Fana: At a Speed of Life!

ፋና ኣብ ዝተፈላለዩ ትሕዝቶታት ዘለዎ ተበፃሕነት ተጠናኺሩ ንኽቕፅል ኢንስቲትዩት ኣርቲፊሻል ኢንተለጀንስ ሓገዝ ቴክኖሎጂ ክገብር ኢዩ – ወርቁ ጋቸና…

ኣዲስ ኣበባ፣ 19 ጥሪ፣ 2016 (ኤፍ ቢ ሲ)ኢትዮጵያ ፋና ብሮድካስቲንግ ኮርፖሬት ፋና ኣብ ዝተፈላለዩ ትሕዝቶታት ዘለዎ ተበፃሕነት ተጠናኺሩ ንኽቕፅል ኢንስቲትዩት ኣርቲፊሻል ኢንተለጀንስ ሓገዝ ቴክኖሎጂ ከምዝገብር ዋና ዳይሬክተር እቲ ኢንስቲትዩት ወርቁ ጋቸና (ኢ/ር) ገሊፆም፡፡ ፋና…

ሃገር ለኸ ቅብብል ሽግ ፓሪስ ኦሎምፒክ 2024 ኣብ መቐለ ተኻይዱ

ኣዲስ ኣበባ፣ 19 ጥሪ፣ 2016 (ኤፍ ቢ ሲ)ከም ኣቆፃፅራ ኣውሮፓውያን 2024 ዝካየድ ፓሪስ ኦሎምፒክ መርሃ ግብሪ መጀመሪ ሃገር ለኸ ቅብብል ሽግ ኣብ ከተማ መቐለ ተኻይዱ። ኣብቲ መርሃ ግብሪ መጀመሪ÷ ፕሬዚዳንት ፌዴሬሽን ኣትሌቲክስ ኢትዮጵያ ሓጋዚት ኮሚሽነር ኣትሌት ደራርቱ ቱሉን ካልኦት…

በዓል መዚ መራኸብቲ ሓፋሽ ናይ ሕሶት ሓበሬታን ናይ ፅልኢት ዘረባን ንምምካት ምስ ፋና ተዋዲዱ ክሰርሕ ኢዩ – ኣይተ መሓመድ እድሪስ

ኣዲስ ኣበባ፣ 19 ጥሪ፣ 2016 (ኤፍ ቢ ሲ)በዓል መዚ መራኸብቲ ሓፋሽ ኢትዮጵያ ናይ ሕሶት ሓበሬታን ናይ ፅልኢት ዘረባን ንምምካት ምስ ፋና ተዋዲዱ ከምዝሰርሕ ዋና ዳይሬክተር እቲ ትካል ኣይተ መሓመድ እድሪስ ገሊፆም፡፡ ፋና ብሮድካስቲንግ ኮርፖሬት ዘህነፀ ሓዱሽ ዘመናዊ ስቱዲዮ ፋና ላምሮት ሎሚ…

ፋና ኣብ ሞንጎ ህዝቢታ ሰላምን ዴሞክራሲን ንኸዓስል ሃናፂ ግደ እናተዋፀአ ይርከብ – ለገሰ ቱሉ (ዶ/ር)

ኣዲስ ኣበባ፣ 19 ጥሪ፣ 2016 (ኤፍ ቢ ሲ)ፋና ብሮድካስቲንግ ኮርፖሬት ፋና ኣብ ሞንጎ ህዝቢታ ሰላምን ዴሞክራሲን ንኸዓስል ሃናፂ ግደ እናተዋፀአ ከምዝርከብ ሚኒስትር ግልጋሎት ኮሙኒኬሽን መንግስቲ ለገሰ ቱሉ (ዶ/ር) ገፆም፡፡ ፋና ብሮድካስቲንግ ኮርፖሬት ዘህነፀ ሓዱሽ ዘመናዊ ስቱዲዮ ፋና…

ፋና ብቐጥታ ምስ ሃገርና ህዝቢናን ዝራኸብ ስራሕ ሒዙ ክቕፅል እዩ – ኣይተ ኣድማሱ ዳምጠው

ኣዲስ ኣበባ፣ 19 ጥሪ፣ 2016 ( ኤፍ ቢ ሲ)ፋና ብሮድካስቲንግ ኮርፖሬት ፋና ብቐጥታ ምስ ሃገርና ህዝቢናን ዝራኸብ ስራሕ ሒዙ ክቕፅል እዩ ዋና ፈፃሚ ስራሕ ኣይተ ኣድማሱ ዳምጠው ተዛሪቦም፡፡ ፋና ብሮድካስቲንግ ኮርፖሬት ዘህነፆ ሓዱሽ ዘበናዊ ስቱዲዮ ፋና ላምሮት የመርቕ ኣሎ፡፡ ኣብቲ…

ስቱዲዮ ፋና ላምሮት ዓቕሚ እቲ ትካል ብምዕባይ እዋናዊን ተኣማኒን ሓበሬታታት ብፍሉይ ኣቀራርባ ንምትሕልላፍ ዘኽእል ኢዩ- ኣይተ ኣደም ፋራህ

ኣዲስ ኣበባ፣ 19 ጥሪ፣ 2016 (ኤፍ ቢ ሲ) ፋና ብሮካስቲንግ ኮርፖሬት ዘሕነፆ ሓዱሽ ስቱዲዮ ፋና ላምሮት ዓቕሚ እቲ ትካል ኣብ ምዕባይ እዋናዊን ተኣማኒን ሓበሬታታት ብፍሉይ ኣቀራርባ ንምትሕልላፍ ዘኽእል ኢዩ ክብሉ ምክትል ፕሬዚዳንት ፓርቲ ብልፅግና ኣይተ ኣደም ፋራህ ገሊፆም። ፋና…

ፋና ብሮድካስቲንግ ኮርፖሬት ዘሕነፆ ስቱዲዮ ፋና ላምሮት የመርቕ ኣሎ

ኣዲስ ኣበባ፣ 19 ጥሪ፣ 2016 (ኤፍ ቢ ሲ)ፋና ብሮድካስቲንግ ኮርፖሬት ዘሕነፆ ስቱዲዮ ፋና ላምሮት የመርቕ ኣሎ። ኣብ ስነ ስርዓት እቲ ምረቓ፥ ላዕለዎት ሓለፍቲ ስራሕ መንግስቲ፣ ኣመራርሓ ቦርድ ፋና ብሮድካስቲንግ ኮርፖሬት ሓ.ማን ካልኦት ፃውዒ ዝተገበረሎም ኣጋይሽን ተረኺቦም።…

ኣይተ ደመቀ መኮነን ምስ ምክትል ፕሬዚዳንት ሪፐብሊክ ኩባ ሳልቫዶር ቫልዴስ ሜሳ ዘቲዮም

ኣዲስ ኣበባ፣ 18 ጥሪ፣ 2016 (ኤፍ ቢ ሲ)መክትል ቀዳማይ ሚኒስትርን ሚኒስትር ጉዳያት ወፃኢን ኣይተ ደመቀ መኮነን ምስ ምክትል ፕሬዚዳንት ሪፐብሊክ ኩባ ሳልቫዶር ቫልዴስ ሜሳ ዘቲዮም። እቲ ዘተ ክልቲኣዊ ምትሕብባርን ሕውነትን እተን ሃገራት ጠመተ ዝገበረ ከምዝኾነ ተገሊፁ። ብዛዕባ…

ክልላት ጋምቤላን ሲዳማን ኣብ ሙዚየም ዝክረ ዓወት ዓድዋ ዝቕመጡ ሓድግታት ለጊሶም

ኣዲስ ኣበባ፣ 18 ጥሪ፣ 2016 (ኤፍ ቢ ሲ)ክልላት ጋምቤላን ሲዳማን ኣብ ሙዚየም ዝክረ ዓወት ዓድዋ ዝቕመጡ ሓድግታት ሎሚ ንምምሕዳር ኣዲስ ኣበባ ለጊሶም። እቶም ሓድግታት ዘረከቡ ክልላት ሓላፊ ቤት ፅሕፈት ከንቲባን ጉዳያት ካቢኔን ኣይተ ጥላሁን ወርቁ ተረኪቦም። ኣይተ ጥላሁን፥ እቶም…

ኣትሌት ሳሙኤል ተፈራ ኣብ ኣስታና ኣብ ዝተኻየደ ውድድር ሻምፒዮና 3 ሺሕ ሜትሮ ውሽጢ ገዛ ተዓዊቱ

ኣዲስ ኣበባ፣ 18 ጥሪ፣ 2016 (ኤፍ ቢ ሲ)ኣትሌት ሳሙኤል ተፈራ ኣብ ካዛኪስታን፣ ኣስታና ኣብ ዝተኻየደ ውድድር ሻምፒዮና 3 ሺሕ ሜትሮ ውሽጢ ገዛ ናይዚ ዓመት ቅልጡፍ ሰዓት ብምምዝጋብ ተዓዊቱ። እቲ ኣትሌት ነቲ ውድድር ብ7 ደቒቓን 33 ሴኮንድን 85 ማይክሮ ሴኮንድን ብምእታው ከምዝተዓወተ…