Fana: At a Speed of Life!

ከባቢ ላዕለዋይ ተፋሰስ ኣዋሽ ኣብ ዓለም ቅርስነት ንምምዝጋብ ሕቶ ቀሪቡ

ኣዲስ ኣበባ፣ 25 ሓምለ፣ 2014(ኤፍ ቢ ሲ)ከባቢ ላዕለዋይ ተፋሰስ ኣዋሽ ኣብ ዓለም ቅርስነት ንምምዝጋብ ሕቶ ከምዝቐረበ ዋና ዳይሬክተር በዓል መዚ ሓለዋ ቅርሲ ኢትዮጵያ ረዳት ፕሮፌሰር ኣበባው ኣያሌው ገሊፆም። ኢትዮጵያ ኣብ ዩኔስኮ ብዙሓት ዝድህሰሱን ዘይድህሰሱን ቅርስታት ምምዝጋባ ይፍለጥ።…

ኣብ ክልል ደቡብ ምዕራብ ኣብ ወፍሪ ህልውና ንዝተሳተፉ ኣባላት ፍሉይ ሓይሊ ኣፍልጦን ሽልማትን ተበርኪትሎም

ኣዲስ ኣበባ፣ 25 ሓምለ፣ 2014(ኤፍ ቢ ሲ)ኮሚሽን ፖሊስ ክልል ህዝብታት ደቡብ ምዕራብ ኢትዮጵያ ኣብ ወፍሪ ህልውና ንዝተሳተፉ ኣመራርሓን ኣባላትን ፍሉይ ሓይሊ መርሃ ግብሪ ኣፍልጦን ሽልማትን ኣብ ከተማ ቦንጋ ከምዝተኻየደ ገሊፁ። ኣብቲ መርሃ ግብሪ ምክትል ርእሰ ምምሕዳር እቲ ክልል ዶክተር…

ኣብ ክልል ዓፋር ጉድኣት ንዘጋጠሞም ዜጋታት ማሕበራዊ ሓገዝ ከውህብ ዘኽእል ስልጠና ይወሃብ ኣሎ

ኣዲስ ኣበባ፣ 25 ሓምለ፣ 2014(ኤፍ ቢ ሲ)ኣብ ክልል ዓፋር ብኩናት ጉድኣት ንዝበፅሖም ዜጋታት ኣገልግሎታት ስነልቦናን ማሕበራዊ ሓገዝን ምሃብ ዘኽእል ስልጠና ኣብ ከተማ ሰመራ ምሃብ ተጀሚሩ። እቲ ስልጠና ሚኒስቴር ደቂ ኣንስትዮን ማሕበራዊ ጉዳይን፣ሚኒስቴር ጥዕና፣ ኢኒስቲትዩት ጥዕና ማሕበረሰብ…

ኣብ ታንዛንያ ኣብ ኣፀጋሚ ኩነታት ዝነበሩ 60 ኢትዮጵያውያን ናብ ሃገሮም ተመሊሶም

ኣዲስ ኣበባ፣ 25 ሓምለ፣ 2014 (ኤፍ ቢ ሲ)ኣብ ታንዛንያ ኣብ ኣፀጋሚ ኩነታት ዝነበሩ 60 ኢትዮጵያውያን ብፍቓዶም ሎሚ መዓልቲ ናብ ሃገሮም ተመሊሶም። ሓላፊ ዓለም ለኸ ትካል ፕሮግራም ስደተኛታት ኣብ ታንዛኒያ ዴቪድ ሆፍሜየር ኣብ ማሕበራዊ ምትእስሳር ገፆም ኣብ ዘመሓላለፉዎ መልእኽቲ፥ እቶም…

እኽሊ ዩክሬን ዝፀዓነት ፈላመይቲ መርከብ ካብ ወደብ ኦዴሳ ተበገሳ

ኣዲስ ኣበባ፣ 25 ሓምለ፣ 2014 (ኤፍ ቢ ሲ)ምስ ሩሲያ ብመሰረት ዝተገበረ ስምምዕነት እኽሊዩክሬን ዝፀዓነት ፈላመይቲ መርከብ ካብ ወደብ ኦዴሳ ተበገሳ። ሰብ መዚ ቱርኪን ዩክሬንን ከምዝበልዎ፥ እታ መርከብ ካብ ደቤባዊ ወደብ ኦዴሳ ተበጊሳ ምንቅስቓስ ጀሚራ ኣላ። እታ መርከብ 26 ሺሕ ቶን…

ሚኒስቴር ጥዕናን ተፀዋዕቲ ትካላትን ክረምታዊ ኣገልግሎት ወለንታ ኣጀሚሮም

ኣዲስ ኣበባ፣ 25 ሓምለ፣ 2014 (ኤፍ ቢ ሲ)ሚኒስቴር ጥዕናን ተፀዋዕቲ ትካላትን ክረምታዊ ኣገልግሎት ወለንታ ገዛውቲ ዓቕመ ደካማታት ናይ ምሕዳስ ስራሕቲ ኣጀሚሮም። እቲ ሕድሰሳት ገዛውቲ ዘጀመራ ሚኒስትር ጥዕና ዶክተር ሊያ ታደሰ እንትኾና፥ ኣብቲ መርሃ ግብሪ ሚኒስትር ዲኤታታትን…

ኮርፖሬሽን ስራሕቲ ሕርሻ ኢትዮጵያ ካብ ወፃኢ ዝዓደጎም 12 ነጥቢ 8 ሚሊየን ኩንታል ዘበናዊ ዱኽዒ ናብ ቀደብ ጅቡቲ ኣጓዓዒዙ ከምዝዛዘመ ገሊፁ

ኣዲስ ኣበባ፣ 25 ሓምለ፣ 2014 (ኤፍ ቢ ሲ)ኮርፖሬሽን ስራሕቲ ሕርሻ ኢትዮጵያ ንዘበነ ምህርቲ 2014/15 ዓ.ም ካብ ወፃኢ ዝዓደጎ ልዕሊ 12 ነጥቢ 8 ሚሊየን ኩንታል ዘበናዊ ዱኽዒ ናብ ቀደብ ጅቡቲ ኣጓዓዒዙ ከምዝዛዘመ ኣፍሊጡ። ናይ መወዳእታ 10ይ ዙር 500 ሺሕ ኩንታል ዩሪያ ዘበናዊ…

ሓይሊ ባሕሪ ሩሲያ ኣብ ቀረባ እዋን ሓደሽቲ ሃይፐርሶኒክ ሚሳኤላት ከምዝዕጠቕ ፕሬዚዳንት ፑቲን ገሊፆም

ኣዲስ ኣበባ፣ 24 ሓምለ፣ 2014 (ኤፍ ቢ ሲ)ሓይሊ ባሕሪ ሩሲያ ኣብ ቀረባ እዋን ሓደሽቲ ሃይፐርሶኒክ ሚሳኤላት ከምዝዕጠቕ ፕሬዚዳንት ፑቲን ኣፍሊጦም። ከም ቅዱስ ፒተርስበርግን ክሮንሽታትን ዝበላ ዓበይቲ ናይ ወደብ ከተማታት ሩሲያ ሎሚ መዓልቲ ኣብ ዝተኻየደ በዓል ሓይሊ ኣየር ተረኺቦም መደረ…

ኣብያተ ምኽሪ ዝተፈላለያ ዞባታት ክልል ደቡብ ምስ ጎረባብቲ ህዝብታት ኮብምዃን ብክልል ንምውዳብ ዘኽእል ውሳነ ኣሕሊፎም

ኣዲስ ኣበባ፣ 24 ሓምለ፣ 2014 (ኤፍ ቢ ሲ)ኣብያተ ምኽሪ ዝተፈላለያ ዞባታት ክልል ደቡብ ምስ ጎረባብቲ ህዝብታት ኮብምዃን ብክልል ንምውዳብ ዘኽእል ውሳነ ኣሕሊፎም። ቤት ምኽሪ ዞባ ህዝቢ ጎፋ 4ይ ዙር 9ይ ዓመት ዘመን ስራሕ 5ይ ስሩዕ ጉባኤኡ እናካየደ ይርከብ። እቲ ቤት ምኽሪ ኣወዳድባ…

ቴሌቭዥን ቤኒሻንጉል ጉሙዝ ፈተነ ፈነወ ጀሚሩ

ኣዲስ ኣበባ፣ 24 ሓምለ፣ 2014 (ኤፍ ቢ ሲ)ቴሌቭዥን ቤኒሻንጉል ጉሙዝ ሎሚ ብዕሊ ተመሪቑ ፈተነ ፈነወኡ ጀሚሩ፡፡ ነቲ ጣብያ ፈተነ ፈነወ መሪቖም ዘኽፈቱ፥ ርእሰ ምምሕዳር ክልል ቤኒሻንጉል ጉሙዝ ኣይተ ኣሻድሊ ሃሰን፣ ርእሰ ምምሕዳር ክልል ኦሮሚያ ኣይተ ሽመልስ ኣብዲሳ፣ ሚኒስትር ዲኤታ…