ዜናታት ውሽጢ ዓዲ ሓበራዊ መድረኽ ዘተ ትካላት ዴሞክራሲ ፌዴራል ኣብ ጅግጅጋ ሎሚ መዓልቲ ክሳለጥ ኢዩ Gebremariam Weldegerima Dec 25, 2020 0 ኣዲስ ኣበባ፣ 16 ታህሳስ፣ 2013(ኤፍ ቢ ሲ)ብኣፈ ጉባኤ ባይቶ ወከልቲ ህዝቢ ኣይተ ታገሰ ጫፎ ዝምራሕ ጉጅለ ልኡኽ ናብ ጅግጅጋ ኣምሪሑ። እቲ ጉጅለ ልኡኽ ፕሬዚዳንት ላዕለዋይ ቤት ፍድሪ ፌዴራል ወይዘሮ መአዛ አሸናፊ ፣ ምክትል ኣፈ ጉባኤ ባይቶ ወከልቲ ህዝቢ ወይዘሮ ሽታዬ ምናለ፣ ኮሚሽነር…
ዜናታት ውሽጢ ዓዲ ክልል ሶማሌ ኣብ ዞባ መተከል ወረዳ ቡለን ኣብ ልዕሊ ንፁሃን ዜጋታት ብዝበፅሐ ጉድኣት ዝተሰመዖ ሓዘን ገሊፁ Gebremariam Weldegerima Dec 25, 2020 0 ኣዲስ ኣበባ ፣ 16 ታህሳስ፣ 2013 (ኤፍ ቢ ሲ) ብሄራዊ ክልላዊ መንግስቲ ሶማሌ ኣብ ዞባ መተከል ወረዳ ቡለን ኣብ ልዕሊ ንፁሃን ዜጋታት ብዝበፅሐ ጉድኣት ዝተሰመዖ ሓዘን ገሊፁ። ምንም ዓይነት ተሳትፎ ፖለቲካ ዘይብሎም ኣብ ክልል ቤኒሻንጉልጉምዝ ዞባ መተከል ወረዳ ቡለን ብረሃፆም ዝሓድሩ…
ኮሮናቫይረስ ኣብ ኢትዮጵያ ትማሊ ብዝተገበረ ምርመራ ብቫይረስ ኮሮና ዝተለኸፉ ተወሰኽቲ 410 ሰባት ተረኺቦም Gebremariam Weldegerima Dec 25, 2020 0 ኣዲስ ኣበባ፣ 16 ታሕሳስ፣ 2013(ኤፍ.ቢ.ሲ)ኣብ ኢትዮጵያ ትማሊ ኣብ ልዕሊ 5 ሺሕን 503ሰባት ብዝተገበረ ምርመራ ላቦራቶሪ ብቫይረስኮሮና ዝተተሓዙ ተወሰኽቲ 410 ሰባት ከምዝተረኸቡ ሚኒስቴር ጥዕና ኣፍሊጡ። ብመሰረት እዚ ኣብ ኢትዮጵያ በቲ ቫይረስ ዝተትሓዙ ሰባት ቁፅሮም 121 ሺሕን 399…
ዜናታት ውሽጢ ዓዲ ጊዚያዊ ምምሕዳር ክልል ትግራይ ሓደሽቲ ኣባላት ካቢኔ ዕላዊ ገይሩ Gebremariam Weldegerima Dec 24, 2020 0 ኣዲስ ኣበባ፣ 15 ታሕሳስ፣ 2013 (ኤፍ ቢ ሲ) ጊዚያዊ ምምሕዳር ክልል ትግራይ ሓደሽቲ ኣባላት ካቢኔ ተሸይሞም ናብ ስራሕ ከምዝኣተዉ ኣፍሊጡ። ሓላፊ ቤት ፅሕፈት እቲ ምምሕዳር ኣይተ ገብረመስቀል ካሳ፥ ኣብቲ ክልል ካብ ሞንጎ ዘድሊዩ 16 ኣባላት ካቢኔ 11 ተሸምቲ ብወግዒ ስራሕ ምጅማሮም…
ዜናታት ውሽጢ ዓዲ ኣምባሳደር ዶ/ር ኣዲስ ኣለም ባሌማ ንኻልኣይ ግዘ ቤት ፍርዲ ቀሪቦም Gebremariam Weldegerima Dec 24, 2020 0 ኣምባሳደር ዶ/ር ኣዲስ ኣለም ባሌማ ንኻልኣይ ግዘ ቤት ፍርዲ ቀሪቦም ኣዲስ ኣበባ ፣ 15 ታሕሳስ፣2013 (ኤፍ.ቢ.ሲ)ኣምባሳደር ዶክተር ኣዲስ ኣለም ባሌማ ንኻልኣይ ግዘ ቤት ፍርዲ ቀሪቦም ጉዳዮም ተራእዩ። ስለዝኾነ መርማሪ ፖሊስ፥ ኣምባሳደር ዶክተር ኣዲስ ኣለም ባሌማ ልኡኽቶ ተቐቢሎም…
