ብኲናት ዝተጎድኡ ሰበኽ ሳግምን ሓረስቶትን መሊስኻ ንምጥያሽ ትልሚ ተታሒዙ ክሰራሕ ይግባእ ተባሂሉ
ኣዲስ ኣበባ፣ 16 ጥሪ፣ 2014 (ኤፍ ቢ ሲ)ንብኲናት ዝተጎድኡ ሰበኽ ሳግምን ሓረስቶትን መሊስኻ ንምጥያሽ ትልሚ ተታሒዙ ክሰራሕ ከምዝግባእ ኣብ ቤት ምኽሪ ተወከልቲ ህዝቢ ቀዋሚ ኮሚቴ ጉዳያት ሕርሻ ኣታሓሳሲቡ።
እቲ ቀዋሚ ኮሚቴ ኣብ ክልል ዓፋር ወረዳ ጭፍራ ኣግማል፣ ኣጣል፣ መድሓኒታት እንስሳ፣…