Fana: At a Speed of Life!

ርክብ ክልላት ትግራይ፣ ዓፋርን ኣምሓራን ናብ ዝነበሮ ንምምላስ ዝሕግዝ መድረኽ ዘተ ይሳለጥ ኣሎ

ኣዲስ ኣበባ፣ 28 ሰነ 2015 (ኤፍ ቢ ሲ)ኣብ ሞንጎ ክልላት ትግራይ፣ ዓፋርን ኣምሓራን ዘሎ ርክብ ናብ ዝነበሮ ኩነታ ንምምላስ ዝግበር ፃዕሪ ዝሕግዝ መድረኽ ዘተ ይሳለጥ ኣሎ። ኣብቲ መድረኽ ዘተ÷ ኣመራርሓታት ቢሮ ሰላምን ፀፅታን ከምኡ እውን ቢሮ ትራንስፖርት እተን ክልላት ተረኺቦም፡፡…

ህዝቢታ ደቡብ ኢትዮጵያ መበል 12 ክልል ኮይኑ ንኽውደብ ተወሲኑ

ኣዲስ ኣበባ፣ 28 ሰነ፣ 2015 (ኤፍ ቢ ሲ)ቤት ምኽሪ ፌዴሬሽን ሓዲሽ ክልል ህዝቢታ ደቡብ ኢትዮጵያ ኮይኑ ንኽውደብ ውሳነ ኣመሓላሊፉ፡፡ ስሩዕ ኣኼባ 6ይ ዘበን ፓርላማ፣ 2ይ ዓመት እዋን ስራሕ፣ 2ይ ስሩዕ ጉባኤ ቤት ምኽሪ ፌዴሬሽን÷ ካብ ትማሊ ጀሚሩ እናሳለጠ ይርከብ፡፡ ኣብ ናይ ሎሚ…

ሕብረት ኣውሮፓ ንብሄራዊ ኮሚሽን ምኽክር ኢትዮጵያ ዝውዕል ሓገዝ 7 ሚሊየን ዶላር ገይሩ

ኣዲስ ኣበባ፣ 28 ሰነ፣ 2015 (ኤፍ ቢ ሲ)ሕብረት ኣውሮፓ ንብሄራዊ ኮሚሽን ምኽክር ኢትዮጵያ ዝውዕል ሓገዝ 7 ሚሊየን ዶላር ገይሩ። እቲ ዝተገበረ ስምምዕነት ሓገዝ÷ ሚኒስቴር ዴኤታ ገንዘብ ሰመሪታ ሰዋሰው ኣብ ዝተረኸባሉ ኮሚሽነር ንብሄራዊ ኮሚሽን ምኽክር ኢትዮጵያ መስፍን ኣርኣያ (ፕ/ር)ን…

ፎረም ህዝቢ ምስ ህዝቢን ዲፕሎማሲን ኢትዮ- ጅቡቲ ይሳለጥ ኣሎ

ኣዲስ ኣበባ፣ 28 ሰነ፣ 2015 (ኤፍ ቢ ሲ)ፎረም ህዝቢ ምስ ህዝቢን ዲፕሎማሲን ኢትዮጵያን ጅቡቲ ኣብ ኣዲስ ኣበባ ይሳለጥ ኣሎ። ኣብቲ መድረኸ ሚኒስትር ዴኤታ ሚኒስቴር ጉዳያት ወፃኢ ኣምባሳደር ብርቱካን ኣያኖ፣ ብሚኒስትር ዴኤታ ሚኒስቴር ጉዳያት ውሽጢ ሃገር ጅቡቲ ሲራጅ ኦማር ዝተመርሐ ልኡኽን…

ኣብ ዓለምና ኣዚዩ ዝሞቐ መዓልቲ ትማሊ ተመዝጊቡ

ኣዲስ ኣበባ፣ 28 ሰነ፣ 2015 (ኤፍ ቢ ሲ)ኣብ ዓለምና ኣዚዩ ዝሞቐ መዓልቲ ትማሊ ከምዝተመዝገበ ተገሊፁ። ሓበሬታ ማእኸላት ሓበሬታ ትምበያ ከባቢ ኣሜሪካ ከምዘመላኸቶ÷ ማእኸላይ ሙቐት ከም ናይ ትማሊ ዕለት ሓፍ ኢሉ ኣይፈልጥን፡፡ ናይ ትማሊ ማእኸላይ ሙቐት ዓለም 17 ነጥቢ 01 ዲግሪ…