ዜናታት ውሽጢ ዓዲ ኣብ ሚኒስቴር ጉዳያት ወፃኢ ምጥያሽ ፎረም መናእሰይ ዲፕሎማሰኛታትን ሰራሕተኛታትን ተኻይዱ Gebremariam Weldegerima Dec 24, 2020 0 ኣዲስ ኣበባ፣ 15 ታሕሳስ፣ 2013 (ኤፍ ቢ ሲ)ኣብ ሚኒስቴር ጉዳያት ወፃኢ ምጥያሽ ፎረም መናእሰይ ዲፕሎማሰኛታትን ሰራሕተኛታትን ከምዝተኻየደ ሚኒስቴር ጉዳያት ወፃኢ ኣፍሊጡ። ሚኒስትር ዲኤታ ጉዳያት ወፃኢ ኣምባሳደር ብርቱካን ኣያኖ ኣብ ዝተረኸባሉ ኢዩ፤ እቲ ፎረም ምጥያሽ ዲፕሎማሰኛታትን…
ዜናታት ውሽጢ ዓዲ ኢትዮጵያ ዘፈር ቁጠባዊ ሃፍቲ ንምስፋሕ ምስ ብራዚል ከምትሰርሕ ተገሊፁ Gebremariam Weldegerima Dec 24, 2020 0 ኣዲስ ኣበባ፣ 15 ታሕሳስ፣ 2013(ኤፍ ቢ ሲ)ኢትዮጵያ ዘፈር ቁጠባዊ ሃፍቲ ንምስፋሕ ምስ ብራዚል ተሓባቢራ ከምትሰርሕ ኣብ ባይቶ ወከልቲ ህዝቢ ኣካቢ ቀዋሚ ኮሚቴ ጉዳያት ርክብ ወፃኢን ሰላምን ዶክተር ነገሪ ሌንጮ ገሊፆም። እቶም ኣካቢ ምስ ኣምባሳደር ብራዚል ኣብ ኢትዮጵያ ኣቪ ፔድሮሶ…
ዜናታት ውሽጢ ዓዲ ናብ ቤት ትምህርቲ ንመለስ ዝብል ወፍሪ ክጅመር ኢዩ Gebremariam Weldegerima Dec 24, 2020 0 ኣዲስ ኣበባ ፣ 15 ታሕሳስ፣ 2013 (ኤፍ ቢ ሲ)ናብ ቤት ትምህርቲ ንመለስ ዝብል ወፍሪ ካብ ፅባሕ ጀሚሩ ከምዝካየድ ሚኒስቴር ትምህርቲ ኣፍሊጡ። እቲ ሚኒስቴር፥ ካብ ቤት ትምህርቲ ዝተረፉ ተምሃሮ ናብ ትምህርቶም ኣብ ዝምለሱሉ ኩነታት ኣድሂቦም ምስ ላዕለዎት ኣመራርሓታት መንግስቲ ብመርበብ…
ዜናታት ውሽጢ ዓዲ ቤት ፍርዲ ኣብ ልዕሊ ሜጀር ጄነራል ገብረመድህን ፍቃዴን ሓዊሱ 7 ላዕለዎት መኮንናት ጦር 12 ተወሰኽቲ መዓልቲታት ፈቒዱ Gebremariam Weldegerima Dec 24, 2020 0 ኣዲስ ኣበባ፣ 15 ታሕሳስ፣ 2013 (ኤፍቢሲ)ብገበን ክሕደት ሃገርን ሕገ-መንግስቲን ሕገመንግስታዊ ስርዓት ምፍራስን ዝተጠርጠሩ እኒ ሜጀር ጄነራል ገብረመድህን ፍቃዴን (ወዲ ነጮ) ሓዊሱ 7 ላዕለዎት መኮንናት ጦር 12 ተወሰኽቲ መዓልቲታት ንፖሊስ ፈቒዱ። እቲ መጋባእያ ንሎሚ መዓልቲ ብይሕደር…
ዜናታት ውሽጢ ዓዲ ኣምባሳደር ግርማ ተመስገን ምስ ሓላፊ ኮሚቴ ጉዳያት ወፃኢ ፓርላማ ቱርክ ተዛቲዮም Gebremariam Weldegerima Dec 24, 2020 0 ኣዲስ ኣበባ ፣ 15 ታሕሳስ፣2013 (ኤፍ.ቢ.ሲ)ኣምባሳደር ኢትዮጵያ ኣብ ቱርኪ ኣምባሳደር ግርማ ተመስገን ምስ ሓላፊ ኮሚቴ ጉዳያት ወፃኢ ፓርላማ ቱርክ ኣኪፍ ካጋታይ ኪሊክ ተዛቲዮም። ኣምባሳደር ግርማ ኣብ ዘተኦም፥ ኣብ ክልል ትግራይ ብዛባ ዘሎ እዋናዊ ኩነታት ዝምልከት መብርሂ ሂቦም።…