ኤፍ ቢ ሲ)ኣብ ከተማ ጋምቤላ ሩባ ባሮ መሊኡ ኣብ ቀበሌታት 01፣ 02፣ 04ን 05 ብዘስዐቦ ጉድኣት ብዙሓት ነበርቲ ካብ መረበቶም እንትመዛበሉ ኣብ ልዕሊ ንብረት ዕንወት ኣጋጢሙ፡፡ ካብ ካልእ ግዘ ብዝተፈለየ ኩነታት ልዑል ጉድኣት ከምዝበፅሖምን እቲ ምምላእ…

በዓል ኢሬቻ 2016 ዓ.ም 26 ን 27ን መስከረም ክኽበር ኢዩ

ኣዲስ ኣበባ፣ 6 መስከረም፣ 2016 (ኤፍ ቢ ሲ)በዓል ኢሬቻ እዚ ዓመት 26 መስከረም ኣብ ሆረ ፊንፊኔ ከምኡ እውን 27 መስከረም 2016 ዓ.ም ኣብ ሆረ ኣርሰዲ ከምዝኽበር ተገሊፁ። ፀሓፊን ሕብረት ኣባገዳታት ኦሮሞን ቱለማን ኣባገዳ ጎበና ሆላ ኣብ ዝሃቡዎ መግለፂ÷ ኢሬቻ በዓል ምስጋና፣…

ባህላዊ ኣቀማምጣ መሬት ጌዴኦ ኣብ ዩኔስኮ ተመዝጊቡ

ኣዲስ ኣበባ፣ መስከረም 6፣ 2016 (ኤፍ ቢ ሲ)ኣብ ዞባ ጌዴኦ ዝርከብ ባህላዊ ኣቀማምጣ መሬት ጌዴኦ ኣብ ውድብ ሕቡራት መንግስታት ትካል ትምህርቲ፣ ሳይንስን ባህሊን (ዩኔስኮ) ተመዝጊቡ። ባህላዊ ኣቀማምጣ መሬት ጌዴኦ ኣብ ዩኔስኮ ተመዝጊቡ ዘሎ፥ ኣብ ሪያድ እናተኻየደ ኣብ ዝርከብ መበል 45…

ብሄራዊ ረብሓ ኢትዮጵያ ምሕላው ሓበራዊ ዛዕባና ኢዩ – ሓበራዊ ቤት ምኽሪ ፓርቲታት ፖለቲካ

ኣዲስ ኣበባ፣ 6 መስከረም፣ 2016 (ኤፍ ቢ ሲ)ብሄራዊ ረብሓ ኢትዮጵያ ምሕላው፣ ጉዳይ ህንፀት ሰላምን ልምዓትን ሓበራዊ ሃገራዊ ዛዕባና ኮይኑ ክቕፅል ኢዩ ክብል ሓበራዊ ቤት ምኽሪ ፓርቲታት ፖለቲካ ኢትዮጵያ ገሊፁ። ኣካቢ እቲ ቤት ምኽሪ ደስታ ዲንቃ ከምዝበሉዎ÷ ኣፈላላይ ኣተሓሳስባ ፖለቲካ…