ዑደት ጉጅለ ልኡኽ ዲፕሎማሲ ጂቡቲ ናይ ህዝቢታት ሕውነት ዘጠናኽር ኢዩ – ኣምባሳደር ብርቱካን

ኣዲስ ኣበባ፣ 28 ሰነ፣ 2015 (ኤፍ ቢ ሲ)ጉጅለ ልኡኽ ዲፕሎማሲ ጂቡቲ ኣብ ኢትዮጵያ ዝገበሮ ዑደት ርክብ ህዝቢ ምስ ህዝቢ ኣብ ምጥንኻር ኩነታ ከምዝቕይር ሚኒስትር ዲኤታ ጉዳያት ወፃኢ ኣምባሳደር ብርቱካን ኣያኖ ገሊፀን። ኣምባሳደር ብርቱካን ኣያኖ÷ ትማሊ ኣብ ምምሕዳር ከተማ ሸገር ልጉጅለ…

ቤት ምኽሪ ፌዴሬሽን ብሄራዊ ቦርድ መረፃ ዘቕረቦ ሪፖርት ይሰምዕ ኣሎ

ኣዲስ ኣበባ፣ 28 ሰነ፣ 2015 (ኤፍ ቢ ሲ)ቤት ምኽሪ ፌዴሬሽን ብሄራዊ ቦርድ መረፃ ኢትዮጵያ ዘቕረቦ ሪፖርት ይሰምዕ ኣሎ። ትማሊ ዝጀመረ 6ይ ዘበን ፓርላማ፣ 2ይ ዓመት እዋን ስራሕ፣ 2ይ ስሩዕ ጉባኤ እቲ ቤት ምኽሪ ሎሚ እውን ቀፂሉ፡፡ ብመሰረት እዚ ብሄራዊ ቦርድ መረፃ ኢትዮጵያ ቅድሚ…

ባርኖስን ቓቔጣን ናብ ዝተርኣየለን ዞባታት ትግራይ ሰብ ሞያ ሕርሻ ብምምዳብ ስራሕቲ ምክልኻል ይካየድ ኣሎ

ኣዲስ ኣበባ፣ 27 ሰነ፣ 2015 (ኤፍ ቢ ሲ)ኣብ ዞባታት ማእኸል፣ ደቡብን ምብራቕን ኣብ ዝርከባ ውሱናት ወረዳታት ክልል ትግራይ ባርኖስን ቓቔጣን ከምዝተርኣየ ቢሮ ሕርሻን ልምዓት ገፀርን ግዚያዊ ምምሕዳር እቲ ትግራይ ገሊፁ። ናብቶም ከባቢታት ሰብ ሞያ ሕርሻ ብምምዳብ ስራሕቲ ምክልኻል የካየድ…

ኣወሃህባ ኣገልግሎት ንምዝማን ጠመተ ሂብና ንሰርሕ ኣለና-ከንቲባ ኣዳነች ኣቤቤ

ኣዲስ ኣበባ፣ 27 ሰነ፣ 2015 (ኤፍ ቢ ሲ)ኣወሃህባ ኣገልግሎት ንምዝማን ጠመተ ሂብና ንሰርሕ ኣለና ክብላ ከንቲባ ምምሕዳር ኣዲስ ኣበባ ወይዘሮ ኣዳነች ኣቤቤ ገሊፀን። ኣብ "ስማርት ሲቲ"ን ዲጂታል ትራንስፎርሜሽንን ፅንሰ ሓሳብ ዝጠመተ ስልጠና መጨበጢ ግንዛበ ንመዳርግቲ ኣካላት ተዋሂቡ።…

ፕሬዚዳንት ሳህለወርቅ ምስ ኣባላት ቦርድ ምምሕዳር ፌዴሬሽን ኮሚቴ መፅናዕቲ  ዓለም ለኸ ቀይሕ መስቀልን ቀይሕ ወርሕን ዘቲየን

ኣዲስ ኣበባ፣ 27 ሰነ፣ 2015 (ኤፍ ቢ ሲሲ)ፕሬዚዳንት ሳህለወርቅ ዘውዴ ምስ ኣባላት ቦርድ ምምሕዳር ፌዴሬሽን ኮሚቴ መፅናዕቲ  ዓለም ለኸ ቀይሕ መስቀልን ቀይሕ ወርሕን ዘቲየን። እቶም ኣባላት ኣብ ኢትዮጵያ ዕላዊ ዑደት ስራሕ ገይሮም። ድሕሪ እቲ ዑደት ኣብ ዝገበርዎ ዘተ፥ ምንቅስቓስ…