Fana: At a Speed of Life!
Browsing Tag

ዝተመረፁ

ዝተወደበን ህርኩትን ሓረስታይ ዘለውዎ ፀገማት ንምፍታሕ ብትኹረት ምስራሕ ይግባእ – ኣይተ ጌታቸው ረዳ

ኣዲስ ኣበባ፣ 6 ሓምለ፣ 2016 (ኤፍ ቢ ሲ)ኣብ ክልል ትግራይ ንግልጋሎት ፕሮግራም ልምዓታዊ ሴፍትኔትን ውሕስና ምግብን ዝውዕላ ሚኒስትር ግብርና ፌዴራል ብደገፍ ዝለኣኸን 32 ተሽከርከርቲ ን32 ወረዳታት ተዋሂበን። ኣብቲ ስነ ስርዓት ርኽክብ ዝተገነዩ ርእሰ ምምሕዳር ግዚያዊ ምምሕዳር ክልል…

ደረጃ ሰለስተ ሪፈራል ሆስፒታል እዚ ምብራቕ ሰብ ሞያ ጥዕና ኣመሪቑ

ኣዲስ ኣበባ፣ 6 ሓምለ፣ 2016 (ኤፍ ቢ ሲ)ደረጃ ሰለስተ ሪፈራል ሆስፒታል እዚ ምብራቕ ሰራዊት ምክልኻል ሃገር ብክሊኒካል ነርሲንግ ዲፕሎማ ዘሰልጠኖም 800 ሰብ ሞያ ጥዕና ኣመሪቑ። ኣብ መርሃ ግብሪ እቲ ምረቓ ላዕለዋይ ኢታማዦር ሹም ሰራዊት ምክልኻል ሃገር ፊልድ ማርሻል ብርሃኑ…

ኢትዮጵያ መርዓ ትሕቲ ዕድመን ግርዛት ደቂ ኣኒስቲዮን ብምክልኻል ኣብ ውሕመ ኣፈልጦ ረኺባ

ኣዲስ ኣበባ፣ 5 ሓምለ፣ 2016 (ኤፍ ቢ ሲ)ኢትዮጵያ መርዓ ትሕቲ ዕድመን ግርዛት ደቂ ኣኒስቲዮን ብምክልኻል ኣብ ትካል ስነ ህዝቢ ውድብ ሕቡራት መንግስታት(ውሕመ) ኣፈልጦ ረኺባ። ሚኒስትር ደቂ ኣኒስቲዮን ማሕበራዊ ጉዳይን ኤርጎጌ ተስፋዬ (ዶ/ር) ትማሊ ኣብ ዋና ቤት ዕዮ ውሕመ ኒውዮርክ…

ፋና ብሮድካስቲንግ ኮርፖሬት ኣባል ዓለም ለኸ ዝምድና ጣቢያ ቴሌቨዥን ብሪክስ ብምዃን ንክሰርሕ ተሓሪዩ

ኣዲስ ኣበባ፣ 4 ሓምለ፣ 2016 (ኤፍ ቢ ሲ)ፋና ብሮድካስቲንግ ኮርፖሬት ኣባል ዓለም ለኸ ዝምድና ጣቢያ ቴሌቪዥን ብሪክስ ብምዃን ንክሰርሕ ተሓሪዩ። ብመሰረት እዚ ኣባል ኮይኑ ንክሰርሕ ዘኽእሉ ሰነድ ስምምዕነት ሎሚ መዓልቲ ከቲሙ። ኣብቲ ሰነድ ስምምዕነት፥ ዋና ኣፈፃሚ ስራሕ ፋና…

ቀ/ሚ ኣቢይ ኣሕመድ (ዶ/ር) ኣብ ፕሮጀክት ጫካ ፈልስታት ኣፕል ተኺሎም

ኣዲስ ኣበባ፣ 4 ሓምለ፣ 2016 (ኤፍ ቢ ሲ)ቀዳማይ ሚኒስትር ኣቢይ ኣሕመድ(ዶ/ር)ን ቀዳማዊት እመቤት ዝናሽ ታያቸውን ኣብ ፕሮጀክት ጫካ ፈልስታት ኣፕል ተኺሎም። እቶም ቀዳማይ ሚኒስትር ኣብ ማሕበራዊ ሚዲየኦም ኣብ ዘመሓላለፍዎ መልእኽቲ፥ “ተኸላ ፈልሲ ሓምለዋይ ኣሰር ስራሕቲና ዘቐመጥናዮ ሸቶ…

ንምኽባር ብሄራዊ ረብሓ ንዝሰርሓ መራኸብቲ ሓፋሽ ውሽጢ ዓዲ መርሃ ግብሪ ኣፍልጦ ተኻይዱ

ኣዲስ ኣበባ፣ 3 ሓምለ፣ 2016 (ኤፍ ቢ ሲ)ንምኽባር ብሄራዊ ረብሓ ንዝሰርሓ መራኸብቲ ሓፋሽ ውሽጢ ዓዲ መርሃ ግብሪ ኣፍልጦ ተኻይዱ። ኣገልግሎት ኮሚኒኬሽን መንግስቲ፥ “ሚዲያ ንሃገር” ብዝብል መሪሕ ሓሳብ ዘሰናደኦ እቲ መርሃ ግብሪ እተን ሚዲያታት ብዝበለፀ ንክሰርሓ ልዑል ኣስተዋፅኦ ከምዘለዎ…

ኣባላት ባይቶ ካብ ልዕሊ 127 ሺሕ ጣቢያታት ዝኣከብዎም ሕቶታት ንትካላት ኣቕሪቦም

ኣዲስ ኣበባ፣ 3 ሓምለ፣ 2016 (ኤፍ ቢ ሲ)ኣባላት ባይቶ ወከልቲ ህዝቢ ፌዴሪኢ ካብ 127 ሺሕን 277 ጣቢያታት ዝኣከብዎም ሕቶታት ንትካላት ኣቕሪቦም። ኣፈፀምቲ ኣካላት ንሕቶታት ህዝቢ ጠመተ ብምሃብ ንክሰርሕ እቲ ባይቶ ኣተሓሳሲቡ። ካብ ህዝቢ ዝተልዓሉ ሕቶታት ብዝተፈላለዩ ኣብያተ ዕዮ…

ንራህዋን ጉዕዞ ምዕባለን ህዝቢ ሱዳን ሎሚ እውን ከም ትማሊ ካብ ልቢ ክንሰርሕ ኢና-ቀ/ሚ ኣቢይ(ዶ/ር)

ኣዲስ ኣበባ፣ 2 ሓምለ፣ 2016 (ኤፍ ቢ ሲ)ቀዳማይ ሚኒስትር ኣቢይ ኣሕመድ(ዶ/ር) ፀገም ሓው ህዝቢ ሱዳን ናትና እውን  ፀገም ኢዩ ክብሉ ገሊፆም። እቶም ቀዳማይ ሚኒስትር ኣብ ማሕባረዊ ሚዲየኦም ኣብ ዘመሓላለፍዎ መልእኽቲ፥ ሰላሞ ህዝቢ ሱዳን ሰላምና ብምዃኑ ንራህዋን ጉዕዞ ምዕባለን ህዝቢ…

ኣብ ትግራይ ሃገራዊ ፈተና ተምሃሮ 12 ክፍሊ ምሃብ ተጀሚሩ

ኣዲስ ኣበባ፣ 2 ሓምለ፣ 2016 (ኤፍ ቢ ሲ)ኣብ ክልል ትግራይ ሃገራዊ ፈተና ተምሃሮ 12 ክፍሊ ምሃብ ተጀሚሩ። እቲ ፈተና ካብ 2 ክሳብ 12 ሓምለ 2016ዓ/ም ክወሃብ ኢዩ። ኣብ ትግራይ  ልዕሊ 54 ሺሕ ተምሃሮ 12 ክፍሊ ሃገራዊ መልቐቒ ፈተና ክወስዱ ኢዮም ዝብል ትፅቢት ኣሎ።…

ስራሕቲ ለምዓት ኮሪደር ኣራት ኪሎ-ቀበና-ኤምባሲ ኬንያ ተዛዚሙ- ቀ/ሚ ኣቢይ(ዶ/ር)

ኣዲስ ኣበባ፣ 1 ሓምለ፣ 2016 (ኤፍ ቢ ሲ)ስራሕቲ ለምዓት ኮሪደር ኣራት ኪሎ-ቀበና-ኤምባሲ ኬንያ ከምዝተዛዘመ ቀዳማይ ሚኒስትር ኣቢይ ኣሕመድ(ዶ/ር) ገሊፆም። እቶም ቀዳማይ ሚኒስትር ኣብ ማሕበራዊ ሚዲየኦም ኣብ ዘመሓላለፍዊ መልእኽቲ፥ እቲ ከባቢ ሓምለዋይ ናይ ምግባር ፃዕሪ ብግልፂ ከምዝረአ